2011-09-16 09:32:18

ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳፓሳት በነዲክቶስ ከምቲ ወትሩ ዕልተ ሮቡዕ ዝገብርዎ

ትማሊ አብ አዳራሽ ፓውሎስ ሻዱሻይ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም።

በነዲክቶስ አብዚ ትማሊ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ቅዱስ ወንጌል መጽሐፈ መዝሙር 22 ዘተኮረ መግለጺ ሂቦም።

መጽሐፈ መዝሙር ፡ ኦ አምላኸይ ሐገዝ ደልየ አብ ዘእውየሉ ግዜ ስለምንታይ ካባይ ርሒካ ንምንታይ ገዲፍካኒ ኦ አምላኸይ ምሉእ መዓልቲ ርድአኒ እናበልኩ እናተማሕጸንኩኻ ንስካ ግን አይትሰምዓንን ለይቲ ክአ ከምኡ ብዘይ ዕረፍቲ እናጸዋዕኩኻ አትሰምዓንን ንስኻ ቅዱ ኢካ ።

ብህዝቢ እስራኤል ክትመስገን ክትነብር ኢኻ ቀዳሞት አቦታትና ብአኻ ስለዝተአማመኑ አድሒንካዮም ካብ ብዙሕ ሐደጋታት አድሒንካዮም።

አነ ዓቢ ኢየ ሰብ ግን አይኮንኩን ሰባት ኩሎም ይንዕቁኒ አብ እግዚአብሔር “ዶ አመኢንካ አይነበርካን እንድሕሪ እግዚአብሔር ዝፈትወካ ኮይኑ ድአ ስለምንታይ ዘየድሕነካ እናበሉ ይሳለቁለይ ዝብሉ ሐረጋት ዝሕዘለ ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና በነዲክቶስ መበል 16 ጠቂሶም ፡ እግዝአብሔር ዘይሎ ኣአብ ዝመስለሉ ግዜ ጨንቂ

ተስፋ ክንቁርጽ ከም ዘይብልና እምነትና ክንዕቅብ ከም ዘለና አገንዚቦም።

መጽሐፈ መዝሙር 22 አብ ትሕቲ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ክንብርከኽን ሕማማቱ ክንዝክርን ክነስተንትንን ይሕግዘና አብ መውዳእታ ካአ ብትንሳኤኡ ከም ንሕጎስ ይገብረና ብማለት በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ሆች ኢሎም ዝምነሩ መእመናን አብሪሆም።

እቲ አብ መጽሐፍ ቅዱስ መጽሐፈ መዝሙር 22 ዘሎ ኦ አምላኸይ ንምንታይ ገዲፍድካኒ ዝብል አውያተ ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ጸላእቱ ክቀትልዎ ዝደለዩ እሞ አብ ጭንቀትን ፍርሕን ዝርከብ ከም ዝኾነን ግን ተስፋ ከይቆረጸ ኦ አምላኸይ እናበለ ስም እግዝአብሔር ዝጽውዕ ዝነበረ እግዝአብሔር ከድሕኖ ከም ዝክእል ዝተአማመነ ከም ዝኾነ ዘርዚሮም ገሊጾም።

ካብ ማሕጸን ኣአደይ ካብ ዝወጽእ አምላኽ ኮንካኒ ሕጂ አብ ሕደጋ ስለዝርከብ ዝርድአኒ ሰብ ስለዝይሎ በጃካ ካባይ አይትርሐቅ እናበለ ንአምላኽ ክምሕጸን ከም ዝርኤ ክአ አገንዚቦም።

በነዲክቶስ መበል 16 ለይትን መዓልትን ናብ አምላካ አእዊኻ እግዚአብሔር መልሲ ዘይህቡ ዘይሎ ክመስል ከም ዝኽእል አመልኪቶም ፡ ቅዱሳን ወንጌላውያን ማርቆስን ማቴዎስን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ተሰቂሉ አብ አፍ ሞት ምስ በጽሔ ኦ እግዚአብሔር ስለምንታይ ገዲፍካኒ ዝበሎ እሞ ብይሊ እግዚአብሔር አብ ሳልስቱ ዝተንስኤ ዘኪሮም።

ክርስቶስ በቲ ግዜ”ቲ ብሐውርያቱ ከይተረፈ ከም ዝተከድዔን እቲ ኹሉ መከራን ጸበባን ከም ዝተቀበለ አዝካኺሮም ።

አውያት መድኀኔ ዕለም ኢየሱስ ክርስቶስን አብ መጽሐፈ መዝሙር 22 ዘሎ አውያትን ክአ ከም ዝመሳሰልን አብ ክልቲኡ ተስፋ ቁርጸት ከም ዘይሎን ክአ አረዲኦም ።

ስቃይን አውያትን በቲ ዘይውድእ ምሕረት ዝልግስ እግዝአብሄር ከም ዝውገደኡ ክአ ንምእመናን ገሊጾም።

ጽንዓት እምነት ንሞት ናብ ሕይወት ከም ዝልውጥ ክአ ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አገንዚቦም።

አብ መወዳእታ ክአ ነቶም ብጽሞና ዝተኸታተልዎም ምአመናን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮምዎም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.