Home Archivio
2011-11-19 17:09:28
ሓዋርያዊ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ቫቲካን “ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈጸመ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣፍርቃ 57 ነጥብታት አጽዲቁ ንቅዱስ ኣቦና ከምዝረከበ ዝዝከር እዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ዝቀረበሎም ለበዋታት መሠረት ብምግባር ሎሚ ኣብ ሃገረ በኒን ንጳጳሳት ኣፍሪቃ ዘረከብዎ ቃለ ምዕዳን ኣዊጆም፣
እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ክልተ ክፍልታት አለዎ፣ ቀዳማይ ክፍሊ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ስብከተ ወንጌል ብምምእካል። ኣፍሪቃ ንዕላማ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ እትህቦ መምርሒታት ይምርምር፣
ካልኣይ ክፍሊ ቤተ ክርስትያን እትህቦ ኣገልግሎት ብኅልፊ ኣብ መዳይ ቤት ትምህርቲ ሓለዋ ጥዕናን መራኸቢ ብዙኃንን ብዝምልከት ይዝርዝር፣ እዚ ክፍሊ’ዚ ሽሕኳ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ግድላት እንተሎ ንዘሎ ናይ ሥነ-ምርምር ባህልን ሃይማኖትን ሃምታም ውርሻ ብምእታው ምሉእ ተስፋ ከምዘሎ ይገልጽ።። ቅዱስነቶም ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብቲ ኣልሚስዋ ዘሎ ግድላት ነጻ ብምዃን ዝሕግዝ ኃይሊ ካብ ውሽጣ ብምርካብ ሕይወታን ታሪኻን ንምምሕያሽ ክትብገስ ብዝበለጸ ንክርስቶስ ክትቀበል የተባብዑ።።
እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ምስቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኣወጁ ቃለ ምዕዳናት ዝተተሓሓዘ እዩ፣
ብ1995 ብብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንቀዳማይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣፍሪቃ ስዒቡ ዝተኣወጀ ኤክለስያ ኢን ኣፍሪካ “ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህበ ቃል ምዕዳን። ንቤተ ክርስትያን ከም ሥድራ ቤት እግዚአብሔር ዝገለጸ ቃለ ምዕዳን ሓደ እንክኸውን
ብ2010 ብዛዕባ ቃለ እግዚአብሔር ዝተገብረ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ስዒቡ ዝወጸ “ቨርቡም ዶሚኒ” ቃል ጐይታ እትብል ብር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝተዋህበት ቃለ ምዕዳን ንናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ወፈራ ዘበገሰት
ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብዛዕባ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዝግበር ሲኖዶስ ከም መምርሒ ዝተዋህበ ሊንያመንታ ዝተዋጸኤ ትሕዝቶ ከምዘለዎ ተመልኪቱ።።
ቀዳማይ ክፍሊ። ንተልእኮ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ኣንፈት ዝህቡ መዋቅር
ቅዱስነቶም “ኣፍሪቃ ነቲ ንጸላኢ ከይተረፈ ከተፍቅር ዝሓትት ናይ ፍቅሪ ብጻይ ኣዋጅ ዝሓዘ ድምጺ ክርስቶስ ክትሰምዕ አለዋ” (13) እንክብሉ። እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ንሰላም ናይ ግድን ንዝኾኑ ዕርቂ ምስ እግዚአብሔርን ዕርቂ ምስ ብጻይን ክግበር ይዕድም፣ በዚ ኸስ ንውኅደት ሥድራ ቤታት መሠረታዊ ዝኾነ ንጽሕና ኅልና። ማለት ምሕረት ምቅባልን ምሕረት ምሃብን አድላዩ እዩ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ዓመጽ መታን ከይድገም ነቶም ዝበደሉ ሃሰስ ቢልካ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፈጸሞ ዓመጽ ከምዝቆሙን ከምዝእረሙን ምግባር የድሊ፣
ኣብዚ ቅዱስነቶም ዘሥምሩሉ ጉዳይ አሎ። ሽሕ’ኳ ፍትሓዊ ማኅበራዊ ናብራ ምስራዕ ግደ ዓውዲ ፖሎቲካ እንተኾነ ቤተ ክርስትያን እውን ኅልና ሰብኡትን ኣንስትን ብምዅስኳስ። ነቲ ክንዮ ዝተሓተ ፍትሒ ብምስጋር ርእስኻ በጃ ኣኅዋትካ ክሳብ ምስዋእ ዘብጽሕ ኣብ ፍቅሪ ዝተምሥረተ ሰማያዊ ፍትሒ ብምምሃር ከተበርክት ትሕዝቲ እያ፣ ብናይ ክርስቶስ ፍትሒ ምንባርከስ ከምቲ ለበዋ ዝብሎ በመሠረት ወንጌላውያን ምኽርታት መነባብሮን ምትሕብባርን ፍቅርን እናሓሎኻ “ነቲ ቅቡል ዘይኮነን ኢሞራላውን ብስም መላእ ህዝቢ ዝግበር ምግባት ሃብቲ መወዳእታ ምግባር” (24) ማለት እዩ።። ስለዚኸስ “ንድኻን ንዝጠመየን ንዝሓመመን ንእሱርን ንስደተኛን ጽግዕተኛን ዝተፈናቀለን ፍሉይ ቆላሕታ ክግበር አለዎ”(27)፣ ቤተ ክርስትያን ነቲ “ናይቶም ንጹሓት ስደተኛታት ወይ እውን ናይቶም ገዛእቶም ንውልቃዊ ረብሓ ክብሉ ንዘሎን ዝመጽእን ከም ትሕጃ ዝገበቱሎም ህዝቢ ስቅታዊ ገዓር”(30) ድምጺ ብምዃን ሓዳስ ኣፍሪቃ ንምቋም እጃማ ተበርክት፣
ነዚ ኩሉ ኣብ ግብሪ ንምርኣይ ቤተ ክርስትያን ክትሰርሓሎም እትኽእል ዓውድታት ኣየኖት እዮም? ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ልዕሊ ኩሉ ዘመልክቶ ትምህርቲ ክርስቶስ ክጽናዕ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ግላውን ሥድራ ቤታውን ማኅበራውን ናብራ ክንበር ዘለዎ ምዃኑ። ነናይ ቦታኡ ባህላዊ ሥርዓታት ብኅልፊ ንዕርቂ ዝርኢ ኣድቂቅካ ክጽናዕ። እዚ ከአ ንስብከተ ወንጌልን ንወንጌል ኣብ ባህሊ ኣፍሪቃ ንምስራጽን ዝሕግዝ ወይ ዝዕንቅፍ ምዃኑ ንምግንዛብ ኢዩ። በዚ ከኣ ንቀቢላውነትን ዓሌትነትን ወገንነትን ዝቋወም ሓዲስ ሕውነት ከነደንፍዕ ንኽእል፣
ቅዱስነቶም ፍሉይ ምክልኻልን ምእላይን ዘድልዮም ብማለት ነዘን ዚስዕባ ነጥብታት ይዝርዝሩ።
ሥድራቤት። ሎሚ ንመርዓ ዝርኢ ጥሙዙዝ ኣተሓሳስባ ገኒኑ ንኣደነት ዋጋ ዝኸልእ ንፅንሲ ምውራድ ከምንቡር ዝወስድ ንፍትሕ ከም ቀሊል ፍታሕ ዝቈጽር ንኣይ ይጥዓመኒ ዝመለለዪኡ ተዛማዲ ሞራል ከም ዓቢ ግድል ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማኅበረሰብ ሰላምን ውኅደትን ኣምጺኣ ንክትክእል ሥድራቤታዊት ክትከውን ኣለዋ።። ልዕሊ ኩሉ እቲ ኣፍሪቃ ንሽማገለታት እተርእዮ ክብርን እትህቦ ግምትን ንምዕራባዊ ዓለም ከም ኣብነት ናይ ኅብረተሰብ ርግኣትን ሥርዓትን ክኸውን ይኽእል፣
ደቂ ኣንስትዮ። ኣብ ኅብረተሰብን ቤተ ክርስትያን መተካእታ ኣልቦ አበርክቶ አለወን፣ ተጻይ ደቂ ኣንስትዮ ንዝግበር ዓመጽ ኩሎም ክርስትያን ክቃለስዎ ከወግዝዎን ክኹንንዎን አለዎም።።
ሕፃናት። ውህበት ኣምላኽን ኮይኖም ምንጪ ተስፋን ተሓድሶን። ዝኾኑ ሕጻናት ወትሩ ክትጻወሮም ናይ ዘይትኽእል ኣነውርቲ ተግባርት ግዳይ ከም ሕፃናት ወተሃደራት እሱራት ናይ ሥራሕ ባራዩ ንርእሶም ክኸላኸሉ በዝይምኽኣሎ ክዕመጹ ግሊኦም ክኣ ብጠንቆልቲ ከም ፍሉያት ፍጥረት ተወሲዶም ብዙሕ ኣደራዕ ዝስከሙ ከም ኣልቢኒ ዝአመሰሉ ፍሉይ ሕብሪ ዘለዎም ከም በራዩ ናይ ጾታዊ ስምዒት መርወይቲ ዝሽየጡ ኮይኖም ይርከቡ፣
ሕይወት። ቤተ ክርስትያን ንምውራድ ፅንሲ ንዕፀ ፋርስ (ሓሺሽ) ንስኽራን ትቃወም። ነቶም ቀተለቲ ዝኾኑ ከም ዓሶ ዓባይ ሰዓል አይድስ ዝአመሰሉ ሕማማት ንምጥፋእ ኣብ ቀዳማይ መስመር ኮይና ትቃለስ። ብሕልፊ ንአይድስ ዘድሊ መድኃኒት ንክርከብ ትጽዕር ኮይኑ ግን ነቲ ቀንዲ ጠንቁ ዝኾኑ ሞራላዊ መልሲ ብምሃብ ብስም ኣብ ሕጊ ተፈጥሮ ዝተመሥረተ ሰብእዊ ሕግን ቃለ እግዚአብሔርን ካብ ጾታዊ ርክብ ምቍጣብን ኣብ ኪዳንካ ጸኒዕካ ምንባርን ከም ቀንዲ መከላኸሊ ትምህር፣ ነቲ ማዕረ ሓለንጊ ማኅበራዊ ሞት ኮይኑ ዝረአ መሃይምነት ምጥፋእን ንመቅጻዕቲ ሞት ካብ ሕግታት ምድማሳስን እውን ግድነት እዩ፣
እዚ ቃለ ምዕዳን እዚ ካልእ ዘሥምረሉ ጉዳይ እውን አሎ። ኣፍሪቃ ብቅዋምን ነጻ ምርጫን ነጻ ቤት ፍርዲ ካብ ብልሽውና ነጻን ግሉጽን ዝኾነ አመሓድራን ዝግለጽ ጥዑያትን ቅኑዓትን መንግሥታት የድልይዋ፣ ካልእ ዋና ነገር ከአ ንሃብቲ ተፈጥሮ ምናዳ ንጥረ ነገራት ብስም ሓባራዊ ጥቅሚ ምምዝማዝ ነቲ ናይ ሓባር ሃብቲ ዝኾነ ማይ መሬት ምሕላው ከምዘድሊ ጸገም ስደት ንምቅዋም “ከም ናይ ሕውነት መግለጺ ንዝኾኑ ብነጻ ናይ ምውፋይ ዕላማን ናይ ጸጋ መንፈስን”(86) ዘጠቃልል ዓለም ለኸ ምትሕግጋዝ ግሎባል ሶሊዳሪት የድሊ።።
ከም መደምደምታ ናይዚ ቀዳማይ ክፍልን ከም ቀንድን ዘቅረብዎ ነጥቢ ጉዳይ ዘተ እዩ፣
ኢኩመኒካዊ ዘተ። እዚ ዘተ እዚ ዘድልየሉ ቀንዲ ምኽንያት ዝተመቃቀለ ክርስትና ዕንቅፋት ስለዝኸውን እዩ፣ እዚ ዕድመ እዚ ሓደስቲ ኢኩመኒካውያን ማኅበራት ብምቋም ብኃባር ግብረ ሠናይ ብምዝውታርን ኣብ ቅድሚ እቲ እንኣስፋሕፋሓ ዝኸዳ ዘለዋ ኣፍሪቃውያን ኣብያተ ክርስትያንን ንገለ ፖሎቲካውያንን ይኹን ንገለ ምእመናን ቊምስናታት ሃንቀው ዘብሉ ዝተፈላለያ ክርስትያናውያን ምንቅስቃሳትን ጉጅለታትን ቀጥ ቢለን ዘለወን ሃይማኖታዊ ውርሻ ንምዕቃብ እዩ፣
ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ። እዚ ብሓደ ወገን ምስተን ባህላውያን ሃይማኖታት ኣፍሪቃ ብምዝታይ ነቲ ምስ ወንጌል ዝሰማማዕ እናተቀበልካ ከም ጥንቀላ ንዝአመሰለ እናነጽግካ እንክግበር በቲ ካልእ ወገን ከአ ምስ ኣስላም ዝግበር ዘተ እዩ፣ እዚ ምስ ኣስላም ዝግበር ዘተ ኣብ ገገሊኡ ክፍልታት ኣፍርቃ ከጸግም ይኽእል፣ ቅዱስነቶም ግን ብአኽብሮትን ተጻዋርነትን ክግበር ምኽንያቱ ንሶም እውን ከም ክርስትያን ብሓደ ኣምላኽ ስለዝአምኑ እዚ ዘተ እዚ ነጻነት ሃይማኖትን ነጻነት ኅልናን ብምኽባር ክኸውን ከምዘለዎ አስሚሮምሉ።።
All the contents on this site are copyrighted ©.