2011-11-11 09:47:21

ትምህርተ ክርስቶስ ርሊጳ በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምቲ ወትሩ ዕለተ ሮቡዕ ዘዘውትርዎ ትማሊ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም።

ካብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ክፋል ንካህናት ዘተኮረ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ከሎ ፡ መዝሙረ ዳዊት 119 ጠቂሶም ሕገ እግዚአብሔር ከም ተአዛዚ ባርያ ዘይኮነስ ከም ሐደ ዝሰምዕ ውሉድ ክፍጸም አለዎ ኢሎም።

አተሐሒዞም ክአ ቃለ እግዚአብሔር ዝሰምዕን ንዕኡ ዝኽተልን ሕይወት ተስፋ ምጽንናዕ ከም ዝረክብ አገንዚቦም።

ሕገ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ካብ ኩሉ እኩይ ነገር ነፃ ዘውጽእ ከም ዝኾነ አመልኪቶም ካብ ኩሎም ፍጥረታት ነዚ ዝተረድኤት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላኽ ከም ዝኾነት አረዲኦም።

ክርስትያን አብ ቅድሚ ቃልን ሕግን እግዚአብሔር እንታይ ከገብሩ ከም ዝግባእ ክአ ከም ዝምሀረት አገንዚቦም።

መለኮታዊ ሕገ እግዚአብሔር ህያብ ምሕረት ከም ዝኾነን ሐጎስ ተስፋ ብርሃን ዝሐዘለ ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝሀብዎ ሮብዓዊ ተምህርተ ክርስቶስ አረዲኦም።

ቀጺሎም በነዲክቶስ መበል 16 አብ መዝሙረ ዳዊት ተመርኲሶም ከም ዘመለክትዎ ፡ ካህናት ብቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሪሖም ብክርስቶስ ምስ ክርስቶስ ንክርስቶስ ክነብሩ ከም ዝተጸውዑ አገንዚቦም።

ድንግልና ካህናት ሐይልን ጽባቄን መንግሥተ ሰማያት ንምርካብ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንጪ እንኮ ሐቂ ከም ዝኾነ አተሐሳሲቦም።

ክርስትያን ኩሎም አብ እግዚአብሔርን ቃለ እግዚአብሔርን አሚኖም ምስኡን አብኡን ብእኡን አብ ሐጎስ ቅሳነትን ሰላም ዘለዎ ሕይወት ክነብሩ ክአ ተማሕጺኖም።

አተሐሒዞም ዕለታዊ ጸሎትናን ሰናይ ሐሳብናን ብቃለ እግዚአብሔር ዝበርሄን ዝተሰነየን ምእንቲ ክኸውን ወትሩ ክንጽዕር ይግብአና ብማለት ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

በነዲክቶስ መበል 16 ንምእመናን ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ አብ ዘለዉ አልዮም ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስ ምእመናን ብሐባር መልልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ከም ዝደግሙ ይዝከር ።

ንምእመናን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላም ኢሎምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ክአ ተፋንዮሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.