2011-10-15 15:20:16

ዳግማይ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል


ክሳብ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ሓደስቲ ልኡካነ ወንጌል ንዳግማዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ጳጳሳዊ ሓልዮ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ዘዳለዎ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ኣዳራሽ ሲኖዶስ ይካየድ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ነቲ ጉባኤ ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመሩ ናይቲ ጉባኤ ኣሰናዳኢ ጳጳሳዊ ሓልዮ ዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ቤተ ክርስትያን ብናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፍነት ዘገልግሉ ተመክሮ ተልእኾ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ብምልውዋጥ ቀጺሉ ከምዝወዓለን ክንገር እንከሎ፣ ጽባሕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 18.30 ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን ቅዱስነቶም መሪሕ ሥልጣናዊ ቃል ክልግሱ ምዃኖም እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፋ ዘለዋ ናይቲ “ማኅበረሰብ ሓደስቲ ኣድማስ (ትርኢት)” መሥራቲትን ናይቲ ዳግማያ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪት ኪያራ ኣሚራንተ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣመልኪተን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ንእግዚኣብሔር በቲ ጊዚያዊ ደስታ ተኪኡ እቲ መሠረት እውነተይናን ፍጹም ሓጎስ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘንጊዑን መንእሰይ ወለዶ ሓጎስ ብዙሕ ጊዜ ናይ ሞት መገዲ ኮይኑ ብዝርከቡ መገድታት ዓለም ከናድን ኣብቲ ሰለይ እናበለ ናይቲ ነፍሲ ዝቐትል ሰብ ሠርሖ መሰል ገነት ግዙእ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፣ ዳግማይ ወይ ድማ ሓድሽ ተበግሶ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣዚዩ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ” ዝብሎ ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ ጥራሕ ዝህቦ ፍጹም ሓጎስ ብሓድሽ መንፈስ ምስክር ኰይንካ ምንባር ማለት ኢዩ ኢለን።
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣዋን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ሓደስቲ ምንቅስቃሳት ዝተወለዳሉ ብምዃኑ፣ ብሓቂ እጹብ ጊዜ ኢዩ። እተን ምንቅስቓሳት ብኣስተንፍሶ ቅዱስ መንፈስ ዝተለዓዓላ ብምዃነን፣ ብግልጺ ምእንቲ ንሓባራዊ ጥቅሚ ዝኣመተ ናይ ተልእኾ ዕላማ ዘነጽር መንፈሳዊ ኅያብ ዝተዓደላ ኢያተን፣ ስለዚህ ኣብ መልእኽቲ ወንጌል ተሰሪተን ብማኅበራዊ ሕይወት ኣነባብራኤን ዓለም ምስቲ ሓቀይና ፍቅርን ወንጌል ሰውራ ክራኸብን ማኅበረ ክርስትያን ምስ ክርስቶስ ክሓብርን ኣብ ወንጌል ተሠሪቶም እቲ ናይ ሰላምን ሓጎስን ናጽነትን ቃል እግዚኣብሔር ብሓድሽ ኣድማስ ክነብሩ ዝድግፋ እየን።
ኣብዚ መዳይ ደቀ ንስትዮ በቲ ናይቲ ናይ ምእንጋድ ፍቕሪ ብቓዓት ዘዕትረን ናይ ኣደነት ባህርይኤን መሠረት እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮጦስ ምዕራፍ 13 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 13 ብዛዕባ ልዑልነት ፍቕሪ ዝምስክሮን ብዝለዓለ ደረጃ ድማ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ኣግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ ዝብሎን ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ዝዓበየ ፍቕሪ የሎን ዝብሎ፣ ባህርይ ኣደነት ደቀ ንስትዮ ምእንጋድ እቲ ሓቀይና ፍቕሪ ኢዩ። እዚ ድማ ናይ መሠረት ናይ ሕይወት ባህሊ ከምዝኾነ ኣረድኤን፣ ስለዚህ ነቲ ሕይወት ክህብ ዝመጸ በዚ መሠረት ኣብ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተራኤን ክሳብ ክንደይ ልዑል ምዃኑ ምርዳእ ኣየጸግምን ኢዩ። ከምቲ ቅድስቲ ተረዛ ዘ ሕፃነት ኢየሱስ እትብሎ ኣብ መወዳእታ “ግቡእ ቦታይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ረኸብክዎ፣ እዚ ድማ ፍቕሪ ኢዩ” ዝበለቶ፣ ደቀ ንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያን ግዴኤን ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ። ዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣደኣዊ ባህርይ እውን ዘድልዮ ኢዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።








All the contents on this site are copyrighted ©.