2011-10-22 14:52:05

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ፥ “ቅድስቲ መንበርን ሊቢያን”


ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ቅድስቲ መንበርን ሊቢያን ድኅሪ ዜና ዕረፍቲ ጌዳፊ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘውጽአ ክፍለጥ እንከሎ፣ ዜና ዕረፍቲ ጌዳፊ ኣብታ ሃገር ነቲ ጽንኩርን ጨቋንን ሥርዓት ካብ ሥልጣን ንምዕላው ተባሪዑ ዝነበረ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደ ነቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ደማዊ ግጭት ፍጻሜ ዝሃበ ከምዝመስልን፣ ዝኾነ ይኹን ኣብ ምክብባርን ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን RealAudioMP3 ዘይኮነስ ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ዝርኤ ሥልጣን ኣብ ምርግጋጽ ዝቖመ ሥርዓት ዘዕንው ምዃኑ ዝምስክር ዘሕዝን ኩነት ሊቢያ፣ ሕጂ እውን ኣብቲ ንለወጢ ዝኽፈል ዓቢይ ሰብኣዊ መሥዋዕትን ስቓይን ከነስተንትንን ብዛዕቡኡ ክንሓስብ ግድን ኢዩ።
ሕዝቢ ሊቢያ ድላይ ፍዳ ሕነ ካብ ዘንቕሎ ናዕቢ ካብ ዘኸትሎ ዓመጽ ንሓዋሩ ክድሕን ዝምነይ መግለጺ ቅድስቲ መንበር፣ እቶም ሓደስቲ መንግሥታት ኣብ መሠረት ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ምኽባር ብዝኣምን ተግባር ኣብታ ሃገር መገዲ ሰላምን ዕርቅን ከሳልጡን ከረጋግጹን ኣብዚ ናይ ሰላምን ዕርቅን ከይዲ ከምኡ እውን ኣብ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ማኅበርሰብ ዓለም ግዱስን ለጋስን ምትሕብባር ክገብር ጻውዒት ብምቕራብ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውሁዳን ካቶሊክ ማኅበረሰብ ምስክርነት ብምቕራብን ብረብሓ ብዘይተጸልወ ድላይ ኣብ መዳይ ግብረ ሠናይን ደገፍ ክንክን ጥዕናን ሎሚ ከም ቀደም ዝዋፈር ምዃኑ ብምርግጋጽ ቅድስቲ መንበር በቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉዳይ ብዘለዋ ርክባት መሠረት ፍትሕን ሰላምን ብምንቕቓሕ ምእንቲ ሕዝቢ ሊቢያ ከምእትዓዪ እውን የረጋግጽ።
ቅድስቲ መንበር በቲ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ርክባታ ምስ መንግሥታት ዘይኮነስ ምስ ሃገራት ኢዩ። ንመንግሥቲ ዘይኮነስ ንሃገር ኢያ ኣፍልጦ እትህብ። ስለዚ ንሕዝቢ ዝውክል ሕጋዊ መንግሥቲ ክህሉ ኣለዎ ክምእትብልን፣ በዚ መሠረት ድማ ነቲ ናይ ሊቢያ መንግሥቲ መሠጋገሪ ግዝያዊ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ኣፍልጦ እውን እንተዘይሃበቶ፣ እቲ ኣብ ትሪፖሊ ቆይሙ ዘሎ ናይ ሊቢያ ብሔራዊ ናይ መሠጋገሪ ቤት ምኽሪ መንግሥቲ ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕግታት ስኒት መሠረት ናይ ሕዝቢ ሊቢያ ሕጋዊ ወኪል ቢላ ክምእትሓስቦ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ቅድስቲ መንበር ምስቲ ናይ ሊቢያ ሓድሽ ናይ መሠጋገሪ ብሔራው ቤት ምኽሪ ድሮ ዝተፈላለዩ ርክባት፣ ብቐዳምነት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዝምልከት ብመዳይ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን ምስ ናይ ሊቢያ ልኡከ መንግሥቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝርኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥታት ጉዳይ ከምዝዘተየትን፣ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ቀረባ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሳትፉን ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ መንግሥታት ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ማምበርቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ምስ ናይ ሊቢያ ወኪል ኣብዱራህማን ሻልጋም ክሌኣዊ ምይይጥ ከምዘካይዱን፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ማልታ ዝኾነ ናይ ማልታን ኣብ ሊቢያን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ቶማሶ ካፑቶ ካብ ዕለት 2 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሊቢያ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱን ምስ ናይ ሊቢያ ናይ መሠጋገሪ ግዚያዊ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ መራሔ መንግሥቲ ማህሙድ ጂብሪልን ቀጺሎም እውን ኣብ ናይ ሊቢያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. እውን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ የመልክት።
ኣብቶም ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት ናይ ቅድስቲ መንበርን ሊቢያን ርክብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምእተሰምርሉን፣ ቅድስቲ መንበር ንሕዝቢ ሊቢያ ደገፋ ዳግማይ ብምርግጋጽ፣ ነቲ ከይዲ ስግረት እውን ብቐረባ ሓገዛ ከምእተቕርብ ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት ከምዘረጋገጸትን፣ ነቲ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ከይዲ ዳግማይ ሕንጸት ውጽኢት ክህልዎ ምንዮታ ከምዝገለጸትን መንግሥቲ መሠጋገሪ ሊቢያ እውን ብወገኑ ቅድስቲ መንበር ንሕዝቢ ሊቢያ ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ክቕረብ ዘመሓላለፈቶ ጻውዒትን ኣብ ሊቢያ እተሳልጦ ዕዮን ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ደገፍ ክንክን ጥዕናን በቶም ኣብ ሊቢያ ናይ ዝተፈላለያ 13 ማኅበራት ገዳማውያን ብዘቖምዎ ናይ ሓገዝ ማእክል ኣቢላ እትህቦ ኣገልግሎት ዝነኣድ ኢዩ እንክብል ከምዘስመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.