2011-12-01 15:56:36

ሐደራ ፡ ርሊጳ በነዲክቶስ መበል 16 ፡


ትማሊ ዕለተ ሮቡዕ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ወትሩ

ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝሀቡ ክዝከር ከሎ ፡ ነቶም አብቲ ብማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ዝተዳለወ ብዘይካ ሕይወት ፍትሒ የልቦን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘዳለዎ ጉብኤ ዝተሳተፉ ካብ ዝተላለዩ ሀገራት ንዝመጹ ልዑካን ድሕሪ ፍጻሜ ትምህርቲ ሰላም ከም ዝበልዎም የፈሊጡ አሎ ።

እዚ ጉባኤ”ዚ አብ መላእ ዓለም ብሞት ምቅጻዕ ክተርፍ ከም ዘለዎ አሚኑ ነዚ ይንቀሳቀስ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሞት ምቅጻዕ ክተርፍ ብማለት ዝማጐታ ሀገራት ዓለም ተጊሄን ክደፍአሉ ብምትሕስሳብ ፡ ንሞት ምፍራድን ምቅጻዕን ንክብርን ግርማን ወዲ ሰብ ዝጸረር ከም ዝኾነ ጠቂሶም በዚ መቅጻዕቲ”ዚ ኅርዓተን ጸጥታን ክነግስ ይክእል ማለት ከም ዘይክአል ክአ ገሊጾም።

ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ከተማታት ንሞት ዘይኮነን ንሕይወት ብዝብል አርእስቲ ትማሊ ዘዳለዎ መሪሕ ሐሳብ ሕደ ሺህን አርባዕተ ሚእትን ከተማታት ነቲ ሐስብ ተቀቢለን ነቲ ዕለት ዘኪረንኦ ከም ዝውዓላ ከምልከት ከሎ ፡ ናይዚ ዕለት”ዚ ተሳተፍቲ ብሞት ምቅጻዕ ዝብሀል ነገር ፈጺሙ ክተርፍ ከም ዝሐተታ ተፈሊጡ አሎ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ሰለሰተ ሰሙን ንጳጳሳት አፍሪቃ ሐውርያዊ ሰነደ ምዕዳን ከረክብዎም ንምዕራባዊት አፍሪቃ በኒን ከይዶምሉ አብ ዝነበሩ ግዜ መንግስታት አፍሪቃ ብሞት ምቅጻዕ ከገትኡ ሐቲቶምን አተሀሳሲቦምን ከም ዝንበሩ ዝዝከር ኢዩ ።

ሚእትን አርባዓን ሐደን ሀገራት ዓለም ንሞት ምፍራድ ከም ክግታእ ከም ዝወሰና ክምልከት ከሎ እተን ብሞት ዝቀጽዓ ሀገራት ሕቡራት መንግስታት አመሪካን ቺናን ብሞት ዝቅጽዕ ሰባት ቁጽሪ እናገጐደለ ይኸይድ ከም ዘሎ ክፍለጥ ከሎ ብሞት ምቅጻዕ ግን ከም ዘይተወገደ ይምልከት ።

አቀባሊ ቃል ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ማርዮ ማራጾቲ ከም ዘመልከትዎ አብ ዓለምና አሉታዊ ባህሊ ሞት ተገቲኡ ባህሊ ሕይወት ክምዕብልን ክዕንብብን ይጽዓር ከም ዘሎ ጠቂሶም አብዚ ሒዝናዮ ዘለና መበል 21 ክፍለ ዘመን”ዚ ብምት ምቅጻዕ አብ ቤት ማእሰርቲ ምስቃይ ምክልባት ንወዲ ሰብ ሰላም ምኽላእ ዝአመሰሉ አሰቃቂ ነገራት ክእገዱ ይግብኦም።

ጸኒዔን ብሞት ዝቀጽዓ ሀገራት ዓለም ሐምሳን ሾሞንተን ከም ዝኾና ዘኪሮም ክአ ብዙሐት ሀገራት ብሞት ዘይቀጽዓ ግን ብዝተፈላለየ እኩይ ተግባር ንህዝበን ዝቀጽዓ ሀገራት ከም ዘለዋ አቀባሊ ቃል ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ሐበሬታ ሂቦም።

እዚ አብ ከተማ ሮማ ዝመደብሩ ማሕበረ ሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ አብ ዓለምና ሰላም ክነግስ ዝጽዕር ብፍላይ አብ አፍሪቃ ተግባረ ሰናይ ዘካይድ ብኡሳት ፖሊቲካ ዘተዓርቅ ማሕብበር ሰብ ከም ዝኾነ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.