2011-10-18 14:59:49

ፊሊፒስ፥ ኣብ ልዕሊ ውንጌላዊ ልኡኽ ካህን ዝወረደ ናይ ሞት ሓደጋ


ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተቛም ኣባል 59 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ ፊሊፒንስ ካብ 30 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ተልእኮ ወንጌል ተጸሚዶምን ኣብ ማኅበራውን RealAudioMP3 ሰብኣውን ሕንጸት ድኻታት ህዝቢ ዘገልግሎ ዝነበሩ ኢጣሊያዊ ኣባ ፋውስቶ ተንቶሪዮ ትማሊ ንጎሆ ኣብ ፊሊፒስን ደሴት ሚንዳናው ከምእተቐሉ እንክንገር፣ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ኪዳፓዋን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮሙሎ ደ ላ ክሩዝ ዝተሰምዖን ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም ኣባ ፋውስቶ ተንቶሪዮ ሕይወት ንሞት ሓደጋ ዘቃልዔ ገበነይና ተለልዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርብ ንናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታን ምምሕዳርን ከምዝሓተቱ ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ክምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ነፍሰ ኄር ኣባ ተንቶሪዮ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ዝተወለዱላ ከተማ ኮሞ ናይ ፍትሓት ጸሎት ከምእተፈጸመን፣ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ተቛም ኣባል ብሰብ ኢድ ክቕተል እዚ ናይ ኣባ ተንቶሪዮ መቕተልቲ ሳልሳይ ምዃኑ ናይዚ ጳጳሳዊ ተቛም መግለጺ ሓቢሩ።
ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተቛም ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ጃኒ ረ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣባ ተንቶሪዮ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ኣብ ማኪናኦም ኣናደየቡ እንከለዉ ብዝተተኮሰ ጥይት ከምእተቐትሉ ገሊጾም ኣብ ፊሊፒንስ ከባቢ ኪዳፓዋን ናይ ካህናትን ገዳማውያንን ሕይወት ብተደጋጋሚ ንሓደጋ ከምዝቃላዕ ገሊጾም፣ ስለምታይ ዝብል ሕቶ ብሓቂ መልሲ ክረክብ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ መላእ ፊሊፒንስ ማኅበራዊ ሰላም ክረጋገጽን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክተባባዕ ቤተ ክርስትያንን ልኡካነ ወንጌልን ዘካይድዎ ጎስጓስ ምኽንያት ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ዝርኤ ኢዩ። ሓቀይና ኣብሣሪ ወንጌል ምዃን ንደም ሰማዕትነት ዘቓልዕ ኢዩ። ደም ሰማዕታት ንማኅበራዊ ሰላም ሕይወት ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን ቢሎም፣ እቲ ንሞት ሓደጋ ዘቃልዓና ወንጌላውነት ሕይወትና ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.