2011-10-27 13:47:35

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንራብዓይ ጊዜ ኣብ ናይ ኣሲዚ መዓልቲ ናይ ሰላም ጸሎት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቅዱስ ጲጥሮስ ተኸታሊ ንኽኾኑ ብእንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ምሽያሞም ዕለት 24 ጥሪ 2002 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ድሕሪ እቲ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣሸበርቲ ዝፈጸመዎ ዘስካሕክሕ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘነቓቕሕዎ ኣብ ናይ ኣሲዚ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ንኽሳተፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ናይ ባቡር ጣቢያ ናብ ኣሲዚ ብመጓዕዝያ ባቡር ተሳፊሮም ኣብ ጎዕዞ እንከለዉ ኣብቲ እዋን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጎዞ ምርኻብ ሕይወትና ኣብዛ ምድሪ ነጋዲት ምዃና ዘቃልሕ ኢዩ። እቲ ናይ ኣሲዚ ናይ ሓባር ጸሎት ቅጽበታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኢዩ ቢልካ ምሕሳብ ዘይኮነስ፣ ድላይና ኩሉ ነቲ ሓደ ሓቀይና ኣምላኽ ክፈልጥን ከገልግልን ሃይማኖት ምኽንያት ውግእ ዘይኮነስ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኣብ ዘነጽር ናይ ሃባር ርድኢት ንምብጻሕ ዝብል ኢዩ ከምዝበሉ ዝዝከር ኢዩ።
ካብታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መጠይቅ ዝገበሩላ ዓመት ንነጀው ድሕሪ 10 ዓመት ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ናይ ኣሲዚ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖት ናይ ሓባር ጸሎት እንክሳተፉ ንራብዓይ ጊዜኦም ምኻኖምን እቲ ናይ ኣሲዚ መደብ ናይ ሓበር ጸሎትን ዘተን መደብ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ናብ ሓቂ ዝግበር ንግደት ኮይኑ ክሕሰብን በዚ መሠረት’ዚ ድማ ኣማንያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኢኣማንያን እውን ክሳተፉ ዘተባብዔን፣ እቲ ሥልጣናዊ ትምህርቶም ዘማእክሎ ዘተ እምነትን ምርምርን ዘቃልሕ እውን ምዃኑ ንጽሩ ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.