2011-11-22 13:38:22

ካሪታስ “ናይ ካቶሊክ ረድኤት ማኅበር” ጨንፈር ኢጣሊያ


ናይ ኢጣሊያ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን “ካሪታስ” ናይ ተራድኦ ማኅበር ምስ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምሥረታኡ ኣተሓሒዙ ክሳብ ጽባሕ ዝቕጽል RealAudioMP3 መበል 35 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ፊዩጂ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ከምዝጀመረ እንክሕበር፣ ብዛዕባ’ቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ካሪታስ ኢጣሊያ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ቪቶሪዮ ኖዛ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበር ኣብ ኢጣልያ ዘለዎ ኣበርክቶን ብፍላይ ድማ ብምኽንያት ኤኮኖምን ቁጠባን ቅልውላው ምስፋሕ እቲ ዘቕርቦ ደገፍ ክሰፍሕ ከምዝገበሮን ሓቢሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ናብቲ ዝግባእ ቦታን ክፍሊ ኅብረተሰብን ክበጽሕ ኣብ ኢጣልያ ምስ ዝርከባ ናይ ቁምስናታት (ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት) ናይ ካሪታስ ጨንፈራቱን ምስ ናይ ሰበኻታት ጨንፈር እውን ብምትሕብባር ግዳም ሓደር ብምእላይን ነቶም ብስእነት መንበሪ ገዛ ዝሳቐዩ ወይ ድማ ዋጋ ክራይ ንምኽፋል ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ንዝኾኖም ብዙሓት ኣባላት ቤተሰብ ንዝሓቑፋ ሥድር ኣባይትን ኩሉ ትምህርትን ሕክምና ናይ ምርካብ መሰሉ ክኽበረሉን ኣብዚ መዳይ እውን ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ዝርከቡ ስደተይናታት ብምድጋፍን ኣብ ዝተኣንገድሉ ሃገር ተወሃሂዶም ክነብሩ ዘብቅዖም ዝተፈላለዩ ሕንጸታት ዘቕርብ እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ነዚ ኹሉ ዝቕርቦ ኣገልግሎት ምስ ኣዋናዊ ኩነት ዝኸይድ መታን ኽከውን እዋናዊ ሰብኣውን ማኅበራውን ሽግራት ብምልላይ እዋናዊ መልሲ ንምሃብ ዝኽተሎ መርሃ ግብሪ ዝሕጽጽ ጉባኤ እውን ምዃኑ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.