2011-11-19 17:09:28

ሓዋርያዊ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ


ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ቫቲካን “ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈጸመ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣፍርቃ 57 ነጥብታት አጽዲቁ ንቅዱስ ኣቦና ከምዝረከበ ዝዝከር እዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ዝቀረበሎም ለበዋታት መሠረት ብምግባር ሎሚ ኣብ ሃገረ በኒን ንጳጳሳት ኣፍሪቃ ዘረከብዎ ቃለ ምዕዳን ኣዊጆም፣
እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ክልተ ክፍልታት አለዎ፣ ቀዳማይ ክፍሊ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ስብከተ ወንጌል ብምምእካል። ኣፍሪቃ ንዕላማ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ እትህቦ መምርሒታት ይምርምር፣
ካልኣይ ክፍሊ ቤተ ክርስትያን እትህቦ ኣገልግሎት ብኅልፊ ኣብ መዳይ ቤት ትምህርቲ ሓለዋ ጥዕናን መራኸቢ ብዙኃንን ብዝምልከት ይዝርዝር፣ እዚ ክፍሊ’ዚ ሽሕኳ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ግድላት እንተሎ ንዘሎ ናይ ሥነ-ምርምር ባህልን ሃይማኖትን ሃምታም ውርሻ ብምእታው ምሉእ ተስፋ ከምዘሎ ይገልጽ።። ቅዱስነቶም ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብቲ ኣልሚስዋ ዘሎ ግድላት ነጻ ብምዃን ዝሕግዝ ኃይሊ ካብ ውሽጣ ብምርካብ ሕይወታን ታሪኻን ንምምሕያሽ ክትብገስ ብዝበለጸ ንክርስቶስ ክትቀበል የተባብዑ።።
እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኣወጁ ቃለ ምዕዳናት ዝተተሓሓዘ እዩ፣

ቀዳማይ ክፍሊ። ንተልእኮ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ኣንፈት ዝህቡ መዋቅር
ቅዱስነቶም “ኣፍሪቃ ነቲ ንጸላኢ ከይተረፈ ከተፍቅር ዝሓትት ናይ ፍቅሪ ብጻይ ኣዋጅ ዝሓዘ ድምጺ ክርስቶስ ክትሰምዕ አለዋ” (13) እንክብሉ። እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ንሰላም ናይ ግድን ንዝኾኑ ዕርቂ ምስ እግዚአብሔርን ዕርቂ ምስ ብጻይን ክግበር ይዕድም፣ በዚ ኸስ ንውኅደት ሥድራ ቤታት መሠረታዊ ዝኾነ ንጽሕና ኅልና። ማለት ምሕረት ምቅባልን ምሕረት ምሃብን አድላዩ እዩ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ዓመጽ መታን ከይድገም ነቶም ዝበደሉ ሃሰስ ቢልካ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፈጸሞ ዓመጽ ከምዝቆሙን ከምዝእረሙን ምግባር የድሊ፣
ኣብዚ ቅዱስነቶም ዘሥምሩሉ ጉዳይ አሎ። ሽሕ’ኳ ፍትሓዊ ማኅበራዊ ናብራ ምስራዕ ግደ ዓውዲ ፖሎቲካ እንተኾነ ቤተ ክርስትያን እውን ኅልና ሰብኡትን ኣንስትን ብምዅስኳስ። ነቲ ክንዮ ዝተሓተ ፍትሒ ብምስጋር ርእስኻ በጃ ኣኅዋትካ ክሳብ ምስዋእ ዘብጽሕ ኣብ ፍቅሪ ዝተምሥረተ ሰማያዊ ፍትሒ ብምምሃር ከተበርክት ትሕዝቲ እያ፣ ብናይ ክርስቶስ ፍትሒ ምንባርከስ ከምቲ ለበዋ ዝብሎ በመሠረት ወንጌላውያን ምኽርታት መነባብሮን ምትሕብባርን ፍቅርን እናሓሎኻ “ነቲ ቅቡል ዘይኮነን ኢሞራላውን ብስም መላእ ህዝቢ ዝግበር ምግባት ሃብቲ መወዳእታ ምግባር” (24) ማለት እዩ።። ስለዚኸስ “ንድኻን ንዝጠመየን ንዝሓመመን ንእሱርን ንስደተኛን ጽግዕተኛን ዝተፈናቀለን ፍሉይ ቆላሕታ ክግበር አለዎ”(27)፣ ቤተ ክርስትያን ነቲ “ናይቶም ንጹሓት ስደተኛታት ወይ እውን ናይቶም ገዛእቶም ንውልቃዊ ረብሓ ክብሉ ንዘሎን ዝመጽእን ከም ትሕጃ ዝገበቱሎም ህዝቢ ስቅታዊ ገዓር”(30) ድምጺ ብምዃን ሓዳስ ኣፍሪቃ ንምቋም እጃማ ተበርክት፣
ነዚ ኩሉ ኣብ ግብሪ ንምርኣይ ቤተ ክርስትያን ክትሰርሓሎም እትኽእል ዓውድታት ኣየኖት እዮም? ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ልዕሊ ኩሉ ዘመልክቶ ትምህርቲ ክርስቶስ ክጽናዕ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግላውን ሥድራ ቤታውን ማኅበራውን ናብራ ክንበር ዘለዎ ምዃኑ። ነናይ ቦታኡ ባህላዊ ሥርዓታት ብኅልፊ ንዕርቂ ዝርኢ ኣድቂቅካ ክጽናዕ። እዚ ከአ ንስብከተ ወንጌልን ንወንጌል ኣብ ባህሊ ኣፍሪቃ ንምስራጽን ዝሕግዝ ወይ ዝዕንቅፍ ምዃኑ ንምግንዛብ ኢዩ። በዚ ከኣ ንቀቢላውነትን ዓሌትነትን ወገንነትን ዝቋወም ሓዲስ ሕውነት ከነደንፍዕ ንኽእል፣
ቅዱስነቶም ፍሉይ ምክልኻልን ምእላይን ዘድልዮም ብማለት ነዘን ዚስዕባ ነጥብታት ይዝርዝሩ።

እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ካልእ ዘሥምረሉ ጉዳይ እውን አሎ። ኣፍሪቃ ብቅዋምን ነጻ ምርጫን ነጻ ቤት ፍርዲ ካብ ብልሽውና ነጻን ግሉጽን ዝኾነ አመሓድራን ዝግለጽ ጥዑያትን ቅኑዓትን መንግሥታት የድልይዋ፣ ካልእ ዋና ነገር ከአ ንሃብቲ ተፈጥሮ ምናዳ ንጥረ ነገራት ብስም ሓባራዊ ጥቅሚ ምምዝማዝ ነቲ ናይ ሓባር ሃብቲ ዝኾነ ማይ መሬት ምሕላው ከምዘድሊ ጸገም ስደት ንምቅዋም “ከም ናይ ሕውነት መግለጺ ንዝኾኑ ብነጻ ናይ ምውፋይ ዕላማን ናይ ጸጋ መንፈስን”(86) ዘጠቃልል ዓለም ለኸ ምትሕግጋዝ ግሎባል ሶሊዳሪት የድሊ።።

ከም መደምደምታ ናይዚ ቀዳማይ ክፍልን ከም ቀንድን ዘቅረብዎ ነጥቢ ጉዳይ ዘተ እዩ፣









All the contents on this site are copyrighted ©.