2011-09-21 17:30:02

ር.ሊጳ. በነዲክቶስ ብጹዓን ጳጳሳት ህንዲ ተቀቢሎም አዘራሪቦም።


ብፁዓን ጳጳሳት ህምዲ አብ ቫቲካን “ቪሲታ አድ ሊሚና “ ሐዋርያዊ ዑደት ይገብሩ ከም ዘለዉ ይዝከር።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንጳጳሳት ህንዲ አብ ካስተል ጋንዶልፎ መካነ አርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንብጹዓን ጳጳሳት ህንዲ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ነቶም ጳጳሳት ከም ዝግለጹሎም ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትርያን አብ ማሕበራዊ ሽግር ዝወደቁ ሰባት ክሕብሕቦም ፡ ምእንቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ክርከብን ሰብአዊ መሰል ሰባት ኽክበርን ክትጽዕር አለዋ ኢሎም።

ባህላዊ ክርስትና ህንዲ ጥንታዊ ከም ዝኾነ እዚ ባህሊ”ዚ ክዕቀብ ከም ዘለዎ ክአ ከም ዘተሐሳሰቡ ክአ እቲ ዜና አገንዚቡ።

ሃብቲ ህንዲ መዕበዪ ዘኽታማት አብያተ ትምህርቲ ወይ ክአ ገዳማት ዘይኮኑስ ምእመናን ከም ዝኾኑ ስለ ዝኾነ ጳጳሳት ምስ ካህናት ሐቢሮም ንምእመናን ክከናኸኑን ክጓስዩን ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተማሕጺኖም።

መንፈሳውን ንዋታውን ክንክን ምእመናን ሐደ ካብ ስራሕ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ክብሃል ከሎ አብ ትሕቲ ጽላል ቤተ ክርስትያን ዝርከቡ ምአናን ማለት ከም ዝኾነ ክአ ከም ዘገንዘቡ ተፈሊጡ አሎ።

ብመሠረቱ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አደ ድኻታት መለኮታዊ መልእክቲ ድሕነት ክርስቶስ ክሰምዑ ንዝእከቡ ምአመንን ምጉሳይ ከም ትሰርሕ ካአ ቅድሱ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝገለጹ ይምልከት ።

ትምህረተ ክርስቶስ አድላዪ ከም ዝኾነን ምእመናን መሰረታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክቀስሙ ክፈልጡ ክግንዘቡ ክርድኡ ቀጻሊ ጻዕሪ ካከየድ ከም ዘለዎ በነዲክቶስ መበል 16 አተሐሒዞም ንጳጳሳት ህንዲ ከም ዝገለጹሎም ክአ ይምለክት ።

ብአምሳል እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ርክብ ክህልዎ ዘኽእሎ ኩነታት ምርካብን አብ ግብሪ ምትርጓምን ስራሕ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኾነ ክአ ንብፁዓን ጳጳሳት ህንዲ ከም ዘመልከትሎም ተገሊጹ።

ንብፁዓን ጳጳሳት ህንዲ መሪሖም አብ ካስተል ጋንዶልፎ ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተራኸቡ አብ ህንዲ ናይ ቦፓል ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ለኦ ኮርነልዮ ፡ ከም ዘመለክትዎ ብፁዓን ጳጳሳት ህንዲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዘካየድዎ ርክብ ንቤተ ክርስትያን ህንድ አዝዩ አድላዪ ከም ዝኾነ እቲ ዝሀብዎ አባታዊ ምኽሪ ክአ ብሐፈሻዊ ነቶም አብ ሐዋርያዊ አገልግሎት እንርከብ አብ ሙያና አሳልጦ ንኽንረክብ ይሕግዘና ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.