2011-11-15 14:46:59

ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉባኤ


ካብ ዕለት 14 ሕዳር ክሳብ ዕለት 16 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ባልቲሞራ RealAudioMP3 ይካየድ ከምዘሎ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ፣ ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቲሞትይ ዶላን ከም ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ንፈለማ ጊዜ ዝመርሕዎ ክኸውን እንከሎ፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ፍጻሜታትን ገምጋም ዝወስድን ናይ መጻኢ መደባት ዝሕንጽን ብድሆታት ብጥልቂ ዝምልከት ኮይኑ፣ ናይ ዝመጽእ ዓመት መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕንጽጽ ከምዝኾነ እንክምልከት፣ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማሪያ ቪጋኖ ይሳተፉ ከምዘለዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልጎት ሓቢሩ።
ብናይ ካቶሊክ ናይ ማኅበራዊ ዓንቀጸ ሃይማኖት ትምህርቲ መሠረት ዝተፈላለዩ ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝፍጸሙ መደብ ሕንጸትን መደብ ደገፍን ክንክን ጥዕናን ብምምልካትን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ሓንቲ ቤተ ክርስትያንን ሓደ ተልእኾንን ብዝብል መደብ ዝምራሕ ኣብ ኩለን ቁምስናታት ዝወሃብ ምጽዋት ምሕደራ ዝብል ዛዕባ ኣማእኪሉ እውን ክዝትይ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓመታዊ በዓል እናቴ ብፅዕት ማሪያነ ኮፐን ከምኡ ኣውን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እተብዕለሉ ዕለት ክፈልይን ብዛዕባ ምሥጢረ ተኽሊልን ዓለማውያን ምእመናንን ሥድራ ቤትን ናይ ሕይወት ባህልን ከምኡ እውን ኣንግሊካኖሩም ኮኤቲቡስ- ጉጅለ ኣንግሊካውያን ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ እቶም ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝምለሱን ምሉእ ውህደት ንኽግበሩ ዝሓቱ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ዝምርሕሉ ዕለት 4 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ዝመሓላለፍዎ ውሳኔን መሠረት ክዝትዩ ከምዝኾኑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እምነት ብጥልቂ ምርዳእን ተስፋ ምትብባዕን ሕይወት ምብዓልን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እትምርሓሉ ሓባራዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ምርጫ ዋና ጸሓፊ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን፣ ናይ ዝተፈላለያ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ድርገታት ሊቃነ መናብርቲ እውን ክፍጸም ምዃኒ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.