2011-10-19 17:25:38

ን“ዓመት እምነት” ሐባሪት እትኸውን ሐዋርያዊት መልእኽቲ ተሓቲማ


ቅድሚ ክልተ ዓመት ንሲኖዶስ ቃለ እግዚአብሔር ስዒቡ ብቅ.ኣ.ር.ሊጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝቆመ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ብዘውጽኦ መርኃ ግብር ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዕለት 15ን 16ን ጥቅምቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕትን ዘተን ድሕሪ ምክያድ ዝሓለፈ ሰንበት ቅዱስነቶም ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ምሳኦም ብምርኻብን ተዛዚሙ፣ ቀንዲ አተኩሮ ናይዚ ዓውደ መጽናዕትን ዘተን ንዘመንና ዝኾኑ ሓደስቲ ሰበኽቲ ወንጌል ብከመይ ነሰናዱ ዝብል ኮይኑ ብቀንዱ ከአ ነቲ ንዓመታ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ክሳብ 28 ጥቅምቲ ንዝካየድ ንምስንዳው እዩ፣
ቅዱስነቶም አብቲ ትማሊ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘቅረብዎ ስብከትን ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃብዎ ጉባኤ አስተምህሮን አድላይነት ሐደስቲ ሰበክቲ ወንጌልን ንስብከተ ወንጌል ዘድሊ ምስንዳውን ድሕሪ ምግላጽ ንጉዕዞ እምነትና እንደገና ሃሰስ ንምባልን ጣዕሚ ቃለ እግዚአብሔር ንምስትምቃርን ንዝመጽእ ዓመት ካብ 11 ጥቅምቲ 2012 ክሳብ 24 ኅዳር 2012 ዓም “ዓመት እምነት” ክኸውን አዊጆም፣ ነዚ ዚእምት ከአ ማዕጾ እምነት “ፖርታ ፊደይ” እትብል ሐዋርያዊት መልእኽቲ ብምጽሐፍ አጽደቅዎ፣
መልእኽቲ ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ አጸሓሕፋ ወግዓውያን ጽሑፋት ቤተ ክርትያን ቃል አምላኽ ተተርኢሳ እያ እትብገስ፣ ካብ ግብረ ሐዋርያት 14።27 ዝተወስደ ጥቅሲ ጳውሎስን በርናባስን ናብ አንጾኪያ ናይ ሶርያ ምስ ተመልሱ “ምእመናን ቤተ ክርስትያን አኪቦም እቲ ኹሉ አምልኽ ዝገበርሎምን ነሕዛብ ከአ አፍ ደገ ኣምነት ከምዝከፈተሎምን አዘውንተሎም” ካብ ዝብል “አፍ ደገ እምነት” ንትብል ብናይ ላቲን ትርጉም ፖርታ ፊደይ ቢሎም አርእስቲ መልእኽቶም ክትከውን መረጽዋ፣ PORTA FIDEI (cfr Act 14,27) semper nobis patet, quae in communionem cum Deo nos infert datque copiam eius Ecclesiam ingrediendi. እታ አብ ናይ ሕይወት ሱታፌ ምስ እግዚአብሔር እተብጽሐናን አብ ቤተ ክርስትያኑ ንኽንአቱ እተፍቅደልናን አፍ ደገ እምነት ወትሩ ንአና ርኅውቲ እያ፣ ነዚ አፋፌት ክንሰግረሉ ዝከአል ቃል አምልኽ ምስ ተሰብከን ልብና በቲ ዝልውጥ ጸጋ አምላኽ ምስ ለስለሰን እዩ፣ በዚ አፍደገ እዚ ምስጋር ማለት ንምሉእ መዋዕል ዘሰንየና ጉዕዞ ምትሕሓዝ የመልክት፣ እዚ በቲ ንእግዚአብሔር አቦ ብዝብል ስም ክንጽዋዓሉ ብዘኽእለና ብጸጋ ጥምቀት ይጅምር፣ በቲ ፍረ ትንሣኤ ክርስቶስ ዝኾነ ብውህበት መንፈስ ቅዱስ ነቶም ብአኡ ዚአምኑ አብ ክብሩ ምሳኡ ከካፍሎም ዝወሰነላ መሰጋገሪት ሞት ይፍጸም፣ እምነትካ አብ ቅድስት ሥላሴ ማለት አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ምእማን ፍቅሪ ብዝኾነ ሐደ አምላኽ ምእማን የመልክት፣ እዚ በቲ ምልአት ግዜ ንድኅነትና ወዱ ዝለአኸ እግዚአብሔር አብ፣ ብምሥጢረ ሞቱን ትንሣኤኡን ንዓለም ዘድኃነ ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን ነዝማን ብክብሪ ናይ ምምላስ ጐይታአ እንክጽበ ዘሰንያ መንፈስ ቅዱስ እዮም፣ እንክብሉ ዝጀመርዋ መልእኽቲ። ቅዱስነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝስየምሉ ወትሩ ነዚ መልእኽቲ እዚ ማለት ንጉዕዞ እምነትና እንደገና ብምምልካት ነቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ ከነሐድሶን ከነደልድሎን ከምዘሎና ከምዝሐበሩ አመልኪቶም፣
አብዚ ብቅልውላው እምነት ዝግለጽ ዘመንና እቲ ጨው መቀረቱ ክልውጥ እታ መብራህቲ አብ ትሕቲ ከፈር ክትሕባእ አይነፍቅድን፣ ከምቲ ጐይታ አብ ወንጌል ዮሐ 6።27 ዝብሎ “እምበአር ምእንቲ እቲ ኃላፊ ምግቢ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዚኸውን ምግቢ ጸዓሩ” ከምዝበሎ እዚ እንደገና ጉዕዞኻ ናይ ምጅማር ትርጉም በቲ ናብ ድሕነት ብዘይ ምምታእ ዘብጽሕ መንገዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን እዩ እንክብሉ ገሊጾም፣
ቅዱስነቶም ምስዚ አተሓሒዞም እዚ ዓመት እምነት መአስ ጀሚሩ መአስ ከምዚፍጸም እንክገልጹ፣ መኽፈቲ ዕለት ናይ ዓመት እምነት ምስ መበል 50 ዓመት ምጅማር ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን እንክጋጠም ምስቲ ንዓመታ ክጅመር ተወጢኑ ዘሎ ሐፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሐዲስ ስብከተ ወንጌል ንምትሕልላፍ እምነት ክርስትና ምስ ዚብል እውን ከምዝጋጠም አብሪሆም፣ ቤተ ክርስትያን ዓመት እምነት እንክትእውጅ እዚ ንመጀመርያ ግዜ ከምዘይኮነን ድሮ ብ1967 ዓም ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 6ይ ንናይ አዕማድ ሃይማኖት ዝኾኑ ጴጥሮስን ጳውሎስን ንዝለዓለ ምስክርነት ሰማዕትነት ዝተቀበለሉ መበል 19 ሚእቲ ዓመት ብምዝካር አዊጅም ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ዕላማኦም ከአ መላእ ቤተ ክርስትያን ልክዕ ከምቲ ናይ ሐዋርያት፣ እምነት ሕልናአ ብምዝካር ነዛ እምነት እዚአ እንደገና ክተበራብራ ክተጽርያ ክተጽንዓን ክትምስክራን ምንባሩ አዘኻኽሩ፣ አብቲ ግዜቲ ዝተረኽቡ ጸጋታት ገና ከማኡ ዓይነት አዋጅ ይዕድሙ፣ ኩሎም አመንቲ ወትሩ ብሓዲስ መንገዲ ክጸንዑን ክርድኡን አለዎም፣ በዚ ከአ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻውያን ፍጻሚታ ዝተወሃሃደ ምስክርነት ክህቡ ይኽእሉ፣
ምስ ምኽፋት ዓመት እምነት ዝጋጠም መበል 50 ዓመት ምጅማር 2ይ ጉባኤ ቫቲካን እውን ነቲ ካብ አበው ዝተረከብናዮ ውርሻ ጉባኤ አበው እንደገና ክነቦን ክርድኦን ዕድል ዝህብ እዩ፣ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስትያን አብ መበል 20 ዘመን ዝተቀበለቶ ዓቢ ውህበት አምላኽ እዩ፣ ብ2ይ ጉባኤ ቫቲካን ነዚ ዝጅምር ዘሎ ዘመን መምርሒ ዝኸውን ቡሶላ ወይ ኮምፓስ ተዋሂቡና፣ ነቲ ወትሩ ዘድሊ ተሐድሶ ቤተ ክርስትያን ኃይሊ ካብ ሥራሓት እዚ ጉባኤ እዚ ክንረክብ ንኽእል፣ እንክብሉ ክልቲኡ አጋጣሚታት ነዚ ክግበር ዘለዎ ዓመት እምነት ምንጪ ጸጋን ትምህርትን መምርሒ ንስሐን ተሓድሶን ምዃኖም ገሊጾም፣
እዚ እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቲ አብዚ ዘመናት እዚ ብዝተፈላለያ ቅዱሳንን ቅዱሳንትን ዝተዋህበ ምስክርነት እውን ከይጠቀሱ ክሓልፉ አይደለዩን፣ ስለዝኾነ ከአ “ተሓድሶ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ምእመናን ብዝሃብዎ ምስክርነት እውን ተጓዒዙ እዩ፣ እዞም ምእመናን እዚኦም ነቲ ጐይታ ሕድሪ ዝገደፈልና ቃል ተቀቢሎም ዘንጸባረቁ ኣዮም፣ ቤተ ክርስትያን ከአ በዚ ቃል እዚ ተመጊባ በቲ ዓለም ዘቅርበላ ስደትን እግዚአብሔር ዝህባ ጽንዓትን ናይዚ ምድርዚ ጉዕዞ ንግደታ ትፍጽም አላ፣ ካብ ጸጋታት ናይቲ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ነቲ ብውሽጢ ይኹን ብደገ ዘጓንፋ መቊሰልትን ጸገማትን ብትዕግሥትን ብፍቅርን ንከተሸንፎም ትቃለስ፣ ጐይታ ከአ በቲ ወትሩ ሐዲሽ ዝኾነ ተልእኾ ድህነቱ ንኩሎም ወለዶ ደቂ ሰባት ናባኡ ይስሕብ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ አብ እምነት ንዝርከብ ታሓጓስ ንምርካብን እምነትካ አብ ምትሕልላፍ ንዘሎ ፍናን እንደገና ንምብርባርን ቤተ ክርስትያን ንሐዲሽ ስብከተ ወንጌል ተአማሚና ክትብገስ የድሊ፣ እምነት ወትሩ ፈራዩ እዩ፣ ምኽንያቱ ከአ ንልብና አብ ተስፋ የስፍሖ እሞ ሓዲሽ ወለዶ ከትፈሪ ዘኽእል ምስክርነት ይልግስ፣ እኳ ደአ ንልብን አእምሮን ናይቶም ንዕድመ ጐይታ ተቀቢሎም ንቃሉ ዝእዘዙ ይኸፍት፣ እምነት ብምእማን ጥራሕ እያ ክትዓቢ እትኽእል፣ ካልእ መንገዲ የሎን፣ ንኩለንትናኻ አብ ኢድ አምላኽ ብምውፋይ እንተዘይኮይኑ ክንዓቢ አይንኽእልን ምኽንያቱ ምንጭና እግዚአብሔር ስለዝኾነ፣ አብ ርእሲኡ ትሕዝቶ እምነትናን ተግባርናን ሐደ ክኸውን የድሊ፣ እምነት ናይ ግሊ ጉዳይ ቢልካ ዝሕለፍ አይኮነን፣ እምነት ምስ ጐይታ ክትከውን ንአኡን ምሳኡን ክትነብር ምውሳን እዩ ስለዝኾነ ከአ አብ ቃልዕ አብ ማእከል ሕዝቢ ክትምስክርን ኃላፍነትካ ክትዋጻእን አሎካ፣ ነቶም ዘይአምኑ እሞ ብንጹሕ ኅልና ንሓቂ ሃሰስ ዝብሉ እዚ መባእታ እምነት ምዃኑ ብምዝካር ትሕዝቶ እምነትና አብቲ ብ11 ጥቅምቲ 1992 ዓም ቅድሚ 20 ዓመት ዝተሓትመ ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን አሎ፣ ኮይኑ ግን ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትኽክለኛ ትርጉሙ ዝግለጽ ብእምነት ሥርዓተ አምልኾን ጸሎትን እንተ ተሰንዩ ጥራሕ እዩ እንክብሉ ውህደት ናይ ኩሉ አብርሁ፣ዓመት እምነት ንፍቅሪ ወይ ምግባረ ሠናይ ዘበልጽግ እውን ክኸውን ዘለዎም ትምኒት ገሊጾም ከመይ ሃይማኖት ብዘይ ግብሪ ምውቲ ስለዝኾነት፣ አብነት እምነትን ተግባርን ዝኾኑና ካብ እኖና እግዚእትነ ማርያም ጀሚርካ ብዙሓት ቅዱሳት ከምዝለው ብምዝካር እምነትና ከአ ጐይታ ንክፍአትን ሞትን ከምዘሸነፎ ብጽኑዕ ንአምን በዚ ከአ ንኩሉ አብ ኢዱ ነማሕጽኖ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.