2011-11-05 14:01:18

ብፁዕ ካርዲናል ግሮቾለቭስኪ፦ ካህን ወትሩ ኣድላዪ ኢዩ


ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሥልጣን ውሳኔ መሠረት ጸዋዕታ ክህነት ንምትብባዕን ሰብ ጸዋዕታ ብቑዕን ግቡእን ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት መሠረት RealAudioMP3 ደገፍ ክግበረሉ ብዝብል ሓሳብ ዝተመርሔ ዕለት 4 ሕዳር 1941 ዓ.ም. ዝቖመ ጳጳሳዊ ናይ ጸዋዕታ ክህነት ተግባር ሓልዮ ዝተመሥረተሉ መበል 70 ዓመት ምኽንያት “ኣነ ሓረኹኹም፣ ካህናት ንእንነብረሉ እዋን” ብዝብል ኣእርስቲ ተመሪሑ ሎሚ ዕለት 5 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ካብ ዕለት 3 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ጸዋዕታ ክህንት ሓልዮ ዝብል ዝነበረ ማኅበር ናይ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮን ናይ መንፍሳውያን ማኅበራት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ብዝብል መጸውዒ ክምራሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1988 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ሕያዋይ ጓሳ ውሳኔ መሠረት ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ብዝብል መጸውዒ ክትካእ ከምዝተወሰነ ተዘኪሩን፣ ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዜኖን ግሮቾለቪስኪ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብዚ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እውን ኣብ እንዝክረሉ ዘሎና እዋን፣ ኣበው ቅዱስ ሲኖዶስ ጸዋዕታ ክህነት ክዓብይ፣ ሓዋርያዊ ግብረ ኣገልግሎት ምሕያል ከምዘድሊ የተሓሳስቡና ቢሎም፣ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ውሳኔ ነቢያዊ ኣድማስ ዘለዎን ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዕላማ ከምዝኾነ ቤተ ክርስትያን ተረጋግጸልና ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ምእንቲ ጸዋዕታ ምጽላይ ድላይ ሰብ ዘይኮነስ፣ ሉቃስ ወንጌላዊ ኣብ ምዕራፍ 10 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 20 ብዘሎ ቃል ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ “”…እኽሊ ብዙኅ ኢዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ፣ ንእኽሉ ዓየይቲ ክልእኽ ለምንዎ….” እንክብሉ ናይ ክርስቶስ ድላይ ምዃኑ የረጋግጸልና ኢሎም፣ ኣብ እነንብረሉ ዘሎና ዓለም ዝስምዑ ካልኦት ድምጽታት ነቲ ጽን ክንብሎ ዝግብኣና ናይ እግዚኣብሄር ድምጺ ከይዕብልሉ ስለ ዘስግእ ማኅበረ ክርስትያን ቃል ኣምላኽ ዘበሥሩ፣ ጽዉዓት ክርከብ ኣብ ጸሎትን ደገፍን ክነቅሕ ይግብእ፣ ዘርኢ ሰብ ወትሩ እግዚኣብሔር ዘልድዮ ኢዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ምዕባለ ይበጻሕ እግዚኣብሔር ኣድላዪ ኢዩ። ስለዚ ቃል እግዚኣብሔር ዘበሥሩን ብቕዱሳት ምሥጢራት ብቕዱስ ብሥጋሁ ወ ደሙ ኣቢሎም ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽንራኸብ ዝድግፉና ካህናት ወትሩ የድልዩና ኢዮም ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓብሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.