2011-09-13 13:45:24

ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ዕለት 11 መስከረም 2001፥ ኣሜሪካ ኣብ ጸሎትን ዝኽርን ኅብረት


ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብ ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ዘሰቕቕ ኣሸበርቲ ኣብ ኒውዮርክን ዋሽንግቶንን ፐንሲልቫኒያን ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ምኽንያት፣ ዝሓለፉን ነቶም ዝተጎድኡን ንምድሓን ገዛእ ርእሶም ዘወፈዩ ዝኽሪ ምኽንያት ኣብ ዋሽንግተን ከነዲ ማእከል ተረኺቦም መዝሙረ ዳዊት RealAudioMP3 ምዕራፍ 46 ጠቐስ መልእኽቲ “ጸግዕና እግዚኣብሔር ኢዩ ስለዚህ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና” ድሕሪ ናይ ብኽያትን ሓዘንን ጸላም ለይቲ እታ ናይ ሓጎስ ኣለዳ ክትበርቕ ኢያ” ዝብል ናይ ተስፋ ቃል ከምዘስምዑ ክንገር እንከሎ፣ ብፖል ሳይመን ዘ ሳውንድ ኦፍ ሳይለንስ ዘርእስታ መዝሙር ዝሓለፉን ዝተሰውኡን ከምእተዘከረን ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ኒውዮርክ ከንቲባ ብሎምበርግ ኣብዚ ዝተኻየደ ዝኽሪ ኣደዳ ኣሸበርቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ከይዓደሙ ብምትራፎም ሕዝቢ ቅሬታኡ ኣንተስምዔ እውን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣይተዓደሙ እምበር ዝተኻየደ ዝኽሪ ንጹሓን ዜጋታት ሽም እግዚኣብሔር ዘቃልሔን መንፈሳዊ መዳይ ኣዚዩ ጸብለል ዝበለ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 46 “ኣምላኽ ንዓና መዕቈብን ኃይልን፣ ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት እምባታትውን ኣብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ጠሓሉ ማያት እንተ ሃመመን እንተ ዓፈረን ኣኽራን ብነድሮም እንተ ኣንቀጥቀጡ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና”። ብዝብል ጸሎት መዝሙረ ዳዊት ከጸናንዑ ቅድሚኦም ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ጆርጅ ቡሽ ኣብ ውግእ ብሔር ሓንቲ ሓሙሽተ ደቃ ንዝተሰውኡዋ ኣደ፣ ኣብርሃም ሊንኮልን ዘተሓላለፍዎ ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ጠቐስ እውን እንተንበቡ እታ መልኽቲ ኃይልን ጸግዕን እግዚኣብሔር ከምዝኾነን ሓቀይና ምጽንናዕ እውን ኣብኡን ካብኡን ከምዝኾነ ኢያ ተረጋግጽ።

ኣብቲ እዋን ኣሸበርቲ እቲ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ናይ ኒውዮርክ ከንቲባ ዝነበሩ ኣብቲ ዝተኻየደ 10 ዓመት ዝኽሪ ዝወደቑ ዜጋታት፣ ንወለዲ ስዉኣት መሪሖም፣ ሰማያዊ ኣቦ ሓዘንኩምን ስቓይኩምን ክቕንጥጥን እጽልይ፣ ዝሰኣንኩሞም ፍቝራትኩም ወትሩ ብኽብሪ ዘክርዎም ከምዝበሉ እንክንገር፣ ኣብ መላእ ከተማ ኒውዮርክ መጻኢ ብብሩህ ዝተሓደሰ ተስፋ ከተማዕድው ዝድግፋ መንፈሳዊ ኃይሊ ዝተራእየላ ከተማ ምዃና ዝተመስከረሉ ዕለት ከምዝነበረ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.