2011-11-01 14:34:00

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ሰላምን ምሕረትን


ኣብ ኢራቕ ርእሰ ከተማ ባግዳድ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስቲ እኖ መጸናንዒት ሕዙናት ዕለት 31 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ናይ ቅዳሴ ሥነ ሥርዓት RealAudioMP3 እናተፍጸመ እንከሎ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ፣ 40 ምእመናን ንሞት ሓደጋ ከምዝተቓልዑን ናይ ንብረት ሓደጋ እውን ከምዘስዓበ እንክዝከር፣ እነሆ ትማሊ እቲ ዝወረደ ግብረ ሽበራን ዘስዓቦ ናይ ሞት ሓደጋ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኸተላ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ብምኽንያት ዝኽሪ ሓደ ዓመት ግብረ ሽበራ ኣብ ልዕሊ ካቴድራል ቅድስቲ እኖ መጸናንዒት ሕዙናት ኣመልኪቶም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ዝዝከር ዘሎ ኣብ ባግዳድ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንን ምእመናን ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ዘይርሳዕ ከምዝኾነን እቲ ዘይርምሳዑ ድማ ንምሕረትን ይቕረ ንምብህሃልን ንሰላምን ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ንዝኽሪ መበል ሓደ ዓመት ትማሊ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኸተላ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ልኂቅ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኢግናሲዮ ሙሳ ዳዉድን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዒራቕ ልኡከ መንግሥቲ ሃቢብ ኣል ሳድር ዝተሳተፍሉ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣብቲ ብ1986 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ናይ ዝተፈላለያ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት “ኩለን ሃይማኖታት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም መሠረት ለብዘበን ኣብ በመል 25 ዝኽሪ ዓመት ቅድሚ ትማሊ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ቀጻልነቱ ብምርግጋጽ ንመላእ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን መንፈሳዊ መራሕትን ከምኡ እውን ለምዘበን ፍልይ ዘብሎ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ሓቂ ናይ ምድላይ ባህሪኡ ዓቢ ግምት ብምሃብ ቅዱስ ኣቦና ናይ ባህሊ ኣካላትን ኢኣማንያን ናይ ባህሊ ሊቃውንቲ እውን ክሳተፉ ዘቕረብዎ ናይ ዕድመ ጻውዒት ኣብ ዝተረጋገጸሉ ቅዱስ ኣቦና “ደጊም ዓመጽን ውግእን ግብረ ሽበራን ፈጺሙ ከይህሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ሰላምን ፍትሕን ከቕርብ” ዝዕድም ቃል ኣብ ዘስምዑሉ መደብ ከምእተሳተፉን ዘኪሮም፣ ኣቲ ኣብቲ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጸሎት ዝቐረበ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቃሊሖም ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ናይ ባግዳድ ካቴድራስ ዝወረደ መጥቃዕቲ ኣብ እዋኑ ዘኪሮም ኣብቲ ቤት ፍቕርን ዕርቅን ዝወረደ ናይ ሞት ሓደጋ ጸረ እግዚኣብሔር ኢዩ ቢሎም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም እግዚኣብሔር ኣብ መንግሥቱ ክቕበሎም ጸልዮም ዘስምዕዎ ቃል ከምዝጠቐሱ እውን ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.