2011-11-24 15:29:08

ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዓመታዊ ጉባኤ


ዓለማውያን ምእመናን “ሎሚ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝምለክት ሕቶ፣ ብሓድሽ ካብ እግዚኣብሔር ክንጅምር ዶ ኣይግብኣናን? ዝብል ካብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብቓል መሕትት መልክዕ “ብርሃን ዓለም” ብዝብል ኣእርስቲ ዝተደርሰትን ንንባብ ኣብ ዝበቕዔት መጽሓፍ RealAudioMP3 ካብ ዘሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ሓዋርያዊ ግብረ ሥነ ኖልዎ መንፍስ ዘነጽር ብዝሃቡሉ ናይ ሕቶ መልሲ ዝተመርሔ፣ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ኣብ ሮማ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዓወደ መጽናዕትን ናይ ክቢ ጠረጴዛ መደብ ምይይጥ ዝፍጸመሉ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ሎሚ ከምእተጀመረ ተሓቢሩ።
ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እምነት ተውሳኽ ዘይኮነስ ኣገዳሲ ኢዩ፣ እምነት ናይ ወዲ ሰብ ቀንዲ ማእከል ሕይወት ኢዩ። ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክብ በቲ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ደጋዊ ክውን ነገር ዘለዎ ርክብ ዝውሰንን ዝምዘንን ኢዩ፣ ስለዚህ እግዚኣብሔር ካብ ሕይወት ሰብ ምንጻል ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዘይግለጽን ዘይንጹርን ምሥጢራዊ ነገር ኮይኑ ኢዩ ዘትርፍ። እቲ ካብ እምነት ዝውለድ ሰብ ብዘይብኣኡ ክነብር ዘይከኣሎ ዓቢ ተስፋ ዝወልድ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር፣ ጥራሕ ኢዩ ንኅላዌና ትርጉም ዝህብ ኢሎም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዘይ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝግበር ግንዛቤን ኣብ ግምት ምእታውን ዝተደናገረ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ ዝበልዎ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ጠቒሶም፣ ናይ ክርስትያን ሓላፍነት ኣብ ሕይወት ሰብ ንዕለታውያን እግዚኣብሔራት ዘይኮነስ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር ቀዳማነት ምሃብ ዝብል ኢዩ።
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ድኅረ ዘመናውነት እዋን’ዚ ዝዓበየ ብድሆ እግዚኣብሔር ፈሊኻ ኣብ ናይ ግሊ ጉዳይ ምዕጻው ዝብል ዝንባሌ ምዃኑ ብፁዕነቶም ጠቒሶም፣ እምነትን ሃይማኖትን ካብ ናይ ማኅብራዊ ጉዳይ ናይ ምንጻል ፈተነ ኣሎ፣ ገሊኣቶም ከምዝገልጽዎ ድማ ጽልኣት ክርስትያን ዝበሃል ዝንባሌ ኣሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ጉዳይ’ዚ እንክምልሱ፣ ብዙሓት ክፍትሑ ዝግበኦም ጸገማት ምዝርዛሮም ዝከኣል ኢዩ፣ እንተድኣ እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ዘይተበረን እግዝኣብሔር ኣብ ዓለም ከምብሓድሽ እንተድኣ ክራኤ ዘይተዘይተግበረ እቶም ጸገማት ክፍትሑ ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ። ስለዚህ ኣብዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ ነዘእምን ናይ ክርስትያን ውሁድ ሕይወትን ቃልን ዘጣምር ምስክርነት ኣገዳሲ ምዃኑ ብውሽጠ ተፈላጥነት ተመልኪቱ ንረክብ። እዚ ኢዩ ድማ እቲ ቀንዲ ኣገልግሎት ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ዓለም።
በቲ ምእንቲ ድሕነትና ሥጋና ለቢሱ ዝመጸ እግዚኣብሔር ወዲ እግዚኣብሔር ኣቢልና ኢና ገጽ እግዚኣብሔር ነለልይ። ስለዚህ ክርስትያን ምሳና ሓደረ ንሰብ ከናድይ ኣብ ትሕቲ ሰብ ዝወረደ እግዚኣብሔር ንዓለም ክምስክር ኢዩ ተጸዊዑ። ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ክሪስቲፊደለስ ላይቺ -ዓለማውያን ኣመንቲ ክርስቶስ” ዝብል ኣብ 1988 ዓ.ም. ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 34 ተመልኪቱ ከምእንረኽቦ፣ “ሰብ ብእግዚኣብሔር ዝተፈቕረ ኢዩ፣ እዚ ዘይተሓላለኸ ዘደንጽው ብሥራት’ዚ ቤተ ክርስትያን ንዘርኢ ሰብ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለዋ። ቃልን ሕይወትን ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እግዚኣብሔር የፍቅረካ ኢዩ፣ ክርስቶስ ምእንታኻ ኢዩ ዝመጸ፣ ክርስቶስ ንኣኻ መገድን ሓቅን ሕይወትን ኢዩ ዝብል ርጉጽነት ኢዩ ከቃልሕ ዘለዎ” እንክብሉ ዘንበርዎ ሓሳብ ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን ኢዩ ዘነጽር። ንኣና ድማ ሕቶ ኢዩ። ስለዚህ እዚ ዓይነት መልክዕ ዘለዎ እግዚኣብሔር ዲና ብሕይወትናን ብኹሉ ናይ ዕለታዊ ምርጫናን ክቃላሕን ከንጸባርቕን እንገብር? እዚ ሕቶ’ዚ ዓቢ ሓላፍነት ከምዘለና እዩ ዝገልጽ፣ ስለምታይ ዝተጋገየን ዘይንሱ ወይ ድማ ዝተመዛበለ እግዚኣብሔር ከይነቕርብ ክንጥንቀቕ ይግብኣና።
ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ምጅማር ጴጥሮሳዊ ተልእኾኦም ኣትሒዞም፣ ምድረ በዳ ጽልመተ እግዚኣብሔር፣ ካብ ነፍሲ ሰብ እግዚኣብሔር ዝተጸንቀቐሉን፣ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሰብ ጎዕዞን ግንዛቤ ዝተሓርሞ እዋናዊ ኅሊና፣ ብዘይ እግዚኣብሔር ምንባር ዝብልን ኣመለኻኽታን ዝርኤ ዓይነት ሕይወትን ኣነጺሮም ሓቢሮም ኢዩም፣ ዝተጠምቐ ኩሉ እምነት ሸለል ክብል የብሉን፣ ብዙሕ ጊዜ እምነት እንተሃልዩ ኢዩ፣ ኣብ ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን መዳይ ሳዕቤን እምነት ክርስትና ዘተሓሳስብ ኮይኑ ዝርኤ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ግን እዚ ንዓለም ዘተሓሳስብ ሳዕቤን ክርስትና እምነት ክውን ኣይመስልን። ስለዚህ እቲ ዓብይ ብዶሆ ድማ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክርስትና ናይ ወንጌል ክቡር ዋጋን ናይ እምነት ጽባቔን ብወንጌል ክምራሕ ዝፈቕድ ሕይወት ዘለዎ ጽባቔ ዳግም ምዕታርን ምንባርን ዝብል ኢዩ። እዚ ኢዩ ድማ ሸቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ንኽኽበር ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት። ቅዱስ ኣቦና ይብሉ፣ እምነት ኣብ ኅልው ኩነታት ከምዘሎ ዝምስክር ምሓስብ እምነትን ብፍላይ ድማ ብግብሪ እምነት ምንባር ዓቢ ብድሆ ኢዩ። እምነት ምርክፍካፍ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ሊሚ ሕይወትና እምነት ምንባር ኢዩ እምነትና ዘበርትዖ፣ ሜላ ዘይኮነስ ብዕምቆት ዝሕሰብን ብሓድሽ ዝንበርን እምነት ኢዩ ክርስስትና ዘድሕን ቢሎም እቲ ዝካየድ ዓወደ መጽናዕቲ ነዚ ኵሉ ብሰፊሕ ተመልኪቱ ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን ዘነጽር ምዃኑ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.