2011-11-15 14:42:11

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሓላዊት ኡራጓይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ትረንታትረ


ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሰላሳ ወሰለስቱ ናይ ኡራጓይ ሓላዊት ቅድስቲ ቢሎም ዝኣወጅሉን ሥርዓተ ንግሥነታ ዝፈጸሙሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ RealAudioMP3 ክታም ዝተነብረሉ ኣብ ኡራጓይ ናብ እትሪከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ምእመናንን ኣብ መንጎ ሕዝቢ ኡራጓይን እኖ እግዚኣብሔርን ዘሎ ምትእስሳር ዘስተንትን ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እኖ እግዚኣብሔር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ትረንታትረ ምሳኺ ነቲ ናይ ሕዝቢ ኡራጓይ ተስፋ ዘውዲ ክደፍእ ንምሕጸን ብዝብል መንፈሳዊ መርሕ ቃል መሠረት ኣብ ፍሎሪዳ ሓላዊት ቅድስቲ ኡራጓይ ቅድስቲ ድንግል ዘ ትረንታትረ፣ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ዝኣወጅሉን ሥርዓተ ንግሥነታ ዝፈጸሙሉ ዝኽሪ መበል 50 ከምዝበዓለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ ኡራጓይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ መርሰደስ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ማሪያ ኮላዚ ኢራዛባል ኣብ ዘተሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ ር.ሊ.ጳ. ሕዝቢ ኡራጓይ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎ ውፉይነት ናይታ ሃገር ሕዝቢ ሓደ ቤተሰብ ምዃኑ ዝገልጽ መንፈሳውነት ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣ ምእመናን ኡራጕይ ኣብነት ናይታ ንግሥተ ሰማይ ተኸቲሉ ምእዙዝ ኣንጋዲ ወንጌል ኮይኑን ኣብ ጸሎት ብትግሃት ክነብር ምዕዳን የቕርቡ ቢሎም በዚ መንፈስ’ዚ ሕዝቢ ኡራጓይ ኣብ እምነቱ ጸኒዑን ቤተ ክርስትያን ኣብ ምፍቃር በርቲዑን ወትሩ ምስ ኩሉ ቅኑዕን ሕውነትን ምትሕልላይን ዝዓሰሎ ኅብረትሰብ ኣብ ምሕናፅ ዘብቅዖን፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውነተይና ሓዋርያን ልኡካነ ወንጌል ንኽኸውን ዘተባብዖ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ምዕዳን ከምዘቕረቡ እንክምልከት፣ በዛ ዓባይ በዓል ሓላዊት ኡራጓይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ትረንታትረ ምኽንያት ብፁዕ ኣቡነ ኮላዚ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ናይ ኡራጓይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣደ ኣምላኽ ናይ ሕዝቢ ኡራጓይ ተስፋ ደገፍን ንናይ ክብሪ ሰብ ውሕስነትን ሓቅን ሓልዮ ሥድራ ቤትን ሕንጸትን ኢያ ከምዝበሉ ካብ ኡራጓይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.