2011-11-15 16:58:33

አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ዑደት ርሊጳ በነዲክቶስ በኒን ፣


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን መወዳእታ ንክፍለ ዓለም አፍሪቃ ንበኒን ከም ዝጓዓዙን አብ ርእሰ ከተማ ኮቶኑ ምስ ናይ አፍሪቃ ካቶሊካውያን ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበራት ከም ዝራኸቡ ክዝከር ከሎ ፡ ካልአይ አፍሪቃዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ድህረ ሲኖዶስ ሐዋርያዊ ሰነደ ምዕዳን ፈሪሞም ከም ዘረክቡን ይፍለጥ ።

በነዲክቶስ መበል 16 አብ ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ እዚ አብ በኒን ዘካይድዎ ናይ መጀመርያ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ከሎ ብ2009 አብ ካመሩንን አንጎላን ሐውርያዊ ዑደት አካይዶም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

እዚ በነዲቶስ መበል 16 አብ በኒን ዘካይድዎ መበል 22 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደትከም ዝኾነ ይፍለት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈድሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ አብ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ማኅተም ንናይ ቫቲካንን ወጻእን ጋዜጠኛታት ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ በኒን ዘተኮረ መብርሂ ሂቦም።

አባ ፈድሪኮ ሎምባርዲ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር ንጋዜጠኛታት መግለጽን መብርሂን አብ ዝሀብሉ ግዜ ፡ ከም ዘመልከትዎ አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ ትርከብ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነበራ በኒን ብመልክዓ መሬት አቀማምጣ ንእሽቶ ኮይና ነገር ግን ንቤተ ክርስትያን ብመንፈሳዊ ዓይኒ ክርኤ እንከሎ ዓባይ ኢያ ።

አተሐሒዞም ቅድሚ ሐደ ክፍለ ዘመንን ፈረቃን አብ በኒን ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝተጀመረን ቀስ ኢሉ ንጐረባብቲ ሀገራት ንቶጎ ጋናን ኒጀርን ከም ዝተሰፋሕፍሔን አረዲኦም።

አብዚ ግዜ”ዚ ቀዳሞት ሚስዮናውያን ልዑካነ ወንጌል አብ በኒንን አከባብን ዝእተውሉ ግዜ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ቅዱስ ወንጌል አፍሪቃዊ ባህሊ ዝለበሰሉ ክሊ ከም ዝኾነ ገሊጾም።

እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካብ 18 ክሳዕ 20 ሕዳር አብ በኒን ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ቅድስቲ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብሐፈሻ ንአህጉር አፍሪቃ ብፍላይ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አፍሪቃ ዘበረታትዕን ሐይሊ ዝህብን ከም ዝኾነ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አገንዚቦም።

ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ መበል 16 አብ በኒን አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ዕርቅን ሰላምን ፍትሕን ምእንቲ ክነግስ ዘበራትዕ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ንጋዜጠኛታት መብርሂ አብ ዝሀብሉ ግዜ አስሚሮምሉ።

እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ አውራ ሐዋርያዊ ዑደት በነዲክቶስ በኒን ሐዋርያዊ ሰነደ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ንብጹዓን ጳጳሳት አፍሪቃ ከረክቡ ከም ዝኾነ ክዝከር ከም ዝግባእ አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ በኒን አብ ዝጸንሕሉ ግዜ መቃብር ብጹዕ ካርዲናል በርናርደን ጋንተን ከም ዝበጽሑ ክአ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አገንዚቦም።

ብ2008 ካብዚ ዓለም”ዚ ብሞት ዝተፈልዩ ብጹዕ ካርዲናል በርናርደን ጋንቲን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ሊቅመንበር ኮይኖም ንነውሕ ግዜ ዘገልገሉ ፍሉጥ አፍሪቃዊ ካርዲናልን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጽቡቅ ፍልጠት ዝነበሮም ካርዲናል ከም ዝኾኑ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አረዲኦም።

መንግስቲ በኒን በቲ ብጹዕ ካርዲናል በርናርደን ጋንቲን ንሀገሮምን ንአፍሪቃን ዝሀብዎ ጽቡቅ ስም ናይ ዋና ከተማ ኮቶኑ ስብስሞም ክጽዋዕ ከም ዝወሰነ ይፍለጥ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በኒን ብርክት ዝበሉ አገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ዘፍረየት ብርቱዓት መንፈሳውያን አበው ዘፍረየት ከም ዝኾነ ናይ በኒን ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበር ዝነበሩ ብጹዕ አቡነ ኢሲዶሮ ደ ሶዛ ሕደ ካብአቶም ከም ዝኾኑ እዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.