2011-11-29 15:08:46

ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ብዛዕባ ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየር ዝዝትይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ


ልዕሊ 200 ተጋባእያን ዘሳትፍ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተዳልወ ዛዕባ ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየር ዝዝትይ ክሳብ ዕለት 9 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓለም RealAudioMP3 ሓቆፍ ጉባኤ ትማሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ዱርባን ከምእተጀመረ እንክንገር፣ እቲ ዝካየድ ጉባኤ ክልተ መስቀለይና መዳያት፣ እቲ ሓምላይ ሓይሊ ጽዓት ዝብልን እቲ ካልኣይ ድማ ትግባሬ ስምምዕ ክዮቶ ዝብሉ ነጥብታት መሠረት ገይሩ ዝዝትይ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ዓለም ዝርኤይ ብከላ ናይ ተፈጥሮ ኣየር ንምንካይ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ሱታፌ ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሓገራት፣ ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ኣብ ምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክሳተፋ ናይ 100 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ክቐርብ ዝብል ውሳኔ ክትግበርን ዘመሓድሮ ኣካል ክቐውምን ከምኡ ድማ ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ቀዳማይ ናይ ተፈጻምነት ደረጃ ትግባሬ ዝብል ውሳኔ ዘጠቓልል ስምምዕ ክዮቶ ክመሓላለፍን፣ ስለዚህ ካብዚ ክሳብ 2020 ዓ.ም. ዘሰንይ ናይ መሰጋገሪ ውሳኔ ክህሉ ዝብል ብሓፈሻኡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ 2009 ዓ.ም. ቀጺሉ ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ካንኩን ኣገዳሲ ውጽኢት ዘይተረኽበሉ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስዒቡ ዝካየድ ከምዝኸውን ቅድም ክብል ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝተውሃቡ መግለጽታት የመልክቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሰንበት ዕለት 27 ኅዳር 2011 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ ማኅበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዝተሓላለኸን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ተፈጥሮን ንምቁጽጻርን ንምንካይን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሕዝብታት ድኻታት ሃገራትን ናይ መጻኢ ወለዶ ህጹጽ ኣድላይነት ግምት ዝህብ ሓላፍነት ዝተምልኦ ተኣማንነትን ምድግጋፍን ምትሕስሳብን ዘተባብዕ መልሲ ክህበሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.