2011-11-22 13:34:50

ሢመተ ሓዋርያዊ ሓላፍነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፑሊያ ክፍለ ሃገር ዋና ከተማ ባሪ ዝተወልዱ፣ ኣብ 1972 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ሚልኖ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍና ትምህርቶም ዘጠናቐቑን፣ በዚ ናይ ትምህርቲ ጨንፈር እውን RealAudioMP3 ሊቅነት ኣብቲ መንበር ጥበብ አመስኪሮምን፣ ቀጺሎም ሮማ ኣብ ዝርከበ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ሥነ ዓንቀጸ ሃይማኖት ሊቅነት ኣመስኪሮም፣ ብዝተፈላለዩ ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ዘገልገሉን፣ ናይ ባሪ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ፣ ካብ 1974 ዓ.ም. ክሳብ 1984 ዓ.ም. ኣብ ፑሊያ ናይ ውህደትን ነጻነትን ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ዋና ሓላፍን፣ ከም ኣባል ናይ ፊደይ ዶኑም-ናይ እምነት ጸጋ ብዝብል ስም ናይ ዝጽዋዕ ናይ ሰበኻ ልኡካን ካህናት ኣብ ብራዚል ሳው ሰባስቲያው ዶ ሪይ ደ ጃነሮ ካብ 1984 ክሳብ 1996 ዓ.ም. ዘገልገሉን፣ ኣብቲ እዋን ካብ 1984 ክሳብ 1988 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃኒየሮ ናይ ውህደትን ናጽነትን ካቶሊክ ምንቅስቃስ ሓላፍን ናይዚ ምንቅስቃስ’ዚ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ካብ 1988 ክሳብ 1996 ዓ.ም. ሓላፊ ኮይኖም ዘገልገሉን፣ ኣብቲ ኣብ ናይ 1992 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ጉዳይ ከባቢ ዝዝተየ ጉባኤ ናይ ዝተሳፉ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ኣባል ከምዝነበሩን፣ ኣብቲ ዓመት እቲ ከም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ዝተሳተፉን፣ ናይ ቱስካሚያ ሓዋርያዊ መስተናብር ኅየንተን ዕለት 10 ሚያዝያ 1996 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ደ ጃነሮ ናይ ሳው ሰባስትያው ጳጳስ ኮይኖም ተሰምዮም ዕለት 29 ሰነ 1996 ዓ.ም. ማዕርገ ጵጵስና ተቐቢሎም፣ ካብ 12 ግንቦት 2004 ዓ.ም. ናይ ፐትሮፖሊስ ጳጳስን ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዓንቀጸ ሃይማኖት ድርገት ቋሚ ኣባል ናይ ፐትሮፖሊስ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪን ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ደራሲ ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፖ ሳንቶሮ ነቶም ብዕድመ ምኽንይያ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብ ኢድ ኣቦና ነዘረከቡ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ታራንቶ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቤኒኞ ልዊጂ ፓፓ ተኪኦም ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሸሙዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ሳንታ ማሪያ ማጆረ ባሲሊካ ሊቀ ካህናት ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ሓላፍነቶም ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ንዘረከቡ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዜጋ ብፁዕ ካርዲናል በርናርድ ፍራንሲስ ሎው ክትክኡ ተወላዲ ስፐይን ሊቀ ጳጳስን ናይ ሮማዊት ቅድስቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምኽትል ካመርለንጎ ማለት ናይ ዝዓረፉ ር.ሊ.ጳ. ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትይን ተኸታሊ ንምሕራይ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ቅዱስ ጉባኤ ክሳብ ምጻሜ ናይቲ ክፉት ቦታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ምሕደራ ምኽትል ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሳንቶስ አብሪል ይ ካስተሎ ሊቀ ካህናት ቢሎም ከምዝሸምዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.