2011-11-19 17:15:23

ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በኒን ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም አብ በኒን ትማሊ ሐዋርያዊ ዑደት የካይዱ ከም ዘለዉ ይዝከር ።

በነዲክቶስ መበል 16 እዚ ትማሊ አብ በኒን ዝጀመርዎ ሐዋርያዊ ዑደት መበል 22 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ክዝከር ከሎ፡ አፍሪቃ ክበጽሑ እዚ ካልአይ ግዚኦም ከም ዝኾነ ይፍለጥ ። ቅድሚሎሚ አብ ካመሩን አንጎላ ሐውርያዊ ዑደታት አካይዶም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲካርዲናል በርናርደን ጋንተን አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ብናይ በኒን ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበር ብብጹዕ አንቶኒ ጋንየ ዝምርሑ ናይ ቤተክርስትያን ሰበ ስልጣናት መርሕ መንግስቲ በኒን ፕረሲደንት ቶማስ ያዪ ቦኚ ናይ ዲፕሎማስያውያን ድሙቅ አቀባብላ ጌሮምሎም።

ናይ ቫቲካንን በኒንን ሀገራውያን መዝሙራት ምስተሰምዑ ናይ በኒን መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ቶማስ ያዪ ቦኒ ናይ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ከም ዝገበሩ ክምልከት ከሎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንዝተገብረሎም ድሙቅ አቀባብላ አመስጊኖም አብ በኒን ሐዋርያዊ ዑደት ክገብሩ ጥልቃዊ ሐጎስ ከም ዝስምዖም ገሊጾም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም አብ በኒን ንሳልስቲ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ትሕዝቶ ፡ ናይቲ ብ2009 ቤተ ክርስትያን አፍሪቃ ንአገልግሎት ሰላም ዕርቅን ፍትሕን ብዝብል መሪሕ ቃል አብ ቫቲካን ዝተኻየደ ካልአይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ውጽኢት ማለት ሐዋርያውዊ ቃለ ምእዳን ንጳጳሳት አፍሪቃ ከረክቡ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ አብዚ ሒዝናቶ ዘለና ዓመት አብ በኒን ቅዱስ ወንጌል አሀዱ ኢሉ ዝተሰብከሉ መበል 150 ዓመት ከምኡ ክአ ቅድስቲ መንበርን በኒንን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 40 ዓመት ተጋጢሙ አብ በኒን ሐዋርያዊ ዕደት ከካይድ ምምጽኤይ ዝስመዓኒ ሐጎስ ክገልጽ ይፈቱ ኢሎም ። ቀዳማይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ብ1994 አብ ቫቲካን ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኢዩ።

ቀጺሎም ነቶም ብ2008 ካብዚ ዓለም”ዚ ዝተፈልዩ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ካርዲናላት ጉባኤ ሊቀመንበር ዝነብሩ አብ ዝተፋላለዩ ተቅዋማት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክብ ዝበለ ሐዋርያዊ አገልግሎት ዘበርከቱ ብጹዕ ካርዲናል በርናርደን ጋንተን ብቀረባ ይፈልጥዎም ከም ዝነበሩን ብሐባር ከም ዝሰርሑን መሐዝኦም ከም ዝኾኙን ዘኪሮም መቃብሮም ክበጽሑን ክጽልዩን ዝነበሮም ሀረርታ ክዉን ብምካኑ እግዚአብሔር ዝተመስገነ ይኹን ኢሎም።

ብጹዕ ካዲናል በርናርደን ጋንተን ዜጋ በኒን አብ ተቅዋማት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንሀገሮምን ንአፍሪቃን ጽቡቅ ስም ዘትረፉ መንፈሳዊ አቦ ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዛዕባታ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ በኒን ክገልጹ ከለዉ ፡ በኒን ብውሽጥን ብወጻእን ሰላም ዘለዋ ሀገር ዝሰርሑ ዲሞክራስያዊ ተቅውማት ዘለዋ አባላት ዝተፍላለዩ እምነታት ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ካብ ህውከትን ግጭትን ዘይርአያ ሰላማዊት አፍሪቃዊት ሀገር ከም ዝኾነት አገንዚቦም።



ክርስትና አብ ጭቡቅ ኩነታት አፍሪቃ ክምስረት ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ አመልኪቶም ነዚ ክዉን ንምግባር ውህደት ዝተፈላለዩ ባህልታት አፍሪቃ ከም ዘድሊ አመልኪቶም።

አብ ነዊሕ ዘይኮነ ግዜ ዕቅብና ክርስትና አብ አፍሪቃ ዝበለጸ ቦታ ከም ዝህልዎ አመኢቶም ፡ መራሕቲ ሀራት አፍሪቃ ንዓይ ይጥዓመኒ ካብ ዝብል አምር ክገትኡ አተሐሳሲቦም።

አፍሪቃ ዓበይቲ ሽግራት ከም ዘለዋ ዘይክሐድ ምዃኑ ጠቂሶም አብ አፍሪቃ ተስፋን ሰብአውነትን ከም ዘሎ ብሩህ መጻኢ ግዜን ከም ዘሎ ገሊጾም።

እቲ ንአፍሪቃውያን ጳጳሳት ዘረክብዎ ሰነደ ሐዋርያዊ ምእዳን ድኅረ ሲኖዶስ ንተስፋ አፍሪቃ ዘበራትዕ ከም ዝኸውን ክአ አገንዚቦም።

ብሐፈሻ ህዝቢ በኒን ብፍላይ ካቶሊካውያን በኒን ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በኒን አዝዩ ከም ዘሐጎሶምን ሐጎሶም ይገልጹ ከም ዘለዉን ክምልክት ከሎ ፡ ናይ ርእሰ ከተማ በኒን ሊቀ ጳጳስን ናይ ረኪበ ጳጳሳት



ሊቀ መንበርን ብጹዕ አቡነ አንቶኒ ጋንየ ከም ዝገለጽዎ ፡ ሐዋርያዊ ዑደት በነዲቶስ መበል 16 አብ በኒን ንህዝቢ በኒን ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ቡራኼ ምሕረትን እግዚአብሔርን ኢዩ ብማለት ዝተሰምዖም ሐጎስ ከም ዝገለጹ ተነጊሩ።

አተሐሒዞም ቅድሚ 150 ዓመታት ቃለ እግዚአብሔር ዝተበሰረሉ ዝክረ ዓመት ነክብረሉ ግዜ ስለዝኾነ ድርብ ሐጎስ ከም ዝስምዖም ዘመልከቱ ሊቀ ጳጳስ ኮቶኑን ሊቀ መንበር ረኪበ ጳጳሳትን ብፁዕ አቡነ አንቶኒ ጋንየ እዚ ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ”ዚ ሃይማኖትና ነረጋግጸሉ ግዜ ኢዩ ከም ዝበሉ ክአ ተገሊጹ ።

በዚ ካብ መዲና ኮቶኑ ብጋዜጠኛታት ራድዮ ቫቲካን ዝተላእከ ዜና መሠረት ፡

ልዕሊ ኹሉ ክአ ኢሎም ብጹዕ አቡነ አንቶኒ ጋንየ እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሎሚ ንጳጳሳት አፍሪቃ ዘረከብዎ “ l’Esortazione apostolica post-sinodale ሰነደ-ምእዳን ድኅረ ሲኖዶስ ትሕዝቶን መልእኽትን አብ አፍሪቃ አዎንታዊ ተጽዕኖ ከሕድር ዓቢ ተስፋ ከም ዘለዎም አገንዚቦ።

እቲ ሰነደ -ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ አብ ዕርቅን ሰላምን ፍትሕን ዘተኮረ ከም ዝኾነ ዘኪሮም ክአ አብ ክፍለ ዓለምና አፍሪቃ ዕርቂ ሰላምን ፍትሕን ከም ዘድሊ ቤተ ክርስትያን አፍሪቃ ምእቲ”ዚ ከም ትጽዕት ሐበሬታ ከም ዝሀቡ ይምልከት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እቲ አብ በኒን ዝጀመርዎ ሐዋርያዊ ዑደት ብምቅጻል ትማሊ አጋ ምሸት አብቲ አብ ኮቶኑ ዝርከብ ካተድራል ኪዳነ ምሕረት ናይ ጽሎተ ምስጋና ከም ዘዕረጉ ክዝከር ከሎ ፡

ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ አብ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ ምስ ሰበ ሥልጣናት መንግስቲ ምስ አምባሳደራት ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲን ተራኺቦም ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ዝገብርዎ ዲስኩር ፡ አፍሪቃ ተስፋ ዘለዋ ክፍለ ዓለም ኢያ እዚ ክብል ከለኹ ስቅ ኢለ ንምዝራብ ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ዘይኮነስ ፡ እምነተይን እምነት ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነ ከገንዝብ ይፈቱ ኢሎም።

ብ2007 አብ ዝጽሐፍክዎ ክርስትያናዊ ተስፋ ዝአመተ Spe salvi ብተስፋ ድሒና ዝተሰየመ ሐዋርያዊ መልእኽቲ” ክልተ ርእሰ ጉዳያት ማሕበራዊ ፓሊቲውካን ኤኮኖምያውን ዘተ ፡ አብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ዚካየድ ዘተ ንዓለምና አድላዪ ምዃኑ ዝአመተ ከም ዝነበረን እዚ አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ክዉን ምእንቲ ክኸውን ብዘይምስላክ ብተስፋ ምስራሕ ከም ዘድሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አገንዚቦም።

እዚ ብሰላማዊ መንገዲ ምእንቲ ክሰላሰል ሰላም ነፃነት ቅሳነት ከም ዘድሊ ክአ አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ አዳራሽ ቤተ ምንግስቲ በኒን ንሰበ ስልጣናት መንግስቲ አምባሳደራትን ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መራሕትን ዝገበርዎ ዲስኩር ብምቅጻል ፡ናይ አፍሪቃን ናይ መላእ ዓለምን ሰበ ሥልጣናት ፖሊቲካን ኤኮኖምን ነአህዛብኩም ተስፋ አትኽልእዎም መጻኢ ዕድሎም አየተጸልምትዎ ትአምኑ እንተኸንኩም ንእግዚኣአብሔር ፍልጠት ክህበኩም ጸልዩ ኢሎም።

ቤተ ክርስትያን ተክኒካዊ ፍታሕ አይተቅርብን ኢያ ፖሊቲካዊ ፍታሕ ክርከብ አለዎ ብማለት አይትማጐትን ኢያ ግን ተበረታትዕን ወዲ ሰብ አድማሳዊ ፍልጠቱ ከስፍሕ ትሐትትን ድአምበር ኢሎም በነዲክቶስ መበል 16 ።

ካብ ኮቶኑ ዝመጹ ዜናታት ከም ዘመለክትዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በንዲክቶስ ምስ ናይ በኒን መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ቶማስ ያዪ ቦኚ ተራኺቦም ብብሕቲ ተዘራሪቦም ።

ምስ ረፈደ ክአ ናብታ ካብ ርእሰ ከተማ ኮቶኑ 43 ኪሎሜትር ርሒቃ ትርከብ ጥንታዊት ከተማ ዊዳህ ተጓዒዞም ። ዊዳህ ካብ ጐረባብቲ ሀገራት ቶግ ኒጀር አይቨሪኮስት ማእከላይ አፍሪቃን ረፓብሊክ ኮንጎን ንክነት ዝስናደዉ ተመሀርቲ ዘርአ ክህነት ተሰናዱ ከተማ ኢያ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከተማ ዊዳሕ ምስ አተዉ ብቀጥታ ናብቲ መቃብር ብጹዕ ካርዲናል በርናርደን ጋንተን ዝርከበሉ ቅዱስ ጋል ዘ ዊዳህ ተጓዒዞም አብቲ መቃብር ነፍሰሄር ጋንተን ሥርዓተ ጸሎት አዕሪጎም።

ብድሕሪኡ ክአ አብ ዘርአ ክህነት ዊዳህ ምስ ካህናት መነኵስያት መነኮሳን ምስ ምእመናን ተራኺቦም ።

ብድሕሪ”ዚ ጸሎት አዕሪጎምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ፍርቂ መዓልትን ርብዕን ናብ ባሲሊካ ዊዳህ ተጓዒዞም አውራ ርእሰ ጉዳይ ሐውርያዊ ዑደቶም ዝኾነ ሐዋርያዊ ሰነደ ምእዳን ድኅረ ሲኖዶስ ፈሪሞም።

ብድሕሪኡ ንቤተ ጵጵስና ሕዋርያዊ ወኪል ቫቲካን አብ በኒን ተሚሊሶም ሥርዓተ ምሳሕ ተሳቲፎም።

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሐሙሽተ አብቲ አብ ኮቶኑ ዝርከብ ማሕበር ሚስዮናውያን ደቂ ፍቅሪ በጺሖም ምስ ደናግል ተራኺቦም ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦምን መቁጸርያ ደጊሞምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ተፋንዮም ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ሪታ ዘ ኮቶኑ ተጓዒዝም ምስ ሕጻናት ተራኺቦም ሰዓት ሹዱሽተን )ስራን ንቤተ ጵጵስና ሐዋርያዊ ወኪል ተሚልሶም ምስ ኩሎም ጳጳሳት በኒን ተራኺቦም።

በዚ ክአ ውዕሎ ዕለት 19 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በኒን ከም ዝተዛዘመ ወኪላት ማዕከናት ዜና ራድዮ ቫቲካን አብ በኒን አፍሊጦም።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.