2011-10-27 13:45:13

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ፦ ብሓባር ምንባር ጽሕፍቶ እዩ


ር,ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1986 ዓ.ም. ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ዓለም ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን ክካየዱ ብዘቕረብዎ ጻውዒት መሠረት ዝተበገሰ ናይ ኅብረ ሃይማኖት ርክብ በመል 25 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 RealAudioMP3 ሎሚ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ልዕሊ 300 ዝግመቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ብሓባር ብመገዲ ሓቂ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን ኣካይዶም።
ልክዕ ከምቲ ቅድሚ 25 ዓመት ሎሚ እውን እቲ ብእንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ዝተጀመረ መደብ ዘተን ጸሎትን ናይ መላእ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ ዓለም ጽምኢ ሰላምን ፍትሕን ብርቱዕ ከምዝኾነን ተኣሚኑ ንምርግጋጽ ሰላምን ፍትሕን ኩለን ሃይማኖታት ብሓባር ክጽልያን ክዝትያን ዝተባብዔን ዘራኸበን ምዃኑ እንክንገር፣ እቲ ናይ ለብዘበን ፍልይ ዘብሎ እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ፣ ሓቂ ናይ ምድላይ ባህሪኡ ዘማእከለ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድም ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ ኣሲዚ ናይ ኅብረ ሃይማኖት ናይ ሓባር ጸሎትን ዘተን መደብ ብወግዒ ዝካየደሉ ማለት ዕለት 27 ጥቅምት 2011 ዓ.ም. ምዃኑን ናብቲ ጉባኤ ጸሎትን ዘተን ናይ ባህሊ ኣካላትን ኢኣማንያን ናይ ባህሊ ሊቃውንቲ እውን ከምዝዕደሙ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብሓቂ ፍልይ ዘብሎ ምዃኑ እውን ምልክት ኮይኑ ኢዩ።
ቅድሚ 25 ዓመት ዓለም ብክልተ ናይ ፖለቲካ ኅልዮ መሠረት ኣብ ክልተ ተኸፊላ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝካየድ ዝነበረ ኮይኑ፣ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ እቲ መደብ ናይ ሓባር ዘተ ድማ እቲ ናይ በርሊን መንደቕ ከምዝፈረሰን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብሥልጣናዊ ኣስተምህሮታቶምን ምዕዳኖምን ሓዋርያዊ ጽሑፋቶም ዓዋዲ መልእኽታቶም ኣቢሎም ኣብዚ ታሪኻው ፍጻሜ ዓቢ ግደ ዘለዎም ተባሂሎም ከምዝሕሰቡን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ፖሊቲካ ወሃብቲ ቃል ካብ ተዓቂበን ናይቲ ሓቀይና ናይ ሰላም ትርጉም ኮይነን ክርከባን ከምዝተባብዑ እንክዝከር ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም በቲ ሕሉፍ ዓለማውነትን ኣኽራርነትን ሽበራን ሥግኣትን ዝተጠቕዔ ናይ ኤኮኖምን ምስፋሕ ድኽነትን ማኅበራዊ ኢማዕርነትን ኣድልዎን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሰላም ዝኣመተን ከም ቅድመ ኩነት ዘንበረ ሓቂ ምድላይ ኣገዳሲ ኢዩ ዝብል ሓሳብ መሠረት፣ እቲ ናይ ለበዘበን ናይ 2011 ዓ.ም. ናይ ኣሲዚ ርክብ ካብቲ ናይ 1986 ዓ.ም. ቀዳማይ ርክብ ፍልይ ዘብሎ መደብ ናይ ሓባር ጸሎትን ኣስተንትኖን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ናይ ኣሲዚ መደብ ናብቲ ዝተነብረን ምስ ካልኦት ንምዝታይን ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብ ገዛእ ርእስኻ ንኻልእ ክፉት ዝገብር ንማንም ዘይንጽል ኩሉ ብሓባር ሕውነትን ሰላምን ኣብ ምሕናጽ ክጽመድ ዘተሓሳስብ፣ ናብቲ ሓቂ ዝግበር ንግደት ብዝብል መለለይኡ መሠረት ኢኣማንያን ናይ ባህሊ ሊቃውንቲ እውን ዘሳተፈ ናይ ኣስተንትኖ ጽመዋን/ሱቕታን ዘተን ምዃኑ ኢዩ።
ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ናይ ኣሲዚ ናይ ሓባር መደብ ጸሎትን ኣስተምንቶን ዘተን ዝተሳተፉ ኢኣማንያንን ኣማንያንን ናይ ባህሊ ሊቃውንቲ ትማሊ ኣብ ሮማ “ሮማ ትረ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ዝተሳተፍሉ ኣማንያናንን ኢኣማንያን ኣብ ቅድሚ ዘመናዊ ብድሆ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕትን ኣብቲ ናይ ኣሲዚ ናይ ሓባር ርክብ ዝተሳተፉ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ካሊፎርኒያ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍና መምህር ፕሮፈሶር ረሞ ቦደይ፣ ወደ ሰብ ብሕይወት ዝተኣንገደ፣ እንጉድ ሕይወትን ስደተይና ግዜን ብጊዜ ዝተሓጽረን ኢዩ። ማንም ወናኒ ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ ስለዚህ ናይ ሃይማኖት ዘተ ጽቡቕ/ሰናይ ድላይን ፍልጠትን ዘለዎም ብሓባር ኣብዚ እዋን’ዚ ሓቂ ከም ኣማራጺ ኮይኑ፣ ርእይቶ ናብ ዝብል ደረጃ ሓሲሩ ኣብ ዘለሉ እዋን ሓቂ ንኽደልዩ ስንድዋት ዝኾኑ ብነጻነት ሓድ ሕዳዊ ምንጽጻር ዝፍጸመሉ መደብ ኢዩ። ስለዚህ ተራኺብካ ሓደ ንሓደ መንጽር ኮይኑ ብምርኻብ ምንጽጻር ጠቓሚ ኢዩ።
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ካሪታስ ኢን ቨሪታተ-ፍቕሪ ብሓቂ ኣብ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ክርስትና ብዘይ ሓቂ ሰናይ ስምዒትን ድልየታትን ዝተኣኻኸቦ ባህሊ ጥራሕ ኮይኑ ኢዩ ዝተረፍ፣ ኣብ ዘተ ክሌኣዊ ኣጽዋር ናይ ምርጋፍ ውሳኔ፣ ማለት ኩሉ ናይ ባህልን ናይ ሃይማኖትን ኣጽዋሩ ኣራጉፉ እቲ ዘይልወጥ ቢሉ ብግትርነት ዝኽተሎ ሓሳብን ኩሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀኖናውን ዘይልወጥ ናይ እምነቱ ዓንቀጽ ኣራጊፉ ገዛእ ርእሱ ኣብ ሕቶ ዘእትው ብምዃ ን ምውሳእ ኢዩ።
ከም ደቂ ሰባት መጠን ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ክቡራት ዋጋታት የራኽቡና ኢያቶም፣ ስለዚህ ሰላም ምድላይ መሰልን ፍቓድን ምድላይ፣ ንሕዙናት ምጽንናዕን ንድኻታት ምድጋፍ ዝኣመሰሉ ክቡራት ዋጋታት የራኽቡና ኢዮም። እዚ ሰብ’ዚ ብናይ ገዛ እርእሱ ድርኾት ተነቓቒሑ በቶም ናይ ሓባር ክቡራት ዋጋታት መሠረት ክዝትይን ብሓባር ክዓዪ ዝተጸውዐ ኢዩ።
ድሕሪ ቅልውላው ሥርዓት ዴስነትን ሃገራዊ ኢእግዚኣብሔርነትን ባህልን ቅልውላው፣ ሃይማኖታት ወይ ድማ ኣቢያተ ክርስትያን ኣኽናፈን ኣዕቢየን ክነፍራን ኣብ ኩሉ ክበጽሓን ዕድል ሂቡን ብብዙሓት ሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ እውን ተቐባልነት ረኺበን ኢየን። ብኻልእ መዳይ ድማ እቲ ባህላውን ናይ ፖለቲካ ሥርዓት ቅልውላውን ንኣኽራርነት ዕድል ፈጢሩ ኢዩ። ስለዚህ ሃይማኖት ኣክንዲ ዘሕብርን ዘተሓባብርን ናይ ቃልሲ ባይታ ክኸውን ከምዝገበረ ገሊጾም፣ ምእንቲ’ዚ ናይ ገለ ገለ ሃይማኖታት ሓደ ሓደ ቲዮሎጊያዊ ቅርጺ ዘለዎ ውርሻኤን ኣብ ሕቶ ከእትወኦ ኣለወን ኢሎም።
ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ናይ ሓበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ሰላምን ፍትሕን ውሑስ ዘይኮነሉ ዘይርጉጽ ዘጠራጥር ኮይኑ ከምዘሎ ንጹር ኢዩ፣ ስለዚህ ኢዩ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ናይ ኣሲዚ ናይ ሓባር ርክብ ክካይድን ካብ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ወጻኢ ካልኦት ኣማንያንን ኢኣማንያን ናይ ባህሊ ሊቃውንቲ ክሳተፉን ከምኡ ድም ናይ ኣሲዚ ናይ ሓባር ጉባኤ ንሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ይግብኣኒ ዝብል ትኽክለይና ዕላማ ብብረታዊ ቃልሲ ናይ ምርግጋጽ እማኔ ዝነጽግን፣ ኣክንዲ እዚ ዓይነት ውግእ ኩሉ ዘለዎ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ብዘየገድስ ጸሎት ዝብል ኢዩ።
ሓቂ ናይ ምድላይ ንቡር ባህርይ ሰብ ናይ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ባህርይ’ዚ ብምቅላሕ ሓቂ መሠረት ሰላንም ፍትሕ ንዝብል ርግጸይናነት ምስትንታንን ኩሉ ሓሳቡ ዘስምዓሉ ናይ ሓበር መደብ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኡምብሪያ ክፍለ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ተርኒ ናርኒ ኣመሊያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንሶ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ኣሲዚ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ናይ ሓባር ርክብ እቲ ወዲ ሰብ ክህቦ ዘይከኣሎ ሰላም ካብቲ መሠረት ዝኾነን ሰላም ዝህብ እግዚኣብሔር ንምድላይን ንምሕታትን ብዝብል ዕላማ ዝተበገሰ፣ ካብቲ ብቕዱስ ኤጂዲዮ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ዝተወርሰ ሰናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ሃብቲ ምዃኑ እውን ዘኪሮም፣ ኣቲ ናይ ፈለማ ርክብን እቶም ቀጺሎም ዘተኻየዱን እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ኩነት ዝተኻየደ እውን እንተኾነ ናይ ኣሲዚ መደብ ቀጻሊ ሥሩዕ መልእኽቲ ዘለዎን ንሱ ድማ ሃይማኖትን ናይ ፖሊቲካን ናይ ኤኮኖሚ ሥልጣን መሣርሒ ክኸውን የብሉን ዝብል ማለት ሃይማኖት ንናይ ግሊ ዕላማ መገልገሊ ወድ ድማ መጋበሪያ ክኸውን የብሉን ዝብል ሓሳብ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ኣሲዚ ካብቲ ሰላም ንምድላይ ዝግበር መንፈሳዊ ንገደት ኣብ ዝብል ዕላማ ተኸዊሉ ዝነበረ ልዑል ክብሪ ንሱ ድማ ሓቂ ንምድላይ ዝግበር ንገድት ዝብል ከለልዩ ብምኽኣሎም ኣመስጊኖም ናይ ሰላም ንግደት ምስ ናይ ሓቂ ንግደት ዝተኣሳሰረ ኢዩ።
ሃይማኖት ካብ ኣኽራርነትን መንፈሳውነት ጥራሕ ካብ ዝብል ኣመክንዮ ዘይብሉ ዓይነት ኣነባብራ ናጻ ክወጽእ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.