2011-11-05 15:56:58

ርሊጳ በነዲክቶስ ሐዲሽ አምባሳደር ኮትዲቭዋር ተቀቢሎም አዘራሪቦም ፡


አብ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ አምባሳደር ዝተመደቡ አምባሳደር ኮት ዲቭዋር ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ሲመት መልእኽቲ ከም ዘቅረቡ መግለጺ ቫቲካን አፍሊጡ ።

አብ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ አምብሳደር ኮት ዲቭዋር ጆሰፍ ተባህ ክላህ ከም ዝኾኑ እቲ መግለጺ ጠቂሱ በነዲክቶስ መበል 16 ሐዲሽ አምባሳደር ኮት ዲቭዋርን ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከምኡ ክአ ህሉው ኩነታት ሀገራት ክፍለ ዓለም አፍሪቃን ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየዱ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ

ቅድስቲ መንበርን ኮት ዲቭዋርን ቅድሚ አርባዕተ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዝጀመራ ክፍለጥ ከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ፡ ነቲ አብታ ሀገር ድህረ ህዝባዊ ምርጫ ዝተኻየደ ህውከትን ግጭትን ብቀረባ ተኸታቲሎምዎ።

ብጠንቂ”ቲ ግጭት አብ ልዕሊ ሕይወት ሰብን ንብረትን ዝተኸሰተ ብርሰት አዝዩ ከም ዘሕዘኖም ንሐዲሽ አምባሳደር ኮት ዲቭዋር ንጆሰፍ ተባህ ክላህ ከም ዝገለጹሎም ነቲ ርክብ ዝተኸታተሉ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን አፍሊጦም።

አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ ትርከብ ኮት ዲቭዋር ወይ ክአ አይቨሪኮስት ህዝባዊ ምርጫ ምስ ተኻየደ አብ ሞንጎ አሸናፍን ተሸናፍን ሰልፍታት ፖሊቲካ ዘሕዝን ግጭት ከም ዝተኻየደን ናይታ ሀገር መራሒ ዝነበሩ ሎራን ባግቦ ብሐይሊ ከም ዝተታሕዙ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ እዋን”ዚ አብ ሞንጎ ሕብረተ ሰብ ኮት ዲቭዋር ዕርቀ ሰላም ክወርድ ግህሰት መሰል ሰባት ክግታእ ሰበ ሥልታናት መንግስቲ ተጊሆም ክሰርሑ ነቶም ሐዲስ አምባሳደር ከም ዘተሐሳሰብዎም ተፈሊጡ አሎ።

ስሳ ብሔራት ብሔረ ሰባት እና ህዝቢ ኮት ዲቭዋር ቀሲኑ ብሰላም ዝነብር አብታ ሀገር ፍትሒን ርትዒን እንተነጊሱ ከም ዝኾነ በነዲክቶስ መበል 16 ከም ዘመልከቱ ክአ ተገሊጹ።

አብ አይቨሪኮስት ኮሚስዮን ሐቅን ዘተን ዕርቅን ተመስሪቱ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ እቲ ኮሚስዮን ርትዓዊ ውጽኢት ክረክብ ተስፋ ከም ዘለዎም ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ሐዲሽ አምባሳደር ከም ዝገለጹሎም ይምልከት።

ካቶሊሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኮት ዲቭዋር አብ ዳግመ ህንፃ ሀገር እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ዝምድገን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ሰብአዊ ሕይወት ክዕቀብ ኩሎም ሃይማኖታት ነጻነት ክህልዎም ብምትሕስሳብ ቤተ ክረትስትያን ነቶም ብጠንቂግጭት ብአካልን ነፍስን ዝቆሰሉ ዜጋታት ክትፍውስ አብ ዓውደ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ መዳያትን እተካይዶ ጸዓት ቀጻሊ ክኸውን ምሉእ ተስፋ ከም ዘለዎም በነዲክቶስ መበል 16 ከም ዘገንዘቡ ፡ ነቲ አብ ሞንጎ ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ሐዲሽ አምባሳደር ኮት ዲቭዋር ጆሰፍ ተባህ ክላህ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተሉ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን ሐበሬታ ሂቦም አሎዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.