2011-11-26 15:53:12

ናይ ኤወሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ሊቀ መንበርነት ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣልያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ባኛስኮን ኣብ ፖላንድ ናይ ፕረዘምይስ RealAudioMP3 ዘ ላቲናውያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሚቻሊክ ዋና ጸሓፍነት ምስ ዝምራሕ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዝጥርንፍ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፁዓን ጳጳሳት ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ንመርሕነት ዝመረጾም ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ኣብ ቫቲካን ከካይድዎ ዝቐነዩ ናይ ሰሙን ዕዮ ትማሊ ንጎሆ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ምርኻብ ከምዝዛዝሙ ብፁዕ ካርዲና ፐተር ኤርዶ ብሓደሽቲ ዋና ጸሓፍትታቶም ተመሪሖም ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም፣ ናይ ኤውሮጳ ውጥን ንምድጋፍ ናይ ቤተ ክርስትያን ቀዳማይ ኃላፍነታ ነቲ ብክርስትያናዊ ኣስተምህሮ ዝተመሓላለፈ ናይ ምትሕብባርን ሓገዝ ምቕራብን ኣብ ዝብሉ መትከላት ዘዘንብል ናይ ኣሕዛብ መንነት ምትብባዕ ኢዩ ኢሎም።
ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዋና ጸሓፊ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ባኛስኮ ብወገኖም ናይ ኤውሮጳ ብድሆ ኤኮኖምን ቁጠባን ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነስ ሥነ ሰብኣዊ ሕቶ ዳግም ማእከልነቱ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ኢዩ ዝብል እውን ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝርኤ ዘሎ ናይ ኤኮኖም ቅልውላው፣ ብፍላይ ድማ ምስፋሕ ስእነት ሥራሕ መሠረቱ ካብ ኤኮኖሚ ሥነ ምግባር ምንጻል ምዃኑ ጠቒሶም፣ ስለዚህ ኣብ መንጎ ሥነ ምግባርን ኤኮኖምን ዝተደጋገፈ ርክብ እንተ ደኣ ዘየሎ ንገዛ ርእሱ እቲ ኣቀዋውማ ሃገር እውን ኢዩ ዝበርስ፣ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሓሳብ’ዚ መሠረት ገይራ ኤውሮጳ ብድሆታታ ንምብዳህ ክትስዕቦ ዝግበኣ መገዲ ትሕብር ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.