2011-11-28 09:43:13

፪ ሰንበት ዘአስተምህሮ (ዘቅድስት) 16 ኅዳር 2004 ዓ.ም. (11/27/2011))


መዝሙር፡ ሎቱ ስብሓት ወሎቱ አኰቴት. . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 1፡16~17፤ 1ጴጥ 1፡13~21፥ ግ.ሓ.19፡21~ፍ፥ ዮሓ 6፡51~58
ምስባክ፡ኩሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ በሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ኩሉ ዝደለዮ አብ ሰማይን ምድርን አብ ባሕርን አብ ኩሉ ቀላያትን ገበረ” መዝ. 135፡6።
መዝሙር፡ “ነቲ ንሰንበት ዝቀደሰ ንሱ ዘይነበረሉ ጊዜ አይነበረን ወዲ አምላኽ ክርስቶስ ንሱ ዘይነበሮ ጊዜ አይነብረን ንአኡ ክብሪ ይግብኦ። ንሰብ ብአርአያኡ ፈጠሮ ኩሉ አብ ኢዱ እዩ፥ ንሰማይን ምድርን ይገዝእ፥ ከም ዝደልዮ ገበረ አምላኽ ወዲ እግዚአብሔር”። ተፈጥሮ ብምልኡ አብ ትሓቲ አምላኽ እዩ፥ ፍጡር በቲ ዘልኦ ንአምላኽ ከመስግን እዩ ተፈጢሩ። ልዕሊ ኹሉ ፍጡር ሰብ ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ስለ ዝተፈጥረ ዝያዳ ክብሪ አልኦ፥ ብመጠኑ ኸአ ሰብ ንአምላኽ አብ ኩሉ ክምስክሮ ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክገብር ይግብኦ። አምላኽና ፈቃር አምላኽ እዩ። ፍቕሩ በቲ ሓደ ወዱ ገሊጹልና እዩ።
ዝለዓለ ፍቕሪ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ሥጋኡን ደሙን ምስ ሃበና ገሊጹልና ንሎሚ አስተንትኖና አብዚ ኽኸውን እዩ።
ቅ. ቍርባን ምስጢር ናይ እምነት፥ ሕይወት፥ ሓድነት፥ አምላኾን ፍቕርን እዩ። ነዘን ሓሳባት እዚአን በብሓደ ክነስተንትነን።
ቅዱስ ቍርባን ምስጢር እምነት እዩ፡ ዝተቐደሰ ዝተለወጠ ህብስቲ ምስቲ ማንም ህብስቲ ሓደ ይመስል። ሕብሩ ሽትኡ መልክዑ መቐረቱ ህብስቲ ይመስል። ካብዚ ሓምሽተ ሕዋሳዊ ነገራት ሓደ ጥራሕ አብቲ ቀንዲ ሓቂ ክንርእዮ ንኽእል። ቅዱስ ቶማስ ብዓል እኲኖ ከምዝብሎ “ምርአይ፥ ምትንካፍ፥ምጥዓም” የጋግዩ እዮም። ምስማዕ አብ ሓቂ የብጽሓና። አእዛን ቃላቱ ይሰምዓ፥ “እዚ ሥጋይ እዩ፥ እዚ ደመይ እዩ”እምነት ልዕሊ ዝርኤ ነገራት ይወስደና።
ክርስትያን ልዕሊ ዝርኤ እዩ ክጥምት ዘልኦ። እቲ ሕፃን አብ መብልዕ ማል ዝተራእየ እግዚአብሔር አይመስልን እዩ፥ ከምኡ እውን እቲ አብ መስቀል ዝተሰቕለ መልክዕ አምላኽ አይነበሮን። ብእምነት ንሱ ሰብ ጥራሕ ከም ዘይኮነ ንአምን። ቅዱስ መጽሓፍ ከምዘሎ ክንርእዮ ከሎና ከም ኩሉ መጻሕፍቲ እዩ ዝመስል። ብእምነት ንሱ ጥራሕ ቃል አምላኽ ከምዝኾነ ንአምን። ቅዱስ ቍርባን ህብስትን ወይንን ይመስል እንተ ኾነ ብእምነት ጎይታይን አምላኸይን ኢልና ንሰግድ።
እዚ ብእምነት ኲኖ እቲ ዝርኤ ዝገበረና አብ ልዕሊ ከማና ዝበሉ ሰባት ኲንኦም ርኢና ክንክእል። አብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ክንጥምት ንኽእል ብኹሉ ክፉአት ጸገም ጥራሕ ዝሓፍሱ፥ ከምኡ አብ ሆስፒታል ደቂሶም ዘይሰምዑ ዘይርእዩ፥ አብ ምስርዕ ሞት ንቕትለት ዘለዉ፥ሕፃን አብ ማሕፀን አዲኡ ዘሎ፥ አብዚኦም እውን ክርስቶስ አሎ ክንብል ንኽእል። ነዚኦም ኩሎም ክንርእዮም ንኽእል ከምዚ ከአ ክንብል ንኽእል። እንሆ ሓወይ ሓፍተይ ብክብርን መሰልን ከማይ ከምኩሉ ክኸብር ክዕቆብ ከም ኩሉ ዝግብኦ ክንብል ንኽእል። እታ ዝነአሰት ርፍራፍ ቅ. ቍርባን አብአ ምሉእ ክርስቶስ አሎ። አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎና እምነት ነቲ አብ ግዝፍን ዝርኤን ነገራት ጥራሕ ከምነተኩር ዝገብረና ፈተና ዓቢ መልሲ እዩ።
    ቅዱስ ቍርባን ምስጢር ሕይወት እዩ። ኢየሱስ ናይ ሕይወት መግቢ እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌል ቅ.ቍርባን ምቕባል ሕይወት ከምዝኾነ ይገልጸልና። “ከምቲ ሕያው አቦ ዝለአኸኒ አነ ኸአ በቦ ሕያው ዝኾንኩ ከምኡ ኸአ እቲ ሥጋይ ዙበልዕ ብአይ ሕያው ኮይኑ ኪነብር እዩ” (ዮሓ 6፡57)። መስዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን እቲ ዝለዓለ ክርስቶስ ዝገበሮ ሓጢአትና ንምስዓርን ሕይወትና ንምሕዳስን እዩ። ብዝኾነ ነዚ መስዋዕቲ ኢልና አብ ዝተአከብናሉ ናይ ሕይወት ዓወት አብ ልዕሊ ሞት ኢና እነብዕል፥ ነዚ ምስጢር ክንቅበል ከሎና እቲ ዘይውዳእ ሕይወት ኢና እንቕበል።
    ቅ. ቍርባን ምስጢር ሓድነት እዩ። ቅ.ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ ቀዳመይቲ ንባብና “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ አይኮነትን፥ እታ እንቆርሳ እንጌራስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ አይኮነትን፥ ሓንቲ እንጌራ ካብ እትኸውንሲ ንሕና ብዙኃት ከሎና ሓደ ሥጋ ኢና፥ ከመይ ካብ ሓንቲ እንጌራ ኢና ተሳቲፍና” (1ቆሮ፡10፡16~17) እናበለ ምንጪ ሓድነትና አብ ክርስቶስን አብ መአደ ቅዱስ ቍርባኑን ከም ዝምስረት ይሕብረና።

አብ ምሉእ ዓለም በዚአ ስዓት ኩሎም ቅዱስ ቍርባን ዝቕበሉ ዘለዉ ንሕሰብ፥ ኩሎም ዝቕበልዎ ዘለዉ እቲ ምስ ርእሶም ዘወሃሃድዎ ሓደ ዝገበርዎ ክርስቶስ እዩ። እቲ ሓደ ክርስቶስ እዮም ዝቕበሉ ዘለዉ። በዚ ምስጢር እዚ ክርስቶስ እቲ ጎይታ ብግርማ አብ ሰማይ ዘውዲ ዝደፍኤ ንኹሎም ሰባት አብኡ ይስሕቦም። ንሱ ንነፍስወከፍና አብኡ ዘቕርበና ካብ ኮነ ነፍስ ወከፍና ኸአ አብ ነነድሕድና ክምእንቀራረብ ይገብረና። ነነድሕድና ሓወይ ሓፍተይ ክንብል ከሎና ክምቲ ካብ ሓደ ስድራ ዝውለዱ ቆልዑት አብ ነነድሕዶም ዝብልዎ ጥራሕ አይኮናን እንብል፥ እቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት ልዕሊ ናይ ሥጋ አዝማድና እዩ ምኽንያቱ ሓደ ዝኾነ ደም አሎና ንሱ ኸአ ደም ክርስቶስ እዩ። ናይ ቅዱስ ቍርባን ጸጋ ንአና ሓደ ይገብረና እዚ ኸአ ነፍሲ ወከፍና አብ ከምቲ ንርእስና እንገብሮ ሓልዮት አብ ነነድሕድና ክንገብሮ ዝግብአና ሓልዮትን ተገዳስነትን እዩ ዝገለልጸልና።
ንበል ሓደ ሰብ ቅዱስ ቍርባን ክቕበል እንከሎ ካህን ሥጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ኢሉ ክህቦ እንከሎ “አሜን” ኢሉ ዝተቐበለ እሞ ካብቲ ዝተቐበሎ ንእሽቶይ ቍርስ አቢሉ አባቴ እዚአ አይደልን ኢሉ አብቲ ካህን እንተ ዝመልሳ! እንታይ ምበልና፥ እዚ ኢና እንገብር ንኻልኦት ሰባት ምቕባል ክንአቢ ከሎና ማለት ብጽልኢ፥ ብቒምታ ወይ ከአ ናይ ሰባት ክብርን መሰልን አብ ግምት ከየእቶና ክነብር ከሎና። ንክርስቶስ ክንቅበሎ ከሎና ምሉእ ክርስቶስ ክንቅበል አብ ኩሎም አባላቱ ተሓጒስና ክንቅበሎ አሎና፥ ንአኡ ክንቅበል ከሎና ንኹሎም እቶም ንሱ ዝገበሮም፥ ዘፍቅሮም፥ ኩሎም ምእንትኦም ዝሞተ፥ ኩሎም አሕዋትናን አሓትና ዝሰማምዑናን ዘይሰማምዑናን እንደልዮም ዘይንደልዮም ኩሎም ክንቅበሎም አሎና።
    ቅዱስ ቍርባን እቲ ዝለዓለ አምልኾ አምላኽ እዩ። ነፍሲወከፍ ሰብ ክልተ ትምህርቲ አለዎ ክምሃሮ ዝኽእል። 1. እግዚአብሔር ከምዘሎ። 2. መስዋዕቲ ቅዳሴ እቲ ዝበለጸ መስዋዕቲ ምዃኑ እንተ ተቐቢልናዮ እግዚአብሔር ጥራሕ አምላኽ ምኻኑ ንቕበል ስለዚ ናይ ኩሎም ፍጡራት ተአዝዞ ምቕባል ግቡእ እዩ። አብዚ ዘመና ወዲ ሰብ ንዝኾነ ክመርጽ መሰል አልኦ ዝብል አሎ ወላ እውን ነቲ ደቂቕ ጽንሲ አምላኽ ዝፈጠሮ ክትንጽል ነጻ ምዃን፥ (አብ ዓድና ብሕጊ መንግስቲ ጽንሲ ምንጻል ክልኩል እዩ)፥ ምርጫ ካብ ሓቂ ዝተፈለ አምልኾ ጣኦት እዩ፥ አንጻር ሓቀኛ አምልኾ እዩ፥ ንፍጡር ቦታ አምላኽ ምሃብ እዩ። ሓቀኛ ነጻነት አብ ናይ እግዚአብሔር ሓቅን ድለትን ብምልኡ ክንብርከኽ ከሎና ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ሓቀኛ ነጻነት ሓደ ዝደለዮ ክገብር እንከሎ አይኮነን ዝርከብ፥ አብቲ ሓቂ ክገብር እንከሎ ዝገብሮ እዩ ዝርከብ።
    ቅዱስ ቍርባን ምስጢር ፍቕሪ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ከምዚ ይብል “በዚ እና ሓቂ እንታይ ምዃኑ እንፈልጥ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱ ምእንታና በጃ ሂቡ”(1ዮሓ 3፡16)። ክርስቶስ ከም ዘስተምህሮ፡ “ሰብ ካብቲ አብ ክንዲ አዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ አኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን” (ዮሓ 15፡13)። እቲ ዝበለጸ ናይ ፍቕሪ ምልክት ልቢ አይኮነን መስቀል እዩ። እዚ ኢና ተማሂርና ካብ መስቀል።

ፍቕሪ ከምዚ ትብል፥ “ሕይወተይ ምእንቲ ኻልኦት ክረብሑ በጃ ሂበ”። ሞት ዝበከሎ ባህሊ ኸአ “ነዚ ሰብ እዚ ምእንቲ ርእሰይ እስውኦ አሎኹ” ይብል። አብ ቅዱስ ቍርባን ትርጉም ፍቕሪ ንርኢ እሞ አብአ ክነብር ሓይሊ ንለብስ። አብ ዓለምና ናይ እዋና ፈተና ዘሎ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ አብ ቅዱስ ቍርባን ዝህበና ንሳቶም እውን ሓጎስን ደስታን ከምዝህቡና ይዛረቡ። እቲ ኢየሱስ “እዚ ሥጋይ እዩ” ዝበለን ቃላት ብዝተፈላለየ መገዲ ምስቲ ንሱ ዝበሎ ዝጻረር ይብሃል። ክርስቶ ሕይወቱ በጃ ዝሃበ ካልኦት ሕይወት ምእንቲ ክረኽቡ እዩ። ገለ አብ ርእሶም ጥራሕ ለጊቦም ካልኦት ክሞቱ ይደልዩ። ክርስቶስ ዝብሎ ግን “እዚ ሥጋይ ምእንታኻትኩም ዝውሃብ እዩ፥ እዚ ደመይ እዩ ምእንታኾም ዝፈስስ” እዘን ቃልት እዚኤን ቃላት መስዋዕትን ቃላት ፍቕርን እየን።
Gustave Thibon ዝተባህለ እቲ ሓቀኛ አምላኽ ንናዕቢ ወይ ዓመጽ አብ ስቓይ ይልውጦ፥ እቲ ናይ ሓሶት አምላኽ ከአ ንስቓይ አብ ናዕቢ ወይ ዓመጽ ይቕይሮ ይብል። ዘይተደለ ጽንሲ አብ ዘይተደለ ፈተን ምንጻል ጽንሲ ከምርሕ ይኽእል እዩ። ብብርቱዕ ሕማም ዝመጽእ ስቓይ አብ ዘይተደልየ euthanasia ከምርሕ ይክእል እዩ፥ መጠኑ ዝሓለፈ ጭኮና አብ ሕብረተ ሰብ አብ ዘይተደለ ዘይቅኑዕ ፈተና ውግእ ከምርሕ ይኽእል እዩ፥ ቅዱስ ቁርባን ትምህርትን ሓይልን ንዓመጽ ክንልወጥ ከምኡ ንፈተና ዓመጽ አብ ፍቕሪ ክንልውጥ ይሕግዘና። “እዚ ሥጋይ፥ ደመይ፥ ሕይወትይ ምእንታኻትኩም ዝውሃብ እዩ ይብለና።
ኩሉ ንክርስቶስ ክኽተል ዝደለ ከምዚ ብሓደ ቃል ክብል ይግባእ። ሰብ ኪዳን ምስ ብዓል ኪዳኖም ወለዲ ምስ ቆልኡት፥ ካህናት ንምእመነን። ነዚ እነዕርጎ ዘሎና ምስጢር ክነስተንትኖን ክንግንዘቦን አሎና። “ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ” ክብል እንከሎ ንኹልና እዩ ዘስምዕ። ምስ ክርስቶስ ብድለት እንተ ተሳቒና ካልኦት ሕይወት ክረኽቡ እዮም። አብዛ ህውከትን ጥልመትን ዓመጽን ዝመልአ ዓለምና መብራህቲ ኮና ክንጉዓዝ ይግብአና። ንአምላኽ እሺ ኢልና ካልኦት ሕይወት ፍቕሪ ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ አነ ንመስዋዕቲ ስንድው ኮይነ ክርከብ ሓግዘኒ ንበሎ።
ቅዱስ ቍርባን እንኸዶ መገዲ ይሕብረና እዩ። ፍቕሪ አስኒቝ ሓይልና ኮይኑ አብ ኩሉ ምስኡ ከም እንነብር ይገብረና። እሞ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንቀርብ ከሎና ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ኮና ክንርከብ ሕይወትና ሓዲስና ኃጢአትና አንጺሕና ንቀበሎ። “ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አነ አብኡ ንሱ አባይ ይነብር” ዝበለና ኢየሱስ ሎሚ እውን ምስኡ ሓደ ክንከውን አብ መአዱ ንቕረብ ንቀበሎ ናትና ንግበሮ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.