2011-10-14 09:53:04

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ መሰልን ፍቓድን ምኽባር ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሠረት ኢዩ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ነቲ ልሙድ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ኣቕሪቦም ምስ ፈጸሙ፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብታ ብመሠረት ሕዝባዊ ናዕቢ ለውጢ ዝረኣየላ ዘሎ ታርኽ ሓዳስ ግብጺ ዘሕዝን ምዕራፍ ኮይኑ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ናይታ ሃገር ኦርቶዶክስ ምእመናን ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘኪሮም። እቲ ናይታ ሃገር ምእመናን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ብጉጅለ ኣኽረርቲ ምስልምና ዝተፈጸመ ናይ ባርዕ ሓደጋ ብምቅዋም፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነትን መሰልን ፍቓድን ክኽበር ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ እንከለዉ ካብ ኃይሊ ጸጥታን ጉጅለ ኣኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ብዝወረዶም መጥቓዕቲ 24 ናይ ሞት ሓደጋ ልዕሊ 200 ማሕሰይቲ ከምዘጓነፎም እንክንገር፣ ካልኦት ናይ ዜና ምንጭታት ከምዘመልክትዎ ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶም 36 ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፣ ነቲ ኅልው ኩነታት ግብጺ ዘኪሮም ዝተሰምዖም ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም፣ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰልን ፍቓድን ምኽባር ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሠረት ምዃኑ ብምምልካት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ኣብቲ ሓዘን ናይ ምውታት ሥድራ ቤት ሓዘንን ብፍላይ ኣብቲ ኣብ እዋን ለውጥን ምስግጋርን ኣብ እትርከብ ሃገር እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ብዅሉ ክንክን ክብገረሉ ዘድልዮ ናይ ሓባር ናብራ ንሓደጋ ብዘቃልዑ ፈተናታት ናይ ዝሳቐ ዘሎ መላእ ሕዝቢ ግብጺ ስቓይ ተኻፋልነቶም ብምርግጋጽ፣ ኩሉ ምእመን ሕዝቢ ግብጺ ኣብ ፍትሕን ሕድ ሕዳዊ ምክብባራን ነጻነትን ሰብኣዊ ክብሪ ናይ ኩሉ ዜጋ ኣብ ምኽባር ዝቖመ ሓቀይና ሰላም ከስተማቕር ክጽሊ ሓደራ ኢሎም።
ኣብዚ ስንኩፍ ኩነት ናይ ግብጺ መንግሥትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕትን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ከምኡ እውን ንሃገራዊ ሓድነት ሓጋዚ ዝኾነ ብፍላይ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክውንነት ኣሚቶም ክዓዩ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ድሕሪ እቲ ሰንበት ዝተኸስተ ዘሕዝን ሓደጋ፣ ናይ ግብጺ ናይ መሰጋገሪ ግዚያዊ መንግሥቲ ሥልጣኑ ከረክብ ኢዩ ዝብል ጽንጽንታ ክስማዕ ክምዝደረኸ እንክንገር፣ መንግሥቲ ግብጺ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ዜና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እንክብል ናይ ነጸጌታ መግለጺ ከምዝሃበሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ምኽትል መራሔ መንግሥትን ናይ ኤኮኖሚ ሚኒስትርን ካብ ሥልጣኖም ክወርዱ ብፍቓዶም ዘቕረብዎ ሕቶ ናይታ ሃገር ናይ መሠጋገሪ ግዚያዊ ወተሃደራዊ መንግሥቲ መራሒ ሁሰይን ታንታዊ ከምዝነጸግዎ ተሓቢሩ።
ብዛዕባ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኸስተ ዕግርግ ኣመልኪቶም ኣብ ግብጺ ናይ ፍራንቸስካውያን ማኅበር ሓለቓ ኃው ካማል ዊሊያም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፣ ግብጺ ኣብዚ እዋን ንሕዝባዊ ምርጫ ኣብ እትሰናደወሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ክፍጠር ብዙሓት ከምዝብልዎ፣ ነቲ ሕዝባዊ ምርጫ ንምድንጓይ ዝኣመተ ኢዩ ዝመስል፣ ክርስትያን ክፍሊ ማኅበረሰብ ግብጺ መሰሎም ንኽሓቱ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይድሉ ዝኾነ ይኹን እዋን ስለምታይ ኢዩ ኩሉ ጊዜ ምስ ሓይሊ ጸጥታ ግጭት ዝፍጠር? ብሓቂ ግቡእ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ኢዩ።
ኣብቲ ዕለት 25 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ናይ ግብጺ ክርስትያን ማኅበረሰብ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሓት ናይ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ከምእተጸንበሩን ንቶም ክርስትያን ክጣበቑ እውን ከምእተራእዩ ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስላምን ዘሎ ናይ ምክብባርን ምድግጋፍን ሠናይ ተግባር ዘነጽር ኢዩ። እንተኾነ ግን ኩሉ ሳዕ ክርስትያን ክፍሊ ኅብረተሰብ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ ሰላማዊ ሰልፊ ፍጻሜ ስለምታይ ኢዩ ንሓደጋ ዝቃላዕ፣ ብፍላይ ግብጺ ኣብዚ ናይ መሠጋገር እዋን ሕጹያት ተመረጽቲ ኣስማቶም ኣብ ዘቕረብሉ ዘለውሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ጸረ ክርስትያን መእመናን መጥቃዕቲ ክወርድ ምርኣዩ ዘተሓሳብ ኢዩ። ኣብቲ ንኻየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ እቶም ኣኽረርቲ ምስልምና ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ከምዘይዕወቱ እተረኸቡ እውን 20% ድምጺ ኢዩ ዝብል ዝወሃብ ዘሎ ቅድመ ግምት እውን እንተሃለወ፣ ናይ ብዙሃን ህዝቢ ሕጽረት መሠረተ ትምህርቲ እቶም ኣኽረርቲ ከም ጥጡሕ ባይታ ኢዮም ዝጥቐምሉ ዘለዉ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.