2011-11-28 10:19:18

ርሊጳ ንክርስትያን ምእመናን …


ሎሚ ሕቶ እግዝአብሔር ዝተሰየመ ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ምእመናን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝተዳለወ መበል 25 ሐፈሻዊ ዓመታዊ አኬባ ምእመናን አብ ቫቲካን ከም ዝተኻየደ ክፍለጥ ከሎ ተሳተፍቲ አኼባ ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ።

በነዲክቶስ መበል 16 ንምአመናን ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ከም ዘመልከትዎ ምእመናን አብ ማሕበራዊ ሕይወት አድማዒ ተራ ክህልዎም ከም ይግባእ ።

ምስ እግዚአብሔር ንምርኻብ ምስኡ ዝተራኸበ ሰብ ክትረክብ የድሊ ዝበሉ በነዲክቶስ ክርስትያን ምእመናን መራኸቢ ድልድል ክኾኑ ከም ዝግባእ አመልኪቶም ።

ሕቶ እግዚአብሔር ናይ ሕቶታት ሕቶ ይኸውን ከም ዘሎን እዚ መሠረታዊ ሕቶ ወዲ ሰብ ከም ዝኾነ፡ ሕቶን ጉዳይን እግዝአብሔር አብ ውሽጡ ዝስምዖ ሰብ ማዕጾ ጭቡጥ ተስፋ ከም ዝኸፍት ክአ አገንዚቦም።

ምስ እግዚአብሔር ዝተራኸቡ ጽኑዕ እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ወይ ክአ ንባበ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ምርካብ ሐደ አጋባብ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካቶሊካውያን ምእመናን ጐደና ሰላምን ተስፋን ክመርሑ ተላብዮም።

ክርስትያን ምእመናን አብ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ሕይወት ሐደ ሕብረተ ሰብ አዎንታዊ አስተዋጽኦ ከበርክቱ ከም ዝክእሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘገንዘቡ ይምልከት።

ከምኡ ክአ ጉዳይ ሕቶ እግዚአብሔር አብ ውሽጢ ቤተ ክህነት ክልዓል ከም ዝግባእ ጠቂሶም ናይዚ ግዜ”ዚ ብድሆ መሠረታዊ ልባዊ ምቅያር ከም ዘድሊ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ዓቢ ክፍለ ዓለም ኤስያ ዝነብሩ ውሑዳት ህዝበ ክርስትያን ነቲ ዘጋጥሞም ዝተፈላለይ ሽግር ተጻዊሮም አብ እምነቶም ዘርእይዎ ጽንዓት ጽቡቅ አብነት ከም ዝኾነ ክአ ከም ዝዘከሩ ተፈሊጡ አሎ።

ዝመጽእ ዘሎ ዓመት አኬባ ክርስትያን ምእመናን አብ አፍሪቃ አብ ካመሩን ክካየድ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.