2011-11-03 14:59:32

ጳጳሳዊ ናይ ጸዋዕታ ክህነት ተግባር ሓልዮ


እቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝመሥረተዎ ጳጳሳዊ ናይ ጸዋዕታ ክህነት ተግባር ሓልዮ ዝተመሥረተሉ መበል 70 ዓመት “ኣነ ሓረኹኹም፣ ካህናት ንእንነብረሉ ግዜ” ብዝብል ኣእርስቲ ተመሪሑ ሎሚ ጀሙሩ ዕለት 5 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ብዝጠቓለል ዓወደ መጽናዕቲ ይብዕል ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ጸዋዕታ ክህንት ሓልዮ ዝብል ዝነበረ ማኅበር ናይ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮን ናይ መንፍሳውያን ማኅበራት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ብዝብል መጸውዒ ክምራሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 1988 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ሕያዋይ ጓሳ ውሳኔ መሠረት ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ብዝብል መጸውዒ ክትካእ ከምዝተወሰነ ዝዝከር ኢዩ።
ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዜኖን ግሮቾለቪስኪን ናይዚ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ልዊስ ብሩገስ ናቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዕዱማት ተቐቢሎም ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተጀመረን፣ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ናይዚ ቅዱስ ማኅበር ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጎድንታቱ ዘማእከለ እውን ከምዝኾነ እንክፍለጥ፣ ድሕሪ ጽባሕ እቶም ተጋባእያን ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ብሓባር ኣብ ናይ ቫቲካን ባዚሊካ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ኣብ ዝምራሕ ጸሎተ ሠርክ ብሓባር ምስ ናይ ሮማ ተመሃሮ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብን ኣብ ሮማ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጳጳሳዊ ተቛማት ካህናትን ተመፍሃሮ ዘርኣ ክህነት ዝሳተፉ ምዃኖም መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.