2011-10-22 14:57:39

ሕቡራት መንግሥታት ዓለምን ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ኅብረት


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሲርተ ድሕሪ ሞት ሙኣማር ገዳፊ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራት ኣብ ሊቢያ ተለዓዒሊ ዝነብረ ሕዝባዊ ናዕቢ ብብረታዊ ቃልሲ ዝመርሑ ዕጡቃት ኃይል RealAudioMP3 ብምድጋፍ ዝካይዶ ዝነበረ ወታደራዊ ደገፍ ፍጻሜ መዓስ ንዝብል ሕቶ ናይ ሓባር መልሲ ንምሃብ ትማሊ ኣብ ዝካይዶ ጉባኤ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ክኸውን ስምምዕ ከምዝገበረ ተገሊጹ።
ፈረንሳ ድሕሪ ሞት ገዳፊ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራት ወተሃደራዊ ተልእኾ ክፍጸም ዝብል ሓሳብ ከምዝነበራን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መንግሥቲ ኣብ ሊቢያ ንሕዝቢ ንሓደጋ ዘቃልዕ ዝተፈላለየ ዓይነት ሽበራን ወጥርን ከምዘየል ብምርግጋጽ ክዛዘም ተልእኾ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ኣመለኻኽታ ዝተሰነየ ዘለዋ ኮይና ስለዚህ ገዳፊ ስለ ዝተቐትሉ ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ቃል ኪዳን ሃገራት ወተሃደራዊ ተልእኾ ተፈጺሙ ምባል ጌጋ ኢዩ ከምዝበለ እንክንገር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት ኣማውታ ሞኣመር ገዳፊ ክጻረ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ፣ ናይ ሊቢያ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ናይ ሊቢያ ሃገራዊ ሰላም ንኸረጋግጽ ዝበቕዕ ከይዲ ከተባብዕ ጻውዒት ከምዘቕረበ ተገሊጹ።
ድሕሪ 40 ዓመት ዘመን ገዳፊ ዘብቅዔ እውን እንተኾነ ናይ ሊቢያ መጻኢ ገና ንጹር ከምዘይኮነን እዚ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ሞኣመር ገዳፊ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝምስክሮ ከምዝኾነን፣ እቲ ብተሌቪዥን ጣቢያ ኣል ጀዚራ ዝተመሓላለፍ ናይ ጌዳፊ ምርኮን ኩሉ ኩነታት ክሳብ መቕተልቲ ዘሎ ብምስሊ ዝተደገፈ ዜና፣ ገዳፊ ቆሲሎም ምስ ተማረኹ ብዝተፈጸሞም ጃምላዊ ፍርዲ ዝተቐትሉ ምዃኖ ኢዩ ዘረጋግጽ፣ ናይ ሊቢያ ብሔራዊ ናይ መሠጋገሪ መንግሥቲ ቤት ምኽሪ ጌዳፊ ክቕተሉ ዝብል ውሳኔ ከምዘየመሓላለፈ ገሊጾ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ እዮም ዝሞቱ ዝብል ውግዓዊ መግለጺ ክምዝሃበሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ውዲ ገዳፊ ሙታሲም እውን ከምእተቐትሉን ሳይፍ ገዳፊ ይቀተሉ ይተሓዙ ወይ ናብ ኒጀር የምልጡ ዝፍለጥ ከምዘይኮነ ኢዩ ዝንገር።
ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ሳርኮዝይ ሞት ገዳፊ ኣብ ሊቢያ ንምርግጋጽ ናጽነት ንዝብገበር ከይዲ መሠረታዊ ደረጃ ኢዩ እንክብሉ፣ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መራሔ መንግሥቲ ዳቪድ ካመሮን ናይ ገዳፊ ሥርዓት ንምውጋድ ኣብ ዝተኻየደ መሥርሕ ሃገሮም ተሳታፊት ብምንባራ ሕጉስ ከምዝኾኑ እንከመልክቱ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ፣ ናይ ሊብያዋን ሶውራ ተዓዊቱ ቢሎም፣ እቲ ናይ ስቓይ ምዕራፍ ተዛዙሙ ከምዝበሉ ተፈሊጡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንናይ ሊቢያ መንግሥቲ መሠጋገሪ ብሔራው ቤት ምኽሪ ኣብ ሊቢያ ሰላምውን ናይ ዕርቅን ምሥግጋር እዋን ከረጋገጽ ካብ ማኅበረሰብ ዓለም ጻውዒት ከምዘቕረበ ተሓቢሩ ኣሎ።
ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳይን ድሕነት ድርገት ሓላፊት ካተሪነ ኣሽቶን ናይ ሊቢያ መንግሥቲ መሠጋገሪ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ምኽባር ዝቖመ መጻኢት ዴሞክራሲያዊት ሊቢያን ውሑስ ክብገር ጻውዒት ከምዘቕረባ እንክፍለጥ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብዚ ጽንኩር እዋን ሕዝቢ ሊቢያ ሓድነቱ ክዕቅብን ብዘይ ፍዳ ሕነ ኣብ ዳግመ ሕንጸትን ዕርቅን ከተኩር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.