2011-11-12 14:12:51

ግብጺ


ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ሸኑዳ ሳልሳይ ብምኽንያት እቲ ዕለት 28 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ እቶም RealAudioMP3 ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ናይ መላእ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ምእመናን ብሓላፍነት ክዋስኡን፣ ከይፈርሑ እውን ሃይማኖት ብዘየገድስ ነቶም ንናይ መላእ ግብጺ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ዝሓስቡ ከድምጹን ኣተሓሳሲቦም። እቲ ድኅረ ሙባረክ ንፍለማ ግዜ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ንናይ ግብጺ ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ምእመናን ዝተፈላለዩ ምስንዳዋትን ምንቅስቃሳትን ከሳልጡ ክምዝደረኸን በዚ መገዲ’ዚ ድማ ናይታ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ዋላ’ኳ ካብ ናይ ግብጺ ብዝሒ ሕዝቢ 10 ሚእታዊ ጥራሕ ዝሽፍኑ እውን እንተኾነ ብዝተፈላለየ እዋን ብዘጋጥሞም ሃይማኖታዊ ኣድልዎን ዓመጽን ስደትን ካብ ናይ ሃገሮም ፖሊቲካ መድረኽ ርሒቖም ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ ነዚ ፍርሒ እዚ ሰጊሮም ኣብ ፖለቲካ ንጡፋት ኮይኖም ክዋስኡ ሓደራ ከምዘበሉ እውን ይንገር።
ናይ ግብጺ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ዋና ጸሓፊ ካሚል ሰዲቕ ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ክተግሁን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርኣየ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ማኅበረ ክርስትያን ግብጺ ኣብ ናይ ሃገሮም ጉዳይ ንቑሓት ተዋሰእቱ ክኾኑ ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.