2011-11-01 14:36:05

ዓወዲ መጽናዕቲ ባህሊ ጴንጠቆስጠ


“ከምቶም ካልኦት ተስፋ ከምዘይብሎም ከይትሓዝኑ” (1ተሰ. ምዕ.4፣13) ብዝብል ቃል ሃዲስ ኪዳን ዝተመርሔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. RealAudioMP3 “ስፐ ሳልቪ ብተስፋ ኢና ድሒንና” (ሮሜ ምዕ. 8፣24)” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ማእክል ዝገበረ ብፍላይ ድማ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕዲ 7 “ኣብቲ ኅልው ኩነታት መጻኢ ዝማርኽ ተስፋ” ዝብል ተተንቲኑ ዘሎ ሓሳብ ዘጉልሕን ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኡምበርቶ ፎለና ዝመርሕዎ መበል 35 ናይ ኢጣሊያ ብሔራው ናይ ካቶሊክ ምንቅስቓስ ተኃድሶ ዓመታዊ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ ሪሚኒ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ ሲር ናይ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
“እቲ ቓል እግዚኣብሔር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን …. ጸልዩ” (2 ተሰሎ. ምዕ. 3፣11) ዝብል መንፈሳዊ ጭርሖ ዝተንጸባረቐሉ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ናይ ኢጣሊያ ማኅበር ካቶሊክ ምንቅስቃስ ተኃድሶ ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ማርቲነስ እንከመልክቱ ኣብቲ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታንስላው ርይልኮ ናይ ኢጣልክያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪያኖ ክሮቻታ እውን ተሳቲፎም ኣስትመህሮ ዘቕረብሉ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.