2011-10-22 14:55:33

ብፅዕ ኣቡነ ስይልቨስተር ካርመል ማግሮ፥ ዕርቅን ምሕረትን ሓድነትን


ኣብ ሊቢያ ናይ በንጋዚ ሓዋርያዊ ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ስይልቨስተር ካርመል ማግሮ ብዛዕባ ኅልው ኩነታት ሊቢያ ኣመልኪቶም ስም ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ሊቢይ ዕርቅን ምሕረትን ሓድነትን ውሑስ ክኸውን ተተስፍዮም፣ ማኅበረ ክርስትያን ሊቢያ ሎሚ ከም ቀደም ኣብ ዕለታዊ ናብራኦምን መነባብርኦምን ምስክርነት እናሃቡ ዝነብሩ ከምዝኾኑን ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ዝዓዩ ብብዝሒ RealAudioMP3 ካብ ፊሊፒንስ ዝተሰዱ ናይ ክንክን ጥዕና ሰብ ሙያን ከምኡ እውን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ካብ ሊቢያ ከይወጹ ምስ ሕዝቢን ንሕዝብን ዘገልግሉ ዘለዉ ካህናትን ደናግልን ብሓገዝ እቲ ልዑል ጎይታ ኣብ ዕርቅን ምሕረትን ሓድነትን ተኣሚኖም ዝሃብዎን ዝሕብዎ ዘለዉ ምስክርነት ዝነኣድ ኢዩ።
እቲ ኣብ ሊቢያ ተኣታቲዩ ዘሎ ለውጢ ናይ ብዙኃን ሕዝቢ ሊቢያ ድላይ ኢዩ። እዚ ድላይ’ዚ ግን ምስ ድላይ ዕርቂ ዝተኣሳሰረ ሃገራውነት ድላይ ዘነጹር ኢዩ። ከም ክርስትያን መጠን ሓድነት ሊቢያ ክኽበርን መንግሥታትን ሓለፍትን ነዚ ድላይ ሕዝቢ ክዕቅቡን ከኽብሩን መታን እግዚኣብሔር ክድግፎም ንጽልን ብፍላይ ድማ እቲ ዕርቂ ካብ እዚኣብሔር ብምዃኑ እግዚኣብሔር እዝ ጸጋ’ዚ ንሊቢያን ሕዝብን ክውሕዝ ናይ ወትሩ ጸሎትና ኢዩ።
ኣብ ሊቢያ ናይ ማኅበረ ክርስትያን ተስፋ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ፍቓድን ከምቲ ዝጸንሔን ዝነበረን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝኽበረላን ዕርቅን ምሕረትን ሰላምን ኣብ ዝዓሰላ ሊቢያ ብስኒት ምንባር ዝብል ኢዩ ኣንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።
ናይ ትሪፖሊ ሓዋርያዊ ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ኢኖቸንዞ ማርቲነሊ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ሊቢያ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ለውጥን ናይ ሕዝቢ መጻኢ ብተስፈይና መንፈስ ተመሪሓ ብቐረባ ከምእትከታተሎን ሱታፌ ሕዝቢ ሊቢያ ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ካብ ሽግር ተላቑቑ በቲ ዘለዎ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ምብጋስ ልዑል ብቕዓት ዝምራሕን ኣብ ይቕረ ምብህሃል ዝኣምን ኢዩ። ሕዝቢ በቲ ዝፈሰሰ ደም ከይተገማምዔ ንብሩህ መጻኢ ከተኩር ትብዓት ክህልዎን ብምትሕብባር ኣብ ሓቀይና ህልው ኩነታት ቆይሙ ክነብር እትስፈው ኢሎም።
ሊቢያ ከምቲ ዝነበረን ዘሎን ሓድነታን ዓቂባ ምንባር ዓቢ ብድሆ ኢዩ። ስለምታይ ናይ ምግምማዕ ድላይ ዝነበሮም ምስሕሓባት ተራእዮም ኢዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ምክፍፋል ሕዝቢ ሊቢያ ዝምነዮን ዝደልዮን ከምዘይኮነ ኢየ ዝኣምን፣ ብርግጽ ዓበይቲ ናይ ምክፍፋል ፈተናታት ክህልዉ ኢዮም፣ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ እዚ ዓይነት ፈተና ብሱልን ጥበብ ዝዓሰሎ ጽቡቕ ድላይ ህዝቢ ሰዓሪ ከምዝኸውን እኣምን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.