2011-09-17 15:45:11

መግለጺ ሐዋርያዊ ዑደት ጀርመን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተዋሂቡ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን አብ ትውልዲ ሀገሮም ጀርመን ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዘካይዱ ክፍለጥ ከሎ ፡

ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሐዋርያዊ ዑደት ጀርመን ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳጳሳት ብዚምልከት ንጋዜጠናታት ቫቲካንን ጣልያንን መግለጺ ሂቦም።

እዚ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ጀርመን ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን መስከረም ዕለት 22 ተጀሚሩ ብ25 ከም ዝዛዘም ይፍለጥ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጀርመን ክበጽሑ እዚ ሳልሳይ ግዚኦም ከም ዝኾነ ክዝከር ከሎ ሀገራት ሀቆፍ መበል 21 ሐዋርያዊ ዑደት ምኻኑ ይዝከር።

አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከም ዘመልከትዎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ሰለስተ ሰበኻታት ጀርመን ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ኢዮ።

እተን በነዲክቶስ መበል 16 ዝበጽሕወን ሰበካታት ጀርመን ርእሰ ከተማ በርሊን ቅድም በኸተማ ምስራቅ ጀርመን ትፍለጥ ዝነበረት ኤርፉርትን ፍራይቡርግን ከም ዝኾነ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሐበሬታ ሂቦም ።

ኤርፉርት ማርቲን ሉተር ዝተወልደላን ዝተማህረላን ዝዓበየላን ከተማ ከም ዝኾነት ክፍለጥ ከሎ መበል 500 ዓመት ምስረታ አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን

ዝዝከረሉ ግዜ ከም ዝኾነ ይምልከት ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሰለስቲኤን ሰኸታት ክአ ጽዑቅ መደብ ከም ዝህልዎም አመልኪቶም።

ብናይ ቅድስቲ መንበር ውሃቢ ቃል መግለጺ መሠረት ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ቡንደስታግ ሀገራዊ ፓርላማ ፕረሲዳንት ብዝገበሩሎም ዕደመ መሠረት አብ ቡንደስታግ ዲስኩር ክገብሩ ኢዮም እዚ ሐደ ካብቲ አውራ ሐዋርያዊ ዑደቶም ኢዩ ።

በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ናይ ጀርመን አንገሊካዊት ኦርቶዶክስ አብያተ ክርስትያናት ላዕሎዎት ሐለፍቲ ምስ አስላምን አይሁድን ማሕበረ ሰባት ወኪላት ከም ዝርኸቡ አባ ሎምባርዲ ንጋዜጠኛታት ገሊጾምሎም።

እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ትውልዲ ሀገሮም ጀርመን ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት “wo Gott ist, da ist zukunft “ እግዚአብሔር አብ ዘለወሉ ቦታ መጻኢ ግዜ አሎ ብዝብል መሪሕ ቃል ከም ዝካየድ ክአ ውሃቢ ቃል ቅድስቲ መንበር አተሐሒዞም አገንዚቦም።

አተሐሒዞም ነቶም አብ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዝተአከቡ ጋዜተኛታት ቫቲካን ጣልያንን ከም ዝገለጹሎም ፡ በነዲቶስ መበል 16 ምስ ናይ ፌደራል ራፓብሊክ ጀርመን ፕረሲዳንት ክርስትያን ዉልፍ ከምኡ ክአ ምስ ቻንስለር ኤንገላ ሜርክል ተራኺቦም ክዘራረቡ ብመድብ ተታሒዙ አሎ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ማእከላይ ኮሜቴ ካቶሊካውያን ጀርመን ከም ዝራኸቡ ክአ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.