2011-11-26 15:59:36

ናይ እምነት ሰማዕታት ቨትናም


እቶም ዕለት 19 ሰነ 1988 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅእና ዝተኣወጀሎም 117 ደም ሰማዕታት ቨትናም ንዕብየት ቤት ክርስትያን ዘርኢ ምዃኑ RealAudioMP3 ካብ ዕለት 21 ሕዳር ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2011 ዓ.ም. 58 ካህናትን 27 ገዳማውያንን 95 ዓለማውያን ምእመናን ዘሳተፈ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ዘሎ ሰማዕታት ቨትናም ዘርእስቱ ዓወደ መጽናዕቲ ንዝተረኽቡ ቅድሚ ትማሊ ዓመታዊ በዓል ሰማዕትታት ቨትናም ምኽንያት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ስብከት ዘስምዑ ናይ ሆ ቺ ሚን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ባፕቲስት ፋም ሚን ማን ከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ካብ 130 ንላዕሊ ዝግመቱ ምእመናን ካቶሊክ ቨትናም ብእምነቶም ምኽንያት ብዝሓለፉ ነጋውሥ’ታ ሃገር ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን፣ እቲ ንሳቶም ስለ እምነት ዝኸፈልዎ ደም ሎሚ ነታ ኣብ ቨትናም እትርከብ ቤተ ክርስትያን መሠረት ዕብየት ከምዝኾነን ኣብ እዋን ለውጥን ኅዳሴን ሥርዓት ቨትናም ናይ እምነት ስደትን መከራን ዘጋጠሞም መሥዋዕትነት ዝኸፈሉ ደቂ ቤተ ክርስትያን ናይቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዓደለና ናይ እመነት ጸጋ ኃይልን ትብዓትን ዘነጽር ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፋም ሚን ማን ከምዘመልከቱ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ዝኽሪ እቶም ሰማዕታት ነታ ኣብ ቨትናም እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትብዓትን ኣሰር ሰማዕታትን ኅልው ምዃኑ ዘነጽርን ከምዝኾነ ብፁዕነቶም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓወደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘመልከቱን፣ ምስ ቤት ቤተ ክርስትያን ዘሎ ውህደት ዝጠማመት ዘበለ ፈተና እውን ንኽውገድን ፍልልይ ከይህሉ ዝድግፍ ከምዝኾነን ወንጌላውን ሰብኣውን ኣብ ሥድራ ቤትን፣ ማኅበራውን ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን መዳያት ክንበሩ ዘለዎም ክቡራት ዋጋታትን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘነቓቕሕ ኢዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.