2011-11-01 14:37:57

ኅብረት ኤውሮጳ፦ ኣገዳስነት ሓባራዊ ሓላፍነት


ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናይ ሓጺር ጊዜ ዘየተኣማምን ናይ ኤኮኖሚ ለውጥታት ኣብ ኅብረት ኤውሮጳን ዝርኤ ዘሎ ኩነትን ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ሕዝባዊ ገንዘብ ንምድልዳል RealAudioMP3 ኣብ ዝገብሮ ከይዲ ኤኮኖሚ ዘጓንፍ ዘሎ ሽግር ምኽንያት ዓቢ ሥግኣት ይተኣታተው ከምዘሎ ኦክሰ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኤኮኖሚ ምትሕብባርን ልምዓትን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ኣብ ከን ንዝካየድ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ 20 ሃገራት ጉባኤ ዓሚቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብምምልካት፣ ናይ ኤውሮጳ ምዕባለ ኤኮኖሚ ኣሉታዊ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ምምሕያሽ ኤኮኖሚ ድንጉይ ኮይኑ ከምዘሎን፣ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኤውሮ ጉባኤ ዝገለጾ ናይ ኤኮኖሚ መምዘንታት ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ ናይ ኤኮኖሚ ምምሕያሽ ክህሉ ከምዝኽእል እቲ ናይ ኦክሰ መግለጺ የረጋገጽ።
ቅድሚ ትማሊ ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ናይ ጂ 20 ኣባል ሃገራት ሓባራዊ ሓላፍነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን እንከመልክት ሩሲያ ክሳብ 10 ሚሊያርድ ዶላር ዝግመት ሃብቲ ገንዘብ ብምውፋር ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ናይ ደገፍ ከይዲ ክትዋሳእ ቅርብቲ ምዃና ከምዝሓበረት እንክፍለጥ ቻይና እውን ብወገማ ክትተሓባር ስንድውቲ ምዃና ከምዘፍለጠት ይንገር።
ኣብቲ ኣብ ከን ዝካየድ ናይ ጂ 20 ኣባል ሃገራት ጉባኤ ሕብረት ኤውሮጳ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝርኤ ብዝተፈላለየ ሓሳብ ተገማሚዑ ዘይኮነስ ብሓደ ድምጺ ገዛእ ርእሳ ክውክልን እተን ብኢንዳስትሪ ኣዚየን ዝማዕበላ ሃገራት ኣብቲ መደብ ደገፍ ቁጠባ ሃብቲ ገንዘብ ብምውፋር ክሳተፋ ከምዘለወን እዚ ድማ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኤውሮስታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩነትን ወይ ንሓቅታት ብኣሃዝ ዝገልጽ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኤውሮዞን ዝርኤ ዘሎን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሥእነት ሥራሕ መሠረት ኣብ ዘውጽኦ ሰሌዳ፣ ኣብ ኤውሮዞባ ናብ 10.2% ኣብ ኅብረት ኤውሮጳ ድማ 9.6% ክብ ከምዝበለን በቲ ዝቐረበ ሓበሬታ መሠረት ኣብ ኢጣልያ ናብ 29.3% ክብ ከምዝበለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.