2011-11-05 13:59:16

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ


ንናይ መላእ ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ፍሉይ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ሓፈሻዊ በመል 16 ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 27 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ። RealAudioMP3
እዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ሓድሽ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ሃገራት መላእ ኣመሪካ ናይ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኅልው ኩነትን ማኅበራዊ ጉዳይን ኣማእኪሉ ዝዘተየ ምዃኑ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ቤት ጽሕፈት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና እንከመልከት፣ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤቶሮቪች ኣቲ ጉባኤ ዝዘተየሎም ኣርእስታት ብመንጽር እቲ ካብ ዕለት 12 ሕዳር ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 1997 ዓ.ም. ርክብ ምስ ኅያው ክርስቶስ፣ ጉዕዞ ምልዋጥን ሱታፌን ምድግጋፍን ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ናይ ማልእ ኣመሪካ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ፍጻሜ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1999 ዓ.ም. ጥሪ 22 ቤተ ክርስትያን ኣብ መላእ ኣመሪካ ብዝብል ኣእርስቲ ብዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድኅረ ሲኖዶስ መሠረት ገይሮም ብምምልካትን ነዛ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ዘጀመርዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምዃኑ እንክንገር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣሲዚ ብሓልዮት እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዘተን ኣተኲይሮም እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን ማኅበረ ክርስትያንን እተካይዶ ናይ ሓባር ዘተ ከምኡ እውን ምስ ኣይሁድን ምስልምናን ዝተፈላለዩ ዘይክርስትያን ሃይማኖታትን እተካይዶ ናይ ሓባር ዘተ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘነጸረ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዘመሓላለፎ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 27 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ዝተኻየደ ንናይ መላእ ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ፍሉይ ቤት ምኽሪ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ሓፈሻዊ መበል 16 ጉባኤ፣ ኣብ መላእ ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን፣ ብዓይኒ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ማኅበራውን መሠረት እወታዊ ፍጻሜታት ዘተሓሳስቡ ምልክታት ከምእተዘርዘረን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ እቲ ገዛእ ርእሱ ዘይሃይማኖታዊ መንግሥቲ ቢሉ ዝገልጽ ኣብ ገለ ገለ እዋን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምስተን ካልኦት ሃይማኖታት ብምሥራዕ ሓቀይና ባህርይኣን ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ተልእኮ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ መዳይ ሰብኣዊውን መንፈሳውን ማኅበራውን ሕንጸትን ኣብ ሕንጸት መንነትን እቲ ዘየጠራጥርን ኣብ ሕቶ ዘይኣትው ዘይከሓድ ታሪኻዊ ተራኣ ግምትን ኣፍልጦን ብዘይ ምሃብ፣ ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ሃይማኖት ከም ናይ ፖለቲካ ኣገልግሎቶ መጋበርያ ብምሕሳብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣመሪካ መንግሥታት እደ እታውነት ዘርእየሉ ከምዝኾነ ከምእተነጸረ ዋና ጸሓፊ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።
ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኣዚዩ ዘተሓሳስቡ፣ ምስፋሕ ድኽነትን ዓመጽን፣ ንናይ ሰብኣዊ ሕይወት ማለት ንናይ ሕይወት ባህሊ ዝጻረር ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝብል ክብሪ ሕይወት ዝፈታተኑንን ዝጥሕሱን ዓይነት ኣነባብራን ኣመለኻኽታን ዝኣመሰሉ ብምጥቃስ ካብ ሰሜንን ክሳብ ደቡብ ኣመሪካ ዝሰፍሕ ዘሎ ተዛማዲ ባህልታት ንሱ ድማ ናይ ሕይወት ክብሪ ዝበሃል የሎን ምእማንን ዘይምእማንን ኩሉ ሓደ ኢዩ ዝብል ሃይማኖት ዝንጽል ባህልን ኣመለኻኽታን ዘስዕቦ ዘሎ ኣሉታዊ ልምድታትን ኣነባብራን ግብርታትን እቲ ኣብ ሃይቲ ዝተራእየ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ድኽነትን ሕማማትን እውን ጠቒሱ፣ ነቲ ብድኽነትን ብዝተፈላለዩ ሕማማትን ኣዚዩ ዝጥቃዕ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ፣ ናይ መንግሥታትን ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ቆላሕታ ክይንፈጎ እቲ ጉባኤ ሲኖዶስ እውን ከምዘተሓሳሰበ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ የመልክት።
ኣብ መላእ ኣመሪካ ዝርኤ ተርእዮ ጸኣት ንተልእኾ ሓድስን ዳግማይን ኣፍሆተ ወንጌል ዓቢይ ብድሆ ከምዝኾነን፣ ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስትያን ብመደብ ማኅበራውን ሰብኣውን መንፈሳውን ኣቢላ ንስደተይናታት እተቕርቦን ኣብ ኅብረተሰብ ምንጽጻል ከይህሉ ኣብ መንጎ ስደተይናታትን ስደተይና ዝተኣንገደሉ ሃገር ምልላይ ክህሉንን ማኅበራዊ ሰላም ክረጋገጽ ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ባህላውን መንፈሳውን ደገፍ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ጠቒሱ፣ ኣብ መዳይ ቤተ ክርስትያን፣ ኣብ መላእ ኣመሪካ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ እውን እንተኾነ ብሓፈሻኡ ጸዋዕታ ክህነትን ጸዋዕታ ውፉያት ንሓዋርያዊ ሕይወት ክብ እናበለ ከምዝኸደን፣ ጸዋዕታ ደናግል ብዝተሓተ ደረጃ ክብ ዝበለ ምዃኑን፣ ሓድሽ ወለዶ መላእ ኣመሪካ እምነት ንምቕባል ዘርእዮ ቅሩብነት መሠረት ድማ ጽኑዕ ሰብኣውን ክርስትያናውን ሕንጸት ዘድልዮ ምዃኑ ዝሕብር ብምዃኑ፣ ብዅሉ መዳይ ብቑዕን ትኽክለይናን ትምህርተ ሃይማኖት ክቐርበሉ ብምትሕስሳብ ቀጻሊ መበል 17 ጉባኤ ካብ ዕለት 20 ሕዳር ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ንምክያድ ቆጸራ ብምሓዝ ከምእተፈጸመ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.