2011-11-25 11:50:07

ርሊጳ በነዲክቶስ ልዑካን ተቀቢሎም አዘራሪቦም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክዝከር ከሎ ፡ ትማሊ ሮቡዕ ንምእመናን መንፈሳዊ ትምህርቲ ሂቦም።

ድሕሪ ፍጻሜ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም አብ ከተማ ሮዲ ዝተኻየደ ካልአይ ካቶሊካዊ ኦርቶዶክሳዊ መጋብእያ ዝተሳተፉ ካቶሊካዊያንን ጳጳሳትን ሜትሮፖሊታን ኦርቶዶክሳውያንን ልዑካን ተቀቢሎም አዘራሪቦም ።

ናይ ቡዳፐስት - ኤዝተርጎም ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ኤርዶ ድሕር”ቲ ምስ በነዲክቶስ ዝተኻየደ ርክብ ከም ዘመለክትዎ ፡ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኤውሮጳ ኦርቶዶክሳዋያን አብያተ ክርስትያናትን ብሐባር ቅዱስ ወንጌል ክሰብካን ክብሪ ክርስትና አብ ምርግጋጽ ክጽዕታን ዘለወን መደብ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተገሊጹሎም።

ሜትሮፖሊታ ጀናድዮስ ዘሳሲማ ብወገኖም ከም ዘመልከትዎ ፡ እዚ አብ ሮዲ ዝተኻየደ ካቶሊካዊ ኦርቶዶካሳዊ መጋባእያ ሰብአዊ ኩነታት አህዛብ ኤውሮጳ አመልኪቱ ከም ዝዘተየን ኤውሮጳ ክርስትያናዊ መንነታ ክትዕቅብ ዘክእላ ኩነታት ዳሂሲሱ ።

ማሕበራዊን ሞራላውን ትምህርቲ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን አብያተ ክርስትያናት ዝተቀራረበን ዝዛመድን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ እዚ ትምህርቲ”ዚ ብሐባር ንህዝቢ ክውሃብ ከም ዝግባእ አመልኪቶም።

ናይ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሜትሮፖሊታን ሂላርዮን ቮኮላምስክ አብቲ ትማሊ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ተሳታፊ ከም ዝነበሩን ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ፓትርያርክ ዘሞስኮ ንበነዲክቶስ ዝልአኽዎ ናይ ሰላምታ መልእክቲ ከም ዘስምዑ ተገሊጹ ።

አብ ፖርቱጋል ናይ ሊዝቦን ፓትርያርክ ኾሰ ዳ ክሩጽ ፖሊካርፖ ብዝገበርዎ ሐሳብን መሠረት ሳልሳይ ካቶሊካዊ ኦርቶዶክሳዊ መጋባእያ አብ ሊዝቦን ክካየድ ብመደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.