2011-09-06 16:44:38

ቅዱስ ቊርባን ሕይወት ዓለም እዩ


ብአኡ ዚአምን ዘበለ ሕይወት መታን ክረክብ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ከማና ኮይኑ ምእንታና ሓሚሙ ዝሞትን ካብ ዝተንሠኤን ክርስቶስ ከም ቃሉ ወትሩ አብ ማእከልና ንምንባር ቅዱስ ቊርባን ሠርዓልና፣ አብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ዓለም መዓልቲ ቅዱስ ቊርባን ብምሥራዕ ሰበኻዊ ሃገራዊ ዓለምለኻዊ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ይበዓል፣ ከም አብነት ዝኃለፈ ቀዳም ብፍሉይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ ዝተጀመረ ብዕለት 11 መስከረም ብቅዱስ አቦና ዚዛዘም ንሶሙን አብ ሰበኻ አንኮና ዚካየድ ዘሎ ናይ ዓዲ ጣልያን መበል 25 ሃገራዊ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ክንጠቅስ ንኽእል፣ ከማኡ እውን ቅድሚ ትማሊ አብ ክሮአጽያ ብፍሉይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ካርዲናል ቶምኮ ዝተመርሐ ዓቢይ በዓል ዝኽሪ መበል 600 ዓመት አብ ሉድብረግ ዝተፈጸመ ተአምር ቅዱስ ቊርባን ዝኽሪ ተኻዪዱ፣
ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ከምዘስተምህርዎ ቅዱስ ቊርባን ንሐደ ክርስትያን ናይ ብግዲ ዘድልዮን ምንጪ ሐጐሱን እዩ፣ አብዚ ሶሙንዚ አብ አንኮና አብ ዝካየድ ዘሎ በዓለ ቅዱስ ቊርባን ከአ አብ ዝተፈላለያ ቊምስናታትን አድባራትን ቤተ ጸሎታትን ዝግበር ዘሎ ተሳትፎ አብ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ከማኡ እውን ብቀጻሊ ዝግበር ስግደትን አኽብሮን ቅዱስ ቊርባን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብዓቢ መንፈሳውነትን ተመሥጦን ይግበር ከምዘሎ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ሓበሬታ የመልክት፣
ኮይኑ ግን እዚ ወትሩ አብ ማእከልና ዝነብር ብዘይካኡ ሓንቲ ክንገብር ዘይንኽእል ዘለዓለማዊ ቃል አምላክ ዝኾነ ክርስቶስ አብቲ ወንጌሉ ከም ዝብለና “ወዲ ሰብ ብእንጌራ ጥራሕ አይኮነን ዝነብር እንታይ ደአ ካብ አፍ አምላኽ ብዚወጽእ ቃል” ስለዚ እንጌራን ቃልን! ሥጋኡን ደሙን! ጸሎትን እንተዘይአዘውቲርና መልእልተ ባህርያዊ ሕይወት አይክነብርን ኢና እሞ። ዕለት ዕለት ምሳኡ ሐደ ንኹን፣ ምናልባት ምጥርጣር ካልእ ድኽመት ወይ የርክበሉ ዝብል ግዝያዊ ጸገማት ዓሚሙና ነዚ ዓቢ ሃብቲ ከይተጠቀምናሉ ከይንተርፍ ምጥንቃ የድልየና፣ ነቶም እንጠራጠር ሎሚ እውን ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ቶማስን ዝበሎ “አመንቲ እምበር ተጠራጠርቲ አይትኹኑ” ይብለና አሎ፣ ትምህርቲ ንክኾነና ናይቲ አብ ክሮአጽያ ዝነበረ በዓል ምኽንያት አሕጽር አቢልና ክንርእዮ፣ ናይ ሎሚ 600 ዓመት አቢሉ እዩ አብ ከባቢ ባትያንይ ዝበሃል ናይ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ቤተ መንግሥቲ ዝበሃል ክፍሊ ሉድብረግ - ክሮአጽያ ወዳሲ ቀዳሲ ካህን አብ ምሥጢረ ቊርባን ወትሩ ዝጠራጠር ዝነበረ ከም ልሙድ ቅዳሴ ጀሚሩ አብ ማእከል ቅዳሴ ንጽዋእ ሒዙ እዚ ደመይ እዩ ዝብላ ቃላት ክርስቶስ ምስ ደገመ እቲ አብ ዝነበረ ወይኒ ናብ ደም ተለዊጡ። እቲ ወረ ናብ ኩሉ ተባሪዑ ሕዝቢ ናብቲ ቦታ ክውሕዝ ምጅማሩን ተአምር ንተአምር ከም ምስክርነት ቀረበ፣ ቤተ ክርስትያን ብር.ሊ.ጳ ልዮን 10ይ ገቢራ ነቲ ተአምር አጽዲቃ ነቲ ደም ከም ቅዱስ ቅርሲ ክብሪ ክህብዎን ሒዞሞ ክዓውዱን ብአኡ ክባረኹን ፍቃድ ሀበት፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ምንጪ ብዙሕ በረኸትን ጸጋን ኮይኑ ይንገድ አሎ፣ አብዚ ቅድሚ ትማሊ ዝተገብረ ናይ መበል 600 ዓመት ዝኽሪ ኸአ ካብ ክሮአጽያን ምሉእ ዓለምን ዝተአከቡ ነጋድያን ጸጋ አብ ልዕሊ ጸጋ ተዓዲሎም፣
እዚ ማለት ተአምር ሃሰስ ክንብል ዘይኮነ እቲ እሙን ቃሉን ኪዳኑ ዘይጠልምን ጐይታ ዕለታዊ እንጌራ ኮይኑ ቀሪቡና አሎ፣ ከምቲ ንሰውነትና መግቢ ሃሰስ ንብለሉ ንመንፈስና ከአ ብነጻ ዝተዋህበና ዕለታዊ መግቢ አሎና እሞ ዕለት ዕለት ንመገቦ ሕይወት ክህበና እዩ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከአ ካብ ሙታን ከተንሥአና እዩ፣
አብዚ ሶሙን እዚ አብ አንኮና ዚካየድ ዘሎ ሱባኤ ናይ ዓዲ ጣልያን ሃገራዊ ጉባኤ ወይ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ከም መንቀሊ አስተንትኖ ዘቅረባ ጥቅሲ ቅዱስ መጽሐፍ ካብ ወንጌል ዮሐንስ ምዕራፍ 6 ዝተወስደት እያ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንተኸተልቱ ብዛዕባ ቅዱስ ቊርባን እንገልጸሎም “ሥጋይ እንተዘይበሊዕኩም ደመይ እውን እንተዘይሰቲኹም ሕይወት ዘለዓለም የብልኩምን” ምስ በሎም ብዙሓት ወላ እውን ካብቶም እሙናት አርድእቱ ከይተረፉ እዚስ ዝከአል ነይኮነ ቢሎም አድሓርሓሩ፣ ወረ ምሳኡ ምኻድ ገዲፎሞ፣ ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ጐይታኸስ ነቶም ተሪፎም ዝነበሩ ሐዋርያት እውን ንስኹምከ ክትከዱ ዶ ትደልዩ፤ ምስ በሎም ቅዱስ ጴጥሮስ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ ዚሃባ መልሲ “ጐያታይ ናብ መን እሞ ክንከይድ ኢና ንስኻ ናይ ዘለዓለም ሕይወት አሎካ” ትብል ነበረት፣ አሰናደውቲ ናይዚ በዓል ጥቀ ቅዱስ ቊርባን አብ አንኮና ኸአ ዘሎናዮ ግዝያትን ኩነታትን ግዲ ከም ድምጺ ጐይታ ኮይኑ ንስኹም ከ ክትከዱ ዶ ትደልዩ ቢሉ ተዛሪብዎም። ነስተንትኖን መሪሕ ቃል ንክትኮኖምን “ጐይታ ናብ መን እሞ ክንከይድ ኢና” መሪጾም፣ እወ ሎሚ እውን እንተኾነ ናብ እነብሎ የብልናን ንማለት ዚአክል፣ ሎሚ ድሕሪ 2 ሺሕ ዓመት እዛ ሕቶ እዚአ ሕመረት መንነት ክርስትያን ሒዛ ትርከብ፣ ስለዝኾነ ከአ ሎሚውን ጉዕዞ አመንቲ ክርስቶስ መብዅዕቲ ሕይወቶምን ትርጉም መንነቶምን አብቲ ሕማማት ወልደ እግዚአብሔር ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት ዝገልጽ ምሥጢረ ጥቀ ቊርባን ይረኽቡ፣
ቅድሚ ሐሙሽተ ዓመት አብ ባሪ ዝተኻየደ መበል 24 ናይ ዓዲ ጣልያን ሃገራዊ ጉባኤ ወይ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ብዕለት 29 ግንቦት 2005 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 “ቅዱስ ሎሚ እውን እንተኾነ ዕለት ዕለት ነቲ ብጸጋ አምሳል ወልደ እግዚአብሔር ክኸውን ዝተጸውዔ ጉዕዞ ቀጻሊ ምልዋጥ ወዲ ሰብ ከምዝከአል ይገብሮ፣ ካብ ጠባያት ደቂ ሰባት ሐሳብ ዘረባ ግብሪ ብቅዱስ ቁርባን እንተዘይኮይኑ ምልአት ዚህልዎ የልቦን፣ ስለዚኸስ ንጻዕርታትን ድኻምን ናይ ጉዕዞና በዲህና ምእንቲ ክንክእል እዚ እንጌራ እዚ ብሓቂ የድልየና እዩ” ቢሎም ነሮም፣
አብ ናይ ዕለተ ሰንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስታፍ እንጌራ ቅዱስ ቊርባን ምምጋብ ብክርስቶስ ገቢርካ ኅብረት አሕዋትን አኃትን ንክርስትያን ብግዲ የድልዮ፣ ምንጪ ሐጎሱ ከአ እዚ እዩ፣ ከምዚ ብምግባር ዝኾነ ክርስትያን ነቲ ሶሙን ሶሙን እነካይዶ ጉዕዞ ሕይወት ክርስትና ዚአክል ኃይሊ ክረክብ ይኽእል፣ እዚ ጉዕዞ እዚ ከከም ዝጥዕመካ ዝግበር ጉዕዞ አይኮነን፣ ነቲ ክንከዶ ዝግብአና አብ ቃል አምላኽ ዘሎ መንገዲ እግዚአብሔር አብ ኅላና ነፍሲወከፍና አብ ባህሪ ደቂ ሰባ ኃቲምዎ አሎ፣ ንቃል አምላኽ ምስዓብ ማለት ምስ ክርስቶስ እናተጓዓዝካ መንነትካ ምርካብ ነዚ ቃል እዚ ምጥፋእ ከአ ርእስኻ ከም ምጥፋእ እዩ፣ ጐይታ አብዚ ጉዕዞ እዚ በይንና አይሓድገናን እዩ ወትሩ ምሳና እዩ የፍቅረና እውን፣ አብ ቅዱስ ቊርባን ክርስቶስ ብሓቂ አብ ማእከልና አሎ፣ ህላዌ ክርስቶስ አብ ማእከልና ደረቅ አይኮንን እንታይ ደአ ዝዋሳእ ናቱ ንክንከውን ዝሕግዝ ምሳኡ ዘወሃህደና እዩ፣ አብ ቅዱስ ቊርባን እንረኽቦ ክርስቶስ አብ ኩሉ ኩርንዓት ሐደ ክርስቶስ እዩ። አፍሪቃ ይኹን ኤስያ ይኹን አመሪካ ይኹን ኤውሮጳ። ሐደን ንሱን ዝኾነ ክርስቶስ አብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ዝርከብ ኅብስቲ ቅዱስ ቊርባን ዘሎ ንሱ እዩ፣
እዚ ዘብርሃልና ነገር እንተሎ ንክርስቶስ በይናና ዘይኮነ ምስ ካልኦት ኩሎም ብሓደ ከና ጥራሕ ምዃኑ እዩ፣ አብ ሐድነትን ውህደትን ጥራሕ ኢና ክንቅበሎ እንኽእል፣ አብ 1ቆሮ 10:17 “ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። “ ይብል።
አብ ቅዱስ ቊርባን ዘሎ ክርስቶስ እንተደአ ብፍቅርን ብሐድነትን ቀሪብናዮ ዝደለናዮ ነገር ክህበና ስለዝኽእል ቀሪብና ንሕተቶ፣ መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነ ሥጋዊ ጸገማትና እውን ነቅርበሉ ንኩሉ ከርህወሉ አብ ኢዱ ስለዝኾነ ካባና ዝደሊ ብእምነት ናባኡ ምቅራብ እዩ፣
ምናልባት አይነስተውዕልን ከይንኸውን እምበር እቲ ምጥርጣርናን ኩነታትናን አገሪምዎ ንስኻትኩምከ ክትከዱ ዶ ትደልዩ ይብለና ከይህሉ እሞ ከምዞም ናይ ሰበኻ አንኮና ቃላት ቅዱስ ጴጥሮስ እናደገምና ብትሕትናን ሓቀኛ እምነትን “ጐይታይ ናብ መን እሞ ክንከይድ ኢና” ንበሎ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.