2011-11-01 17:18:36

፪ ሰንበት ዘጽጌ 2004 ዓ.ም.


መዝሙር፡ ኪነ ጥበቡ መንክር ወዕፁብ...
ንባባት፡ ኤፈ 6፡1-10፥ ራእ 12፡1-13፥ ማቴ 22፡15-21ምስባክ፡“ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕና ወሰብእሰ ከመ ሣዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ”። “ኦጎይታ መረት ምዃና ዘክር፥ ሰብ ከም ሳዕሪ ምዃኑ መዋዕሉ ከም ዕምባባ በረኻ ከምኡ ከም ዝፈሪ ዘክር”።
መዝሙር፡ስራሕ ጥበቡ ዘደንቕን ዘይብጻሕን እዩ፥ አብ መልእልተ አርያም ዘሎ ምሕረቱ አብ ልዕለና አርአየ፥ ንሰማይ ብከዋኽብቲ ዝበርሀ ዝኸለሎ፥ ንምድሪ ብጽሩይ ዕማባባታት ዘገጻ፥ አብአ ምእንቲ ከዕርፉ ንሰንበት ዝሰርዕ፥ ምአዛ ቅዱስን ከም ጽጌ ደንጎላት አብ ቆላታት፥ ቀኒሞስ ምስ ናርዶስ ዓምበቡ”።
ግርማ አምላኽ አብ ተፈጥሮ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። አብዚ እዋን ቀውዒ አብ ዘራእቲ አብ ፍረታትንን ኩሉ እንተ ተዓዘብና ስርሕ አምላኽ ክንርኢ እሞ ሓልዮቱን ኩሉ ግብሩን ክንርኢ ንኽእል። አምላኽ ይሓልየልና እዩ። በቲ አምላኽ ዝህበና ዝተፈላለየ ህያባቱ ገርና ንካልኦት ክንህብ ክንሕግዝ ይደልየና። ነሕዋትና አብ መገዲ አምላኽ ክንመልስ ንአምላኽ ከለልዩ ዝኽእሉሉ ክንሕብሮም እሞ ንሶም እውን አብ ግራት አምላኽ ዝዓዩን ንአምላኽ ዘሐጉሱ ክኾኑ ክንሕብሮም። አብ ሕይወትና ብዙሕ ነገራት ይጓነፈና እዩ ናይ ሎሚ ወንጌል ብገርሂ ክንርእዮም ከሎና ሓገዝትና ሰብ ጽቡቕና ዝመስሉ እንተ አስተውዓልና ግና ካብ አምላኽ ዝፈሊ ነገራት ክንገብር ዝደፍኡና ከምዘለዉ ፈሊጥና ክንጉዓዝ ይመኽረና። አብ ናይ ሎሚ ወንጌልና ክልተ መዓልካ ናይ እግዚአብሄር ዘይነበሮም ተጻላእቲ ጋንታታት ፈሪሳውያንን ሄሮዱሳውያንን ናይ ሓባር ጸላኢኦም ንኢየሱስ ጌጋ ክረኽቡሉ እሞ ክቕትልዎ ናይ ዝፈተኑ ይነግረና። ፈሪሳውያ ሃገራውነት ዘጥቅዖም ጸረ ሮማዊ መግዛእቲ እዮም። ሄሮዱሳውያን ግን ምእንቲ ጥቕሞም ኢሎም ምስ ሮማውያን ዝተሓባባበሩ እዮም። ክልቲኦም ጽልእ እዮም ግን ልዕሊኡ ንኢየሱስ ይጸልኡ ስለ ዝነበሩ ክሰማምዑ ክኢሎም። እቶም ልኡኻት አብቲ መባእታ ሕትኦም ዝተጠቕሙሉ ክትሰምዖ ጥዑም ዝመስል አብ ውሽጡ ግን ክፍአት ዝሓዘ እዩ ነሩ። “መምህር ሓቀኛ ምዃንካ መገዲ አምላኽ ከአ ብሓቂ ክምእትምህር፥ ገጽ ሰብ ርኢኻ ድማ ከም ዘይተዳሉ፥ ንሓደ እኳ ከምዘይትፈርህ ንፈልጥ ኢና” እንበሉ ወላ እኳ እቲ ዝበልዎ ሓቂ እንተኾነ ንሶም ግና ንካልእ ክፍአቶም መዔውቲ ክገብርዎ እዮም ዝበልዎ። አብ ሕይወትና ገለ ሰባት ብኸምዚ ክፍአት ተደፊኦም ብላዕሊ ሓገዝትና ፈተውትና ዝመስሉ ድሓር ግን ጎዳእትና ክኾኑ ዝኽእሉ አለዉ ስለዚ ክንጥንቀቐሎም ይግብአና። እዞም ልኡኻት ድሕሪ ናይ ኮንቱ ውዳሴኦም አብ እቲ ሓቀኛ ሕትኦም ይመጽኡ “እንታይ ይመስለካ ንቄሳር ግብሪ ምሃብ ይግባእ ድዩ ወይ አይግባእን”። እዚ ሕቶ ቀሊል ሕቶ ዝምሰል አብ ውሽጡ ተንኮል ዝሓዘ እዩ። በቲ ጊዜ ምድረ ፍልስጢኤም አብ ግዝአት ሮማውያን እዮም ነሮም ግን መግዛእቲ ዘይቅበሉ ኩሉ ጊዜ አብ ዕግርግር እዮም ነሮም። ዕብራውያን ንሮማውያን ብዘይመጠን ይጸልእዎም ነሮም ኩሉ ጭካኔኦምን ኩሉ እቲ ጉቦ ወዲ ጉቦ ዝመልኦ ምምሕዳራቶም ልዕሊ ኹሉ ኸአ አብ አምላኽ ዘይአምኑ ስለ ዝነበሩ ይጸልእዎም ነሮም። ስለዚ እቶም ሃገራውነት ዘጥቅዖም ዝነበሩ ፈሪሳውያን ቀረጽ ንጨቆንቲ ንሮማውያን ክኽፈል የብሉን ዝብል አቅዋም ነርዎም። ብአንጻሩ ንሄሮድሳውያን ምኽፋል ቀረጽ ጠቓሚ እዩ ዝብል ርድኢት ነርዎም። ብሓቂ ወጣሪ ሕቶ እዩ ነሩ። ከምቲ ሓደ ዝሓተቶ “ንብዓልቲ ቤትካ ምህራም ሓዲግካዮዶ? ዝበሎ እዩ።
ኢየሱስ ቀረጽ አይትኽፈሉ እንተ በሎም ንፈሪሳውያን ክሓጉሶም እዩ። ግን ንሮማውያን ነጊሮም ከትሕዝዎ እሞ ከእስርዎ እዮም። ቀርጽ ክኽፈል አለዎ እንተበለ ኸአ ንሄሮዱሳውያን ከሓጉሶም እዩ፥ ግን አብ ቅድሚ እቲ ህዝቡ ዝነበሮ ተቐባልነትን አኽብሮትን ከጥፍእ እዩ። ብኽልቲኡ አዋጢሮም ክሕዝዎ እዮም ሓቲቶሞ።
አይሁድ አብ ሓደ ጎይታን መራሕን እዮም ዝአምኑ ንሱ ጥራሕ እዩ አምላኾም። ቀረጽ ወይ ካልእ ዝውሃብን ዝክፈልን ንአኡ ጥራሕ አብ ቤተ መቕደስ መባእ ብምግባር እዩ። አብ ታሪኽ እስራኤላውያን ወላ እቶም ዓበይቲ ነጋውስ ባቢሎን ፋርሳውይን ከም አምልኽ አይረአይዎምን። አምላኾም ሓደ ንሱኸአ ጎይታ ኩሉ እዩ። ኢየሱስ ነዚ ናይ አይሁድ ተንኮልን ክፍአትን ስለ ዝተረድኦ እቲ ሓቀኛ መልሲ ይህቦም። በቲ ዝገበርዎ ናይ ግብዝነት ስራሕ እሞ ነዚ መጻወድያ ዝገብረዎ አትሪሩ ይወቕሶም። ነቲ ሓቂ ክፈልጡ ድላይ ከምዘይብሎም ይነግሮም። እንተኾነ ንሓቂ ክፈልጡ ድለት አይነበሮም ናይ ባዕሎም መልሲ ነርዎም። ድለቶም ንኢየሱስ ከመይ ገሮም ጉድለት ከም ዝረኽቡሉ እሞ ከትሕዝዎን ክቐትልዎን እዩ ድለቶም።
ኢየሱስ ነቲ ገንዘብ ከርእይዎ ይሓቶም። እዚ ናይ መን ምስሊ እዩ ኢሉ ይሓቶም አብኡ ዘሎ ጽሑፍከ ናይ መንእዩ እናበለ ይሓቶም። እቲ ስእሊ ናይ ቀሳር እዩ ሮማዊ ንጉሥ ይብልዎ። ንሱ ገዛኢ ጥራሕ ዘይኮነ ከም አምላኽ ይምለኽ ነሩ እዚ እዩ እቲ ጸገም ነይሁድን ንቀዳሞት ክርስትያን ዝነበረ። ንኽልቲኡ ወገን ንቄሳር አምልኾ ምሃብ ንጣኦት ምምላኽ እዩ። ንገለ ወላ እኳ ንስሙ ይርኤ እንበር ንክርስትያንን አይሁድን ጨሪሹ አንጻር እምነቶም እዩ ነሩ በዚ እዮም ብዙሓት ምእንቲ እምነቶም ካብ ንንጉሥ ምስጋድ ብሰማዕትነት ዝሓለፉ። ሎምውን ንእምነት ክርስትና ዝጻረሩ ኣለዉ ብዙሓት ክርስትያን’ውን አብ ማእሰርቲ አብ ሞት ምእንቲ እምነቶም ዝበጽሑ አለዉ።
ናይ ቀሳር ንቐሳር ናይ አምላኽ ከአ ንአምላኽ ሃቡ እናበለ መሊስሎም። እዚ መልሲ ዘይናቱ ትርጉም ከይውሃቦ ምጥንቃቕ የድሊ። መራሕቲ ንህዝቦም ክገዝኡ አየድልን ማለት አይኮነን። ኩሉ ጊዜ አብ ሃገር መራሕቲ ክህልዉ ግድን እዩ፥ እቲ ዝድለ ዘሎ እንታይ ዓይነት መራሕቲ እዮም፥ ንኸመይ ዝብሉ ኢና እንእዘዝ ንኸመይ ዝበሉኸ ኢና ክንአቢ ዝግብአና። መራሕቲ ሃገር ንናይ ሰምያዊ ነገራት ስልጣን የብሎምን ንአብነት አልቦ አምላኽ ዝብል መንግስቲ አብ ልዕሊ እቶም አመንቲ ንእምነቶም ብዝርኢ ሓንቲ ስልጣን የብሉን። ኩሎም ሰባት ብሓባር ዝግዝእዎ አሎ፥ ነቲ ሓቅን፥ ርትዕን፥ መሰረታዊ መሰል፥ ናይ ሰብ ንኹሉ ስለ ዝርኢ ኩሎም ብአኡ ክቕየዱ ይግባእ ንክርስትያን ብዝያዳ ንኹሉ ነገርና ዋንኡ አምላኽ እዩ። ንሕና ናይ ክልተ መንግስቲ ዘግነት ዘሎና ኢና። ናይ እዚ ዓለም መንግስትን ናይ ሰማይ መንግስትን። ክልቲኡ መንግስታት ናታትና አኽብሮትን እምነትን ይደሊ። አብዚ ዓለም ዘሎ መንግስቲ ንድሕነትና ንእምነትና ዝዕንቅፍ ክሳብ ዘይኮነ ሓንቲ ጸገም የብልናን።
አብዚ ዓለም ክሳብ ዘሎና አብ ናይ እዚ ዓለም መንግስቲ ብብዙሕ ንጽጋዕ። አብ ዓለም እንተ ረኤና ውሑዳት ሰብ ገዲፍካ ማይ ኤለትሪኽ ተለፎን ብመንግስቲ ነቲ ዘድሊ ነገራት ይሓሊ። ከምኡ ትምህርቲ ሕክምና መገድታት፥ ናይ ዝኾነ አገልግሎት ነቶም ስራሕ ዘይብሎም ንስንኩላት ንሽማገለ ኩሎም መንግስቲ ይሓልየሎም። ድሕነት ሃገር አብ ኢድ መንግስቲ እዩ። ንሃገር ዝጠቅም ዝበሎ ክገብር ሓላፍነት አልኦ። እዚ ኹሉ አገልግሎታት ክቕጽል እንተ ኾይኑ እሞ ንኹሉ ክባጻሕ ሕብረተ ሰብ ናታቶም ሱታፌን አበርክቶን የድሊ። እዚ ኹሉ ቀረጽ ብምኽፋል ንገብሮ። ቀረጽ ምኽፋል ሓጢአት የብሉን። አብቲ ቅኑዕ ምሕደራ ዝርከቦ ናታትና እጃም ወይ ክፍሊት ነቲ ዝዓበየ አገልግሎት ምእንቲ ክቕጽል እዩ። ቀረጽ ብምኽፋል ነቲ ሃብቲ ሃገር አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ከምዝረከብ ምግባርን እዩ። ንሕና ብብዙሕ መገዲ ንህዝብና ናብርኦም አብ ዝልዓለ ደረጀ ክበጽሕ ክንሕግዝ ግቡእ አሎና። እዚ ኸአ ናይ ቄሳር ንቄሳር ብምሃብ ክንገብሮ ንኽእል። ነፍሲወከፍ ሰብ ዝግብኦ ክገብር እንከሎ ሽዑ መሰሉ ክሓትት ይኽእል። ንህዝብኻ ምግልጋል ምሕጋዝ ንርእስኻ ኢኻ ትሕግዝ። ንሕና ሓበሻ ብፍላይ ምስ ህዝብና አሕዋትና ቀጻሊ ርክብ ክህልወና የድሊ። ባህልና አብ ኩሉ ዝተሓሓዘ እዩ። ብሓንሳብ ክንከውን ከሎና አብ ቁምነገር ክንበጽሕ ንኽእል። ካብ ህዝቡ ካብ ወገኑ ዝፍለ ውዒሉ ሓዲሩ ክጽገም ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ህዝብና ካብ ወገና ክንፍለ የብልናን።
ብሓቂ ክርስትያን እንተ ኾና ዘይግብኦ ንዝገበረ መሰል ሰባት ንዝገፍዔ፥ አብ ግቡእ ክንመልሶ ናይ ኩልና ሓልፍነት እዩ። ምሕማይ ፍታሕ አየምጽእን እዩ። ንሓቂ ብርትዒ ክንሕዛ ክርስትያናዊ እምነትና ይግድደና እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌል እምብአር ክልተ ሓላፍነት የሰክመና፡ ነቲ መንግስቲ ወይ ግዝአት ዘሎናዮን አምላኽን። ክልቲኦም ብስምምዕ ብምርድዳእ ብሰላም ክኸዱ እንከለዉ ባእሲ የለን። ኩሉ ጊዜ አብ ዓለምና ባእሲ ውግእ ጽልኢ ዝበዝሕ ሞራል ክጠፍ እንከሎ፥ ንህዝቢ ምግፋዕ ከበዝሕ እንከሎ፥ ማለት ንሰባት መሰረታዊ መሰሎም ምግፋፍ ክበዝ እንከሎ እዩ። ሓቅን ፍቕርን ጥራሕ ክንገብር ከሎና አብ ጎደና ምዕባሌን ህንጸትን ክንበጽሕ ንኽእል ኢና።
ናይ እዚ ዓለም ነገራት ነቲ ናይ ሰማይ ነገር ከይጸልዎ ወይ ከይ ዕብልሎ ንሕና አመንቲ ሓለውቱ ኢና። አብ ቅድሚ ሰባትን መንግስትን ብሓቂ ብርትዒ ሕይወትና ክንመርሕ ንሓቅን ንርትዕን ኩሉ ጊዜ ክንሕልወን ይግብአና። እሞ ኦ አምላኽና ካብ መገድኻ ከይንወጽእ ሓግዘና እናበልና ንለምኖ።ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.