2011-11-29 15:06:45

ናይ ሥድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ


ብስም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ እዚ ድማ እታ “ፋሚሊያሪስ ኮንሶርዚዮ - ቤተ ሰብኣዊ ብጻይነት/ማኅበርነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 22 ሕዳር 1981 ዓ.ም. ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ናይ ሥድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብውሳኔኦም ዝተመሥረተሉ ዝኽሪ መበል 30 ዓመትን ምኽንያት RealAudioMP3 ክሳብ ዕለት 1 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ሥድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 29 ኅዳር 2011 ዓ.ም. ከምእተጀመረ እንክሕበር፣ እዚ ሎሚ ዝተጀመረ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሻብዓይ ናይ ሥድራ ቤተ ሓልዮ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ክዝትይ እውን ምዃኑ ናይ ሥድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝሃቦ መግለጺ የመልክት።
“ፋሚሊያሪስ ኮንሶርዚዮ - ቤተ ሰብኣዊ ብጻይነት/ማኅበርነት” ሓዋርያዊ ምዕዳን ክርስትያን ሥድራ ኣብ እዋናዊ ዓለም ጸዋዕታኡን ኃላፊነቱን ሰብኣዊ ክብሪ ሥድራ ቤትን ኣብ ምሥጢረ ተክሊል ዝቐውም ትርጉሙን፣ ብሓፈሻኡ ክነብሮም ዝግብኦም ክቡራት ዋጋታት እተነጽርን ኣብ እዋናዊ ዓለም እዞም ክብርታት ንምንባሮም ዝድግፍ ሥልጣናዊ መገዲ እተመልክት ምዃና ይፍለጥ።
ናይ ሥድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲና ኤኒዮ ኣንቶነሊ ብዛዕባ እዚ ሎሚ እተጀመረ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ጉባኤ ዝዝትየሎም ነጥብታት ብዓንቀጸ ሃይማኖትን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ደረጃ ሰሪዑ፣ ብዓንቀጸ ሃይማኖት ደረጃ ይብሉ ሥድራ ቤት ኣምሳል ምሥጢረ ሥላሴ ኢዩ፣ ሥዳራ ቤት ብዝያዳ ድማ ክርስትያን ሥድራ ቤት፣ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ሱታፌ ማለት ምዃኑን እግዚኣብሔር “ኣብ፣ ወልድ መንፈስ ቅዱስ” ፍጹም ኣካላዊ/ሰብኣዊ ሱታፌ ኢዩ። ሰብኣዊ ሥድራ ቤት ናይቲ ውፉይ ሱታፌ ፍቕሪ ዝንበረሉ፣ እዚ ማለት ድማ ኣብ ምድሪ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ምዃንን፣ ኣብ ምድሪ ግልጸት ኣግዚኣብሔር ማለት ኢዩ። ቀጺሉ እውን ምሥጢረ ተኽሊል፣ ናይ ሓዲስ ኪዳን ቅዱስ ምሥጢር ብዝብል ስያሜ ዓሚዪቕ ትርጉምን ዕምቆት ጸዋዕታኡን ብዘነጽር መልክዕ ብሓድሽ ዝግለጽ ምዃኑ እውን ጠቂሶም፣ ብኻልእ መዳይ ኣቲ ኣብታ ፋሚሊያሪስ ኮንሶርዚዮ - ቤተ ሰብኣዊ ብጻይነት ኣብ እተሰምየት ሓዋርያዊት ምዕዳን ተመልኪቱ ዘሎ ኣርኣያ ሥድራ ቤት ኣብ ከባብን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ክነጽር ኣለዎ፣ ካህናትን ብፁዓን ጳጳሳትን ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮን ኣተነቓቕሖን ምሥጢረ ተክሊል ጸቕጢ ዘይኮነስ፣ ሰናይን ጽቡቕን ቅዱስን ምዃኑ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ቲዮሎግያን ትውፊት ቤተ ክርስትያንን ዝተደገፈ ቅዉም ነገሩ ከይሰሓተ ቅልል ብዝበለ መገዲ ከስተምህርዎን፣ ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ናይ ሥድራ ቤት ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ክህሉ፣ ሥድራ ቤታት ክራኸቡን ክርስትያናዊ ተመክሮኦም ክልወዋወጡን ክደጋገፉን ይግባእ፣ ኅብረት ኣባላት ቤተ ሰብ ክተባባዕ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ደረጃኡ ዝምልከት ኢዩ ኢሎም።
ኣብ እዋናዊ ዓለም ክርስትያን ሥድራ ቤት ተኣማኒ ወንጌላዊ ምስክርነት ንምሃብ ከረጋግጾ ዝግብኦ ቀንዲ ሓላፍነቱን ተልእኾኡን ብውስጠ ሕድ ሕዳዊ ኣገልግሎትን ለጋስን ኃላፍነትን ምፍራይን ሓልዮን ክንክንን ሕንጸት ውላድን ሕርኩት ኃላፍነት ኣብ ዕዮን፣ ንድኻታትን ኣብ ሕሱም ጸገም ንዝርከቡ ቆላሕታ ዝገብርን፣ ጸሎት ኣብ ቤት፣ ሱታፌ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ንጥፈትን ኃላፍነት ኣብ ሕዝባዊ ጉዳያትን ዝብል ምዃኑ ብፁዕነቶም ኣረዲኦም፣ ቤተ ክርስትያን ጾታዊ ስምዒት ማለት እቲ ናይ ፍቕሪ ውሻጣዊ ብሑት ፍትወት ጎድኑ ብትኽክልን ብኣገባብን ተተባብዕ ። እዚ ድማ ፍቕሪ ገዛእ ርእሱ ከም ጸጋ ኣብ ናይ ምውፋይ ተግባር ሓደ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ነጸብራቕ ዝኾነን ምስ እግዚኣብሔር ዝጸንዕ ኅያውነት ዘለዓለማዊ መርዓ ዘቐድም ክሳብ ዝኾነ ማለት ኢዩ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ መሠረታዊ ትርጉም ኣብ መንጎ ሓደ ወድን ጓልን ዝቐውም ዘይሕከኽ ቃል ኪዳናዊ ውህደት ዝፈጥሮ ሥድራ ቤት ዝተፈልየ ሓደስቲ ኣማራጺ መርእዮታት ወይ ኣብነታት ተባሂሎም ንዝንበሩ ዓይነት ሥድራ ቤት ሕጋውነት ንምልባስ ዝርኤ ከይዲ፣ ብሓቂ ሓቀይና ናይ ነጻነትን ማዕርነትን ትርጉም ዝጻረር ኢዩ። ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዓለም ተምሳል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝኾኑ ዝጸድቁን ኣብቲ ሓቀይና ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝጠቓለሉ ጉጉያት ዝንባሌታት ደረት ዘይብሎም ነጻነትን ማዕርነትን ፍጹምነት ከምዘለዎም ጌርካ ምንባር ዘይሓንጽ ዘዕንው ኢዩ ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.