2011-09-27 13:31:43

ፍልሰታ ለማርያም 2003 ዓ. ም. (2011)


መዝሙር፡ ተጋቢኦሙ በደመና. . . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡20~27፥ ራእ 11፡19~12፡1~6፥ ግ.ሓ. 1፡12~15፥ ሉቃ 1፡39~56
ምስባክ፡ ወትቀውም ንግስት በየማኒከ፥በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወሑብርት፥ ስምዒ ወለትዮ ወርኢ ወአጽምዒ እዝንኪ። “ንግስቲ ብወርቂ ተሰሎማ አብ የምንካ ትቐውም፥ ጓለይ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ ርአዪውን እዝንኺ ኸአ ጽለዊ” መዝ. 45፡9~10።
ሎሚ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ብዓላት እምነትና ዝኾነ ብዓለ ፍልስተ ለማርያም ዘኪርና ነብዕል አሎና። ወላ እኳ ፍልሰታ ለማርያም ክሳብ 1950 ዓ.ም. ብፕዮስ 12 ብዕሊ ዓንቀጽ እምነትና ኮይኑ ይተአወጅ አምበር ንዘመናት አብ ካቶሎካዊ እምነትና ጸኒዑ ዝጸንሐ እዩ። አብ ኩለን ምስራቓውያን አብያተ ክርስትያናት ካብ ሓምሻይ ክፍለ ዘምነ ጀሚሩ ፍልሰታ ለማርያም ይእመነሉን ቅቡልን ከም ዝነበረ አብ ትምህርቲ አበውን አብ ሰብከታትን ንረኸቦ። እዚ ብፕዮስ 12 ብሥግአ ንሰማይ ፈሊስ ኢሎም ዝአወጅዎ ሓዲስ አይኮነን እንታይ ደአ ነቲ ንነውሕ ዘመናት ጸዲቑ ዝቕጽል ዝነበረ ፍሉይ ንማርያም ጥራሕ ዝምልከት ዝነበረ አጽዲቖሞ።
አብ ዓድና ካብ 16 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ፍሉይ ምህልላ እና ተገብረ ብጾምን ብጸሎትን ምህልላን ነብዕሎ። አብ ኩሉ ስም ማርያም ይዝከር። አብዚ እዋን ኩሎም ምእመናን አብ ኩሉ ቁምስና አብ ኩሉ ገዳማት ፍሉይ ጸሎት የዕርጉ ዝዓበየ ዝነአሰ ለይቲ ስዓት ሰለስት ተንሲኦም ኩሎም ይምህለሉ፥ቅዳሴ ይሰምዑ፥ አብ አመዓልቲ ፍልሰታ ንዝኽሪ ማርያም ብፍላይ አብ ከባቢ ከረን እናዞሩ ብሓባር ግዓት ይበልዑ እቲ ዝገርም ግን አብ ክንዲ ደቂንስትዮ እናዞራ ዝበልዓ ደቂ ተባዕትዮ ይበልዑ ናብ ማርያም ዝቐረባ ንሳተን እየን ስለዚ ቀዳምነት ንአአተን መተዋህበ ብዝኾነ እቲ ስርዓት ከምኡ ስለ ዝጸንሐ ከምኡ አሎ፥ ማርያም ፍሉይ ቦታ አብ እምነትና አብ ቤተ ክርስትያና እናሃለዋ እንከሎ ደቂ አንስትዮ ክስምዓ እሞ ንቤተ ክርስትያነን ክመርሓ ጌና ቃልሲ አሎ። ብዝኾነ ማርያም አደ እያ ነራ አደታት ክነኽብር እንከሎና ንማርያም ነኽብር። ባህልና አብ ገሊኡ ነደታት ፍሉይ ክብሪ ይህበን እዩ። አደ ክትሓምም እንከላ ኩሉ ስድራ ይሓምም ንሓደ ዕርቂ ዝአበየ ሰብ ብወላዲትካ ተዓረቕ ኢልና ንልምኖ፥ አደ ፍልይቲ ተራ አልአ አብ ሕይወት ደ ቂ ሰባት፥ ብዝኾነ እቲ ቁምነገር ንማርያም ብፍሉይ ንዝክራ ምኽንያቱ አደናን አደ ጎይታንን ስለ ዝኾነት። አብ ኩሉ ስም ማርያም ንሰሚ ሓራስ እንቋዕ ማርያም መሓረትኪ ንብላ መሓሪት ስለ ዝኾነት፥ ዝተአስረ ማርያም ክተውጽአልና ንልምን፥ ለማናይ ብስም ማርያም ይልምን፥ ምእንቲ ሰላም ብስም ማርያም ንልምን፥ አብ ኩሉ ጸገማትና ክርህወልና ንማርያም ንልምን። ማርያም ንአና ንሕበሻ ፍልይቲ አደና እያ፥ ዓድና ዓዲ ማርያም እያ፥ ሎሚ ኸአ ፍሉይ ብዓልና እዩ።
ፍልሰታ ክነብዕል ከሎና ናይ ድንግል ማርያም ፍሉይ ሱታፌ አብ ትንሥኤ ወዳ ንዝክር። ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድኤት ማርያም ብሥግአን ነፍሳን አብ ሰማያዊ ክብሪ ክትሳተፍ ንሰማይ ፈሊሳ። ንሳ አብዚ ዓለም ድሕሪ ሞታ ነውሕ ከይጸንሐት ብቐጥታ ብመላእኽቲ ተዕጆባ ንሰማይ ፈሊሳ ይብለና ትውፊት እምነትና። እዚ ናይ ማርያም ንሰማይ ምፍላስ ንአና ምልክት ዝጽበየና ዘሎ ትንሣኤ ድሕሪ ምድራዊ ሕይወትና ምውድኡ ዝጽበየና ዘሎ ክብርን ግርማን ይሕብረና። ኩልና አብ ጉዕዞ ሰማይ ኢና ዘሎና። ሓደ መዓልቲ እንተ ብጽቡቅ እንተ ብግብርና አና ሓፈርና አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ክነብር ኢና። አምላኽ ብዝገበርናዮ ክፈርደና እዩ። እቶም ብመገዲ አምላኽ ዝተጓዕዙ አብ ሰማይ ምስ ማርያምን ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ኮይኖም ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ ንአምላኽ ከመስግኑን ክውድሱን እዮም። እቶም አብዚ ዓለም እንከለዉ ንሓቂ ሓዲጎም ንመገዲ ጸጋም ዝተጓዕዙ እሞ ብዘይ ንስሓ ዝሞቱ አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ክነብሩ እዮም ብኻልእ አዘራርባ አብ ገሃነም አብ ቦታ ስቓይ ክነብሩ እዮም። ሎሚ እቲ ምርጫ አብ ኢድና እዩ። ማርያም ምርጭአ ንአምላኽ ስለ ዝገበረት ሐራይ ኢላ ንኹሉ አብ ኢዱ አንቢራ ስለ ዝተጓዕዘት አብ ሰማይ ብሥግአን ብነፍሳን ምስኡ አብ ግርማ ክብሩ ትሳተፍ አላ።
ናይ ማርያም ፍልሰት ናይ ኩልና አብ ክርስቶስ አሚና እንነብር መወዳእታና እዩ። ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ “ኩላትና ካብ ሙታን ከምቲ ግርማ ዝለበሰ ክርስቶስ ኮና ብግርማ ክንትንሥእ ኢና፥ በቲ ሓይሊ ናይ እቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ምሉእን ፍጹምን ዝኾነ ሓድነት ብክርስቶስ አቢልና ምስ እግዚአብሔር አቦና ክንራኸብ ኢና፥ ከምቲ ሕጂ ማርያም በቲ ፍልሰታ ምኽንያት እትነብሮ ዘላ ንሕና እውን ከምኡ ክንረክብ ኢና” ይብለና። አብዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንዝጽበየና ዘሎ ትንሣኤ ከይደኸምና ክንሓስበሉ የጠንቅቐና። መጻኢ ሓጎስና ሎሚ አብ እንገብሮ እዩ ዝምስረት። ሎሚ መንገዱን ሕይወቱን እንተ ተኸተልና ዓወትን ትንሥኤን ክንረክብ ኢና።
አብ መብዝሕትኦም ምስራቓውያን አብያተ ክርስትያናት ፍሉይ አኽብሮትን ጸሎትን ንማርያም ዝርኢ አልኦም። አብ ስርዓትና አብ ውዳሴ ማኣርያም ከምኡ አብ ክልቲኡ አኮቴት ቍርባን ናይ ማርያም ፍሉይ ጸሎትን እምነትን አብ ማርያም ዘሎና ንረክብ። ምስ ናትና ዝሰማማዕ አብ ናይ ባዝንትንያን ስርዓት ዝኽተሉ አብ ዝገብር ጸሎት ከምዚ ዝብል እውን ንረክብ፡ “ኦ ወላዲተ አምላኽ እናወልድኪ እንከሎኺ ድንግልናኺ አይፈረሰን፥ አብ ድቃስኪ (ሞትኪ) ‘Dotmtion’ ንዓለም አይሓደግክዮን፥ ግን ከአ ምስቲ ምንጪ ሕይወት ዝኾነ ትነብሪ አሎኺ፥ ነቲ ሕያው አምላኽ ዝኾነ አብ ማሕፀንኪ ጾርክዮ፥ ብጸሎትኪ ንነፍሳትና ካብ ሞት ክተድሕንየን ኢኺ” ዝብል ጸሎት ናይ ማርያም ርክብ ምስ አምላኽን ምሳና ዘለዋ ርክብን ይገልጽ ንሳ መንጎኛና እያ።
ስለምንታይ እዩ እዚ ኹሉ አምላኽ አብ ማርያም ዝገበሮ? ስለምንታይ ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ከም እትፈልስ ገርዋ? ብርግጽ እዚ እዩ ኢልና መልሲ ክንህብ አይንኽእልን ኢና ምኽንያቱ ፍልሰታ ምስጢር እዩ፥ ናይ እምነት ምስጢር ብምልኡ ክንርድኦ አይንኽእልን ኢና። ግን ክንአምኖ አሎና ሽዑ እምነትና አብ ርድኢትና አይምስረትን እዩ፥ አብ መልዕልተ ብኅህርያዊ እምነት ይምስረት። እምነት ዝትሓዝ ዝጭብጥ እንተኾነ እምነት አይኮነን። እምነት ክትርድኦ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ከም ዘሎ ምእማን ከምኡ እዩ። ብምልኡ አይንፍለጦ እምበር ብእምነት ናይ አምላኽ ነገር ክንፈልጥ ብመጠኑ ዓቕሚ አሎና። ሓደ ፍላስፋ ዘይአምን አብቲ ፍልጠቱን ምርምሩን ጥራሕ ብምርአይ አብ እምነት ክበጽሕ ይኽእል እዩ። እምነት ማለት ብድብዱቡ ሱቕ ኢልካ እትቕበሎ ምስጢር አይኮነን። አእምሮ ወድሰብ አብ መልዕለት ባሕርይ ዘሎ ነገር ብመጠኑ ዝገልጽ ነገራት አልኦ። እዚ አብቲ ለባዊ ፍጡር ምኻኑ እዩ ዝምስረት።
ንምስጢር ፍልሰታ ማርያም ብመጠኑ ክንርድኦ ንኽእል ኢና፥ አብ ሓቂን ርግጽነትን ተመስሪትና ኸአ ፍልሰታ ማርያም ከም ዝተፈጸመ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። እዚ ኸአ ከም አደ ኢየሱስ ክርስቶስ አደ አምላኽ እያ፥ ሰውነታ እቲ ንጹሕ ብዘይ ኃጢአት ዝተጸንሰ ሰውነታ፥ ነቲ ሰብ ዝኾነ አምላኽ ሰውነቱ አብ ከርሳ ጸራቶ። ስለዚ ክርስቶስ ፍሉይ ርክብ ምስ ሰውነት ማርያም አለዎ፥ ብምስጢራውን ግዙፍ ብዘይኮነ መገድን ሰውነት ክርስቶስ ብመጠኑ ሰውነት ማርያም እዩ። እዚ ፍሉይ ርክብ ባህርይ ምስ ክርስቶስ ፍሉይ ጸጋ ከም እትረክብ ይገብራ። ሰብ ምስ አምላኽ ብግብሩ እኳ ጽቡቕ ርክብ ክገብር እንከሎ ፍሉይ ጸጋ ይዕደል። ማርያም ፍሉይ ጸጋ ተዓዲላ እያ ስለዚ አብአ ዓበይቲ ነገራት ገሩላ እዩ። ሓደ ካብኡ ብነፍሳን ብሥግአን ንሰማይ ምፍላስ እዩ።
አብ መዓልቲ ዕርገት ኢየሱስ ንሰማይ ምስ ዓረገ ድሮ ግርማ እቲ ካብአ ዝወሰዶ ሥጋ ከቢሩ። በዚ ኸአ ንሥጋ ማርያም አኽቢርዎ እዩ። ንሳ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ወድኤት ብስሥግአን ብነፍሳን ክትከብር ግድን እዩ። ናይዚ መሰረ አብቲ ናይ ወዳ ክብሪ ተመስሪቱ እዩ።
አብ ራእይ ዮሓንስ ንሎሚ ዝተነበ ከም ዝሕብሮ ነዚ ሓቂ ይነግረና። ቃል ንቓሉ ዘይ ኮነ ኩሉ ትሕዝትኡ ምስ ናይ ማርያም ፍልሰት ይሰማማዕ። ማርያም ከም ፀሓይ ተወንዚፋ ወርኂ ብእግራ ረጊጻ ዓሰርተ ኽልተ ከዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ደፊአ ከም ሓቲ ልዕሊ ኹሉ ፍጥረት ተራእየት። ብዙሓት እዚ ንቤተ ክርስትያን እዩ ዝርኢ ይበሉ እምበር ማርያም ብዙሕ ጊዜ አደ እያ እትርኤ፥ አደ አምላኽ፥ አደ ኹልና፥ አደ ቤተ ክርስትያንን። እዚ ኸአ አምሳል እቲ ኩልና ክንኮኖ ዘሎና እያ።
ሎሚ ብዓል ማርያም አደ አምላኽ፥ ሰማያዊት አደና ኢና እነብዕል ዘሎና። ግን ልዕሊ እዚ ካልእ እውን አልአ ንሳ ልዕሊ አደና ምዃን ንሕና ከም ተኸተልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ መጠን ሓፍትና እያ። ከም ሓንቲ እምንቲ ተኸታሊት አብነትና እያ፥ አብነትና ከመይ ኢልና ክርስትያናዊ ሕይወትን ከም እንነብር፥ አብነትና አብ ተስፋን እምነትን። ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ንሳ ካብቶም ናይ መጀምርያ ፍረ እያ። መጀመርያ ፍረ ናይ እቶም ኩሎም ምስ ክርስቶስ ዝኾኑ እሞ አብ ዓወቱ እትዕወት። ነዚ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሉቃስ ብንጹር ንርእዮ።
መንእሰይ ማርያም ብመልአኽ ናይ እቲ ብዓድመ ድፊአ አሞ አብ እርጋና ነፍሰጾር ዝነበረት ዘመደ ኤልሳቤጥ ምስ ሰምዔት ተቐላጢፋ ናብ ዝበውንቲ ይሁዳ ከደት። ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ንመድኃኔ ዓለም አብ ከርሣ ጸራቶ ተጓዒዛ። አብ ቤተ ዘካርያስ ከአ ሒዛቶ አትያ። እንዳ ዘከርያስ አምላኽ አትይዎ። እንዳ ዘካርያስ ሓጎስ ተስፋ ርግአት አትይዎ። ኩሎም ብሓጎስ መሊኦም።
ማርያም ቀዳመይቲ እታ ዝበለጸት ረድኢ ኢየሱስ ከምዝኾነት አብቲ ኤልሳቤጥ ዝበለቶ ክንርኢ ንኽእል “ካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” እዚ እናበለት ከአ ሕፃን ብተሓጓስ አብ ከርሣ ተሰራሲሩ። ብሓቂ ዝገርም መልሲ ንሰላምታ ማርያም ዝተዋህበ መልሲ። ማርያም ብትሑት መገዲ ነቲ አብ ልዕሊአ ብአምላኽ ዝተገብረ ነገር ትገልጽ። ናይ እዚ ኹሉ በቲ ንሳ ጸራቶ ዘላ ወዳ ምዃኑ ትእመን። “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ከአ ብአምላኸይ መድኃንየ ደስ ይብሎ” እናበለት ትዝምር።
ሰለስቲኦም ማርያም፥ ኤልሳቤጥን ዮውሃንስን ነነድሕዶም ብመንፈስ ቅዱስ መሊኦም ሰላምታ ይውሃሃቡ እዚ ከአ ቅድሚ እቲ ክውለድ ዘለዎ መድኃኒ ምውላዱ ዝኾነ እዩ። አብዚ ፍሉይ ቆላሕታ ክንገብረሉ ዝግብአና ነገር አሎ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ መጀመርያ ብሕፃን አብ ከርሲ አዲኡ ዘሎ ሰላምታ በጺሕዎ፥ እዚ ጌና አብ ማሕጸን አዲኡ ዘሎ ሕፃን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ናይ እቲ ዝውለድ ንጉሥ አቐዲሙ አበሲሩ። እዚ እዩ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ህያብ አዚአብሔር ንአና እዩ። ንሱ ነቲ ናይ አምላኽ ተግባርን አብ ውሽጥና ምህላዉ ንሓይሉን ስልጣኑን ክንፈልጥን አብ ሕይወትና ብተግባር ከም እንርእዮን ይገብረና። መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር አብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍና ክነግስ እንከሎ እዩ።
ስለዚ ማርያም ብመንፈስ ቅዱስን ብጸጋን ዝመልኤት እታ ዝበለጸትን መጀመርታን ዝበለጸትን ርድኢ ኢየሱስ ብምሉእ ልባ ናይ አምላኽ መልክዕን ህያባትን ዝተቐበለት እያ። ካብዚ ኹሉ እንምሃሮ እግዚአብሔር ሕይወትና ብስሩዕ ክንመርሕ እንከሎና ይበጽሓና። አብዚ ናይ ክልተ ቤተሰብ ርክብ ናይ ክልተ ደቂ አንስትዮ ፍሉይ ህያብ ዝተቐበላ እቲ ርክባተን ብናይ አምላኽ ፍቕሪ ዝተመልኤ ንርኢ። ንሕና እውን አብ ኩሉ ሰብአዊ ተግባራትና አምላኽ ከምዘሎ ንርኢ። ንሱ ኩሉ ጊዜ ምሳና ኮይኑ ነቲ ጽቡቅ ነገር ክንሕዝ ይሕግዘና አብኡ ምስኡ ብአኡ ንነብር። በዚ መልክዕ ምስ አምላኽ ክንራኸብ እንከሎና አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ ማእከልና አሎ። በቲ ርሕሩሕ ፍቕሩ ኩሉ ጊዜ አብ ምሕረቱ እናሰሓበና እዩ።
ማርያም ከም መጠን ናይ ተስፋን እምነትን አብነትና ንሳ ነዚ ኹሉን ካልእን ትሕብረና። ንሳ ተልእኮአ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብእምነትን ተአዝዞን ተቐቢላ። ብዘይ ዝኾነ ጉድለት ናይ እምነትን ምጥርጣርን ትነብር ነራ ምኽንያቱ ንሳ አምላኽ ዝተዛረቦ ቃል ኩሉ ከም ዝፍጸም ትአምን ነራ። እቲ ናይ ምስጋና መዝሙር ከምቲ ሓና አደ ሳሙኤል ዝዘመረቶ (2ሳሙ 2፡1 ፍ) ገራ ዘሚራ ነቲ ብአምላኽ ዝተዋህባ ክብርን ዕብየትን ክትርኢ ክኢላ። አምላኽ አብ ትሑታት ዘልኦ ቆላሕታ ክትርኢ ክኢላ።
መንፈስ ቅዱስ እምነተናን አብ እግዚአብሔር ዘሎና እምነት ከምኡ ንእግዚአብሔ ብልብና ከም እነፍቅር ከምኡ ንሓውና ከምነፍስና ከም እንፍቅር ክገብረና አብ ውሽጥና ኮይኑ ክሕድስ ኩሉ ጊዜ ስንድው እዩ። ሎሚ እምብአር አግዚአብሔር አብ መንጎና ከም ዘሎ አሚና አብ እንጽልየሉ ዘሎና አብ ቅድሚ እዚ ቅዱስ መአዲ ቅዳሴ አዕንቲና ንሰማይ ቋሕ አቢልና አብቲ ኢየሱስን ማርያምን ዘለውዎ ንጠምት እሞ ዝጽበየና ቦታ ምኻኑ አለሊና አብኡ ዘብጽሓና ስንቂ ንሓዝ። አብ አምላኽ ንምለስ ነቲ አሰናድዩልና ዘሎ ክብሪ ክንረክብ ብዘይ ምድካም ክንጽዕር ጉዕዞ ሰማይ ምስ ማርያም ክንተሓሓዞ እሞ ሓግዘኒ ባርኸኒ ምርሓኒ ምእንቲ ወላዲትካ ኢልና ንኢየሱስ ንለምኖ።
ብፍሉይ ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ጸሎት ናብታ ሎሚ አብ ሰማይ ኮይና ረድኤታ ክተውርደልና ክእለት ዝተዋህባ አደናን አደ ምደኃኒናን ንጸሊ። ኦማርያም ምስ ኢየሱስ ወድኺ አብ ኩሉ ተጓዒዝኪ ሎሚ ግርማ ለቢስኪ አሎኺ እሞ አነ እውን ኩሉ ንአኽን ንወድኽን ዘሕጉስ ግብሪ ክገብር እሞ አብ ሓጎስ ወድኺ ክካፈል ሓግዝኒ ንበላ። ሥጋኡን ደሙን አብ እንቕበለሉ ዘሎና እዋን ሓጋዚትናን ረዳኢትናን ኩኒ እናበልና ንለምና።
እምብአር፡

ፍልሰታ ለማርያም ክነብዕል እንከሎና ናይ ንፍሲ ወከፍና መውዳእታ ንዘለዓለም ብነፍስን ብሥጋን ምስ እግዚአብሔር ምዃኑ ንዘክር። ናይ እቲ ዝመጽእ መንግስቲ አምላኽ መቕድም እዚ ሕጂ እነዕርጎ ዘሎና መስዋዕቲ እዩ ። ጉዕዞ መንግስተ ሰማይ ሎሚ ንተሓሓዚ እሞ ኦ ማርያም አደና ምርሕና ሓግዝና ርድእና ንበላ።
ርሑስ ብዓለ ፍልሰታ ለማርያም ንኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.