2011-10-18 14:56:09

ደንበ ኣሕዛብ፥ ዘተ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን


ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያን ደንበ ኣሕዛብ ብዝብል ዕላማ ዘነቓቕሖ ናይ ሓባር ዘተ መሠረት፣ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ ናይ ዝተፈላለየ ጨንፈር ሥነ ባህሊ ሊቃውንቲ ብዛዕባ ጥበብን ሃይማኖትን ከምዝዘተዩ ናይ ባህሊ ጉዳይ RealAudioMP3 ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና ሓቢሩ።
ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ብዛዕባ መደብ ደንበ ኣሕዛብ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣዚ መደብ ኣብ ፈረንሳ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ሓደ ኢሉ ድሕሪ ምጅማሩ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣድላይነቱን ተደላይነቱን እናዓዘዘ ብኣመንቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብዝተፈላለዩ ናይ ሥነ ባህሊ ኣማንያንን ኢኣማንያን ሊቃውንቲ እውን ትኩረት ዝግበረሉ ናይ ባህሊ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ መደብ ደንበ ኣሕዛብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሮማኒያ ርእሰ ከተማ ቡካረስት ከምእተኻየደን ኣብ ባርቸሎና ኣብ ስቶኮልም ኣብ ቲራና ፓለርሞን ማርሲሊያን ዘካይዶም መደብ ዘተን ዓውደ መጽናዕትታት እውን ከምዘለዎ ጠቒሶም፣ ኣብ ከባቢ ኤውሮጳ ዘዳለዎም መደባት ምስ ፈጸመ ናብ ሕቡራት መንግሥታታ ኣመሪካን ካናዳን ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ክብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ብዙሕ ግዜ እዚ መደብን ብዛዕባ ዝዝትየሎም ርእሰ ጉዳያት ምስ መናብርተ ጥበብን ናይ ባህሊ ተቛማትን ከምኡ እውን ምስ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ብምትሕብባር ዝዳለው ከምዝኾነ ምስ ገለጹ ኣብ ኢጣሊያ ብዛዕባ ዝተኻየዱ መደባትን ዝዳሕሰሶም ነጥብታት ብቤት ማሕተም ዶን ዜሊ ዝቐረበ ክልተ ተኸታታሊ መጻሓፍ ድሮ ንንባብ በቒዑ ኣሎ ምስ በሉ፣ እዚ ትማሊ ኣብ ፊረንዘ ዝተኻየደ ኣብ ጥበብን ሃይማኖትን ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዘተየ ዓወደ መጽናዕቲ ፊረንዘ ከተማ ናይ ሥነ ጽባቐን ሥነ ጥበብ ብምዃና ኣብ ኅብረ ባህሊ ዘለዋ ግደ ግምት ዝሃበ እዩ ኢሎም።
እቲ ኣብ ቡካሬስት ዝተኻየደ መደብ ዘተ፣ ሮማኒያ በቲ ዘሕለፈቶ ናይ ደሴነት ሥርዓተ መንግሥቲ ዝተኣታተወ ባህሊ ኢኣማኒያንነትን ኣብ ዓለም እቲ ፍሉይ ዘብላ ድማ ኣብ መናብርተ ጥበብ ሮማኒያ ህላዌ እግዚኣብሔር ዝኽሕድ ሥነ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት መደብ ትምህርቲ ዝወሃብ ምዃኑ ኢዩ። ስለዚህ ኣብ ቡካሬስት ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያን ዝተኻየደ ናይ ዘተ መደብ ኣገዳስነቱ ዘድምዔ ኢዩ ኢሎም።
ብሔራዊ ሕዝባዊ ሥነ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ዘንጸባርቕ ብሉይ ባህልን ኣቲ ብግብሪ ዝንበር ሥነ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት እምነትን፣ ከማኡ እውን ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ብዘይ ፍላጥ ዝነብሮን ብምኽንያት ሕጸርት ሕንጸት ዝንበርን ብሥነ ኣግባብ ዝተመርሔ ሥነ ፍልጠት ኣልቦ ኣግዚኣብሔርነት ብጠቕላላ ካብ ጥንቲ ክሳብ እዚ እዋን ዘሎ ኣልቦ እግዚኣብሔርነት ዝድህስስ መደብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.