2011-09-27 13:31:20

ሰንበት ዘፍሬ 2004 ዓ.ም መስከረም 9 2004 ዓ.ም. (9/25/2011)


መዝሙር፡ እኩት አንተ ወስቡሕ ስምከ ወዓቢይ ኀይልከ. . . . ።
ንባባት፡ 2ቆሮ፡ 9፡1~ፍ፥ ያዕ. 5፡1~10፥ ግ.ሓ.19፡21~ፍ፥ ማር.4፡24~39
ምስባክ፡ ምድርኒ ወሃበት ፍሬሃ፥ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ፥ ወይባርከነ እግኢአብሔር። “ምድሪ ፍሬአ ትህብ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ይባርኸና፥ እግዚአብሔር ክባርኸና እዩ”። መዝ. 85፡12።
መዝሙር፡ “ኦ ጎይታይ ንፍሬ ምድርኻ ባርኽ ብኽረምቲ ብበረኸትካ እትኸፍት ጎይታ ከማኻ ዝበለ ጻድቕን መሓርን መን አሎ? እታ ጠምያ ነራ ዝጸገበት ነፍሲ ካብ ሞት ድኂና ትባርኸካ አላ፥ አብ ሰማይ እትቕመጥን ብትሑታት እትባረኽን ምስጉን ንስኻ ኢኻ። ስምካ ንኡድ ክእለትካ ድማ ዓቢይ እዩ። ንስኻ ኢኻ ንሰንበት ዕረፍቲ ገርካ ዝሰራዕካን ንኹሉ ዘዝግብኦ ምግቢ ዝሃብካዮን”።
እዋኑ እዋን ፍሬ ስለ ዝኾነ አብኡ ተመርኲሱ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዘርኢ ይዛረበና። ቃል እግዚአብሔር አብ ልብና ተዘሪኡ እቲ ዝግብኦ ፍረ ክፈሪ ከምዘልኦ ክንሓስብ እሞ አብ ሕይወትና አቲና አፍርየ ዘሎኹ መገዲ አምላኽ ሒዘ እጉዓዝ ዘሎኹ እናበልና ሕልናና ክንውከስ እሞ ሰናይ ፍረ ክንፈሪ ንሕተት አሎና።
አብ ዘራእቲ እንተ ረኤና አብ መንጎ ጽቡቕ ዘይፈሪ ከምኡ እኽሊ ተመሲሉ እኽሊ ዘይኮነ ግን ልክዕ እኽሊ ዝመስል ንርኢ አብ መጀመርያ ካብቲ ሓቀኛ እኽሊ ክትፈልዮ የጸግመካ ምስትውዓል የድልየካ፥ አብ ጊዜ ጻህያይ ክነስተውዕል ከምዘሎና እሞ ብእዋኑ ክንአልዮ ከም ዘሎና ክንሓስብ ይግብአና። ነዚ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክንርእዮ ከሎና ልብና ሕልናና ከም ግራት እዩ ዝኾነ ጽቡቕን ክፉእን ክበቕሎ ዝኽእል እዩ። ብእዋኑ እንታይ አብ ልብና ይዓቢ ከምዘሎ እንተ ዘየስተውዓልና ቁልላሕ አብ ልብና ከይበቁል ክንጥንቀቕ አሎና። ክፍአት አብ ልቢ ሰብ እንተ ዓብዩ ከም ልምዲ ክወስዶ ስለ ዝኽእል ክጽህይዮ ከጸግሞ እዩ ስለዚ ብእዋኑ ጻህያይ ወፊርካ እቲ ዝድለ ፍረ ክተፍሪ ምጽዓር የድሊ።
ማርቆስ ወንጌላዊ ናይ እግዚአብሔር ምልክን ምስኡ ክህልወና ዘልኦ ርክብ ክገልጽ ኢሉ አብ ማእከልና ከምዘሎ ይነግረና። ብዓይኒ እምነት ክንርእዮ ምእንቲ ምሳሌታት ይህበና። እንተ ኾነ መጀመርያ ክንሰምዖ ከሎና ጽልግልግ ዝበለ እምነት ንገብር። አብ እምነትና እቲ እንአምኖ ክንርእዮ ከምዘይንኽእል ንአምን ኢና። መንግስቲ አምላኽ ምስጢር እዩ መገዱን መወዳእታ ምስጢሩን ከምቲ ናይ ሓደ ዘርኢ ኩነት ዘይፍልጥ ከምኡ ምስጢር እዩ። ዘራአይን አማናይን ክልቲኦም ዕዉራት እዮም። ማርቆስ ሱቕ ክንብል ዝያዳ መግለጺ ከይንሓትት ኢሉ ይመስል ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ንብሕቶም ወሲዱ ኩሉ ይገልጸሎም ይብለና።
አብዚ መጀመርያ ምሳሌ ንመንግስቲ አምላኽ ምስቲ ሓረስታይ ዝዘርኦ ዘርኢ እናአወዳደረ ይገልጾ። ሓረስታይ ሓንሳብ ምስ ዘርኢ ክሳብ ቀውዒ ብተስፋ ይጽበ። እቲ ዘርኢ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ እንተ ረኤና ነቲ ናይ ተፈጥርኡ መገዲ ተኸቲሉ በብእዋኑ ዝተፈላለየ መልክዕ እና ለበሰ ይዓቢ። እዚ ኹሉ ከመይ ኢሉ ከም ዝኸውን እቲ ሓረስታይ ሓንቲ አይፈልጥን እዩ። ሓንቲ ዝኸውን ከምዘየለ እናምሰለ እቲ ምዕባይ ይቕጽል። ሓረስታይ ምሉእ ለይቲ ከይደቀሰ ሓዲሩ እውን ዝገብሮ ነገር የብሉን፥ እቲ ዝበቖለ ባዕሉ ናይ ተፈጥርኡ ሕጊ ተኸቲሉ ይዓቢ። አይህወኽን እዩ። መንግስቲ አምላኽ ከአ በቶም ብምህዋኽ ዝጸበዩ ሓንቲ ለውጢ አይገብርን እዩ። ከምቲ እቲ ዘርኢ ግዚኡ ምስ በጽሐ ፍረኡ ዝህብ መንግስቲ አምላኽ ከአ ከምኡ አብቲ አምላኽ ዘድልዮ ጊዜ ምስ በጽሔ ኩሉ ክግለጽ እዩ።
ዘርኢ ንጎሆ ንግሆ እንተ ተዓዘብናዮ ቁመት ክውስኽ ክዓቢ ንርእዮ፥ ካብ ዝነአሰ ክሳብ ዝዓበየ አብ ዝበለጸን ፍረ አብ ዝህበሉ ደረጃ ይበጽሕ። እዚ ምሳሌ እዚ ንሕና አመንቲ አብ ቅድሚ አምላኽ ሕይወትና እናመራሕና ዝበለጸ ፍረ ክነፍሪ ከም ዝግብአና ንርእስና ጥራሕ ዘይኮነ ሰባት ከም ዝፈርዩ ክንገብር ሓላፍነት ከምዘሎና ክንዝክር ይግብአና። ክተፍሪ ክትሓልፎ ዝግብአካ ደረጀን ጸበባን አሎ አብ ገለ እዋን ከይተፍሪ ዝዕንቅፍ ነገራት ክጓነፍ ይኽእል እዩ። አብ ዘርኢ ጻህያይ ብእዋኑ እንተ ዘይጻህየናዮ ፍረ አይገብርን እዩ፥ ብዓውል ተዋሒጡ ሓንቲ አይገብርን እዩ፥ ከምኡ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ጻህያይ ኃጢአትና ክንገብር ቤተክርስትያን ምስጢረ ኑዛዜ ሰሪዓትልና አላ መንፈሳዊ ጻህያይ ኃጢአትና ክንወፍር ይግብአና።
አብቲአ ካልአይቲ ምሳሌ ኢየሱስ ብንጹር ነቲ ክብሎ ዝደለዮ ይነግሮም። መንግስቲ አምላኽ ከምታ ንእሽቶ ዘርኢ ኦም እትዓቢ እሞ ምስ ዓበየት አዕዋፍ ሰማይን ኩሉ ዘጽልለላ ከምኡ ኸአ እያ መንግስቲ አምላኽ ይብሎም። አብ ዘመነ ቀደም ዘርኢ አድሪ እታ ዝደቐቐት ዘርኢ እያ እትሕሰብ ነራ። አብዚ ምሳሌ ኢየሱስ ዘተኩሮ አብቲ ምንአስ ናይ እቲ ዘርእን ክዓቢ እንከሎ ዘምጽኦ ለውጥን እና አወዳደረ ይዛረብ። ክጅምር እንከሎ ብዙሕ ለውጢ ክገብረ ዘይትርእየሉ ግን ምስ ዓበየ ዓቢ ለውጢ የምጽእ። ንእሽቶይ ምዃን መለክዒ ቁምነገር አይኮነን። እታ ንእሽቶ ዘርኢ ዝነበረት ዓብያ መጽለሊ ኩሎም አዕዋፍ ሰማይ ትኸውን። አብ ልምዲ አይሁድ አዕዋፍ ሰማይ ዝብል ቃል ነቶም አረማውያን አይሁድ ዘይኮኑ የስምዕ። አብ ሕዝቅኤል 17፡22~24 እንተ ረኤና “ ኩለን አዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን አብ ትሕቲ ጨናፍራ ድማ ኼጽልላ እየን” ዝብል ነንብብ እዚ ኸአ ነቶም አረማውያን አህዛብ አብ ከባቢኦም ዝነበሩ ከስምዕ ኢሉ እዩ። ልክዕ አብ ትምህርቲ ኢየሱስ መንግስቲ አምላኽ ንኹሎም አህዛብ ክፉት እዩ። ናይ እቲ መንግስቲ ዕብየት ካብዛ ንእሽቶይ ተኽሊ ጀሚሩ ምእንቲ ጥቕሚ ኩሉ ህዝቢ እዩ፥ ናይ ዝኾነ ፍሉይ ህዝቢ አይኮነን ናይ ኩሉ እዩ።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘስተምሃረና ኩልና አብ ቅድሚ አምላኽ ሓደ ኢና ሓደ ካብ ሓደ ዝበልጽ የለን። ፍቕሪ አምላኽ ንኹልና ክፉት እዩ። እቲ ዝፈላልየና ገለና ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ሰሚዕና አብ ገብሪ ነውዕሎ መብዝሕትና ግን ንድለት አምላኽ ብድለትና ንመገዲ አምላኽ ብመገድና ንኹሉ ብናትና ንትክኦ ሽዑ ኩሉ ጠፊኡና ናይ አምላኽ ምዃናን ሓደ ምዃናን ሓዲግና አብ ፍልልይን ዘይድለ ግፍዒ አብ መንጎና ክንገብር ንርኤ። ኢየሱስ ግን ሓደ መጓሰ ኢኹም ይብለና እሞ አብ ሓደ ደምበ ተረኸቡ ይብልና እዚ እዩ ድላዩ።
አብትሕቲ እታ ዓባይ ኦም አምላኽ አጽልሉ። ብእምነት አብአ ጠምቱ። ብእምነት ክንዓቢ እሞ መጽለልቲ ኩሉ ክንከውን አምላኽ ይደልየና። አብ ትሕተና ዝርከቡ ደቅና ፈተውትና ጽላል ክንኮኖም አምላኽ ይደልየና። ቅድሚ ጽላል ምዃና ክንዓቢ ክንፈሪ ጽላል ዝኸውን ጭናፍር ክነብቁል የድሊ። ኦም ምስ ዓበየ እዩ ፍረ ዝህብ። ምስ ዓበየ ፍረ እንተ ዘይሃበ ዕጭኡ ምቝራጽ እዩ። ብሓጢአትና ፍረ ምሃብ ከይንስእን አምላኽ ከይቆርጸና ሎሚ ፍረ ክንህብ ንጽዓር።
አብ ጽላል ዝርከብ ዕረፍቲ አልኦ ጣዕሚ ይስምዖ ደኺሙ እንተ ነበረ ቀልጢፉ ዕረፍቲ ይስምዖ፥ ጽላል አሕዋትና ክንከውን ድላይ አምላኽ እዩ። ከጽልል ንዝመጸ ሓውና/ሓፍትና ከይንነፍጎም ክንጥንቀቕ አሎና። ዘጽልሎም ስኢኖም አብ መሪር ፀሓይ ጥራሕ ዝኸዱ ብዙሓት እዮም ሎሚ ንዑ አጽልሉ አብ ቤት አምላኽ አቲኹም አጽልሉ ንበሎም።
አብ ታሪኽ እምነትና እታ ክርስቶስ ዝተኸላ ዘርኢ ካብታ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዘርአ ክሳብ ሎሚ ክሳብ ክንደይ ዓባይን ጽላልን ኮይና ከምዘላ ብሩህ እዩ ንኹልና። እታ ኢየሱስ ዝተኸላ ዘርኢ ዓብያ አብ ኩሉ ዓለም በጺሓ ንርእያ አሎና። አብ ታሪኽን ሕይወት ደቂ ሰባትን ዓቢ ለውጥን ጥቕምን ትዝርግሕ ከም ዘላ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እዚ ኹሉ ክትገብር ዝኸአለት መምህራን ንሱ ዝለአኾ መንፈስ ቅዱስን ይመርሕዋ ስለ ዘለዉ አይክትጠፍእን እያ። ግን ክትዓቢ ዝልአኽዋ የድልይዋ፥ አነን ንስኹምን ክንልአኽ ፍቓደኛታት ኮና ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንሰብኮ ክነብሮ ንሰባት ከምዝቕበልዎ ክንገብር ድላይ መምህርና ክርስቶስ እዩ። ክርስትና ንርእስካ ጥራሕ ሒዝካዮ እትነብር ሃብቲ አይኮነን ክመሓላለፍ ክንገር ክስበኽ አለዎ። ልኡኻት አምላኽ ኮና መልእኽቲ አምላኽ ነብጽሕ። ሎሚ ጸጊሙና ዘሎ ሰባት መልእኽቲ ሰብ ጥራሕ ዘብጽሑ ኮይኖም። አብ ገለ እዋን ወላ እቶም ሕይወቶም ልኡኻት አምላኽ ክንከውን ኢና ኢሎም ሕይወቶም ዝሃቡ ዘንጊዖም ይርኤ። እቲ ተሓድሶ እምብአር ንኹልና ዝትንክፍ እዩ። አብ ቤት አምላኽ ኤእጃምና ክነበርክት ከሎና ወንጌል ክነብሮ ዓለምና ካብዚ እትህወኾ ክትቅይር አይከጸግምን እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ልኡኽ መን አሎኻ/ኺ ንብሃሃል። እዚ ክነፍሪ ክሕግዘና እዩ።
አምላኽ ሎሚ እውን አብ ኩሉ ይዘርእ አሎ። አብ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ አብቶም ንሕና ዘይንፈልጦም ሰባትን ቦታታትን ይሰርሕ አሎ። እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ እዩ ዝሰርሕ። አብ መብዝሕትኡ ከመይ ኢሉ ከምዝዓቢ ክንርድኦ የጸግመና እዩ እንተኾነ እቲ ዘገድስ እግዚአብሔር ስለ ዝኾነ ዋንኡ ንሕና ክንዘርእ ክንኩስኩስ እዩ እቲ ዕጫና።
አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን ምስ ሓዲስ መንፈስን ዕጥቅን ንአምላኽ ዘሓጉስ ሕይወት ክነለብስ አብ ግራት አምላኽ ወፊርና ክነፍሪ ሰበኽቲ ወንጌል ምዃና ክንዝክር ይግብአና። ጸሎት ቀንዲ መለለይና ገርና ንአምላኽ ተዛሪብና ንክአል። አምላኽና ምሳና ክዕልል ይደሊ እዩ ግን ጊዜ ክንህቦ ምስኡ ጥራሕ ክንራኸብ ይግብአና። ብጽቡቕ እንተ ጀሚርና አብ ጉዕዞ አምላኽ ምሳና ስለ ዝህሉ ክንዕወት ኢና።
ነዚ ሓዲስ ዓመት ምስ ሓዲስ መንፈስን ሰናይ ትምኒትን ንጀምሮ፥ መደብና ገርና አብ ግራት አምላኽ ክንዓዪ ኩልና ብሓደ ንውፈር፥ ጓሳና ዝኾነ አምላኽ ብጽቡቕ አጀሚሩ አብ መውዳእታ ገለና ሰልሳ ገለና ስሳ ገለና ሚእቲ ክነፍሪ ድላይና ንግለጸሉ።
አደ ኩልና ዝኾነት ማርያም ሎሚ እውን ዓመትና ምስአ ንጀምሮ፥ ኦአደይ ናትኪ ክኸውን አብዚ ዓመት ነቲ ወድኺ ዝደልዮ ሒዘ ክጉዓዝ ለምንለይ እናበልና ንወከሳ። ንሳ ንድለት አምላኽ ልዕሊ ኩሉ ስለ እትፈልጦ ሓግዝና ምሃርና ንበላ።
ዓመት ጸጋን ምሕረትን ዓመት ብመንፈሳውነት እንዓብየሉ ዝበለጸ ፍረ ፍቕርን ምሕረትን እነዘውትረሉ ይግበረልና።
ምስ ሰናይ ትምኒት
አባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.