2011-08-23 11:59:03

ዓለም ለኸ ዕለተ መእሰያት 2011


እቲ ዝሐለፈ ሰሉስ ነሐሰ 16 አብ እስፓኛ ርእሰ ክተማ ማድሪድ ዝተጀመረ ዓለም ለኸ ዕለተ መእሰያት 2011 እነሆ ሎሚ ሻዱሻይ መዓልቲ ረጊጹ፣ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ መበል 16 አብዚ ዕለተ መንእሰያት ክሳተፉ ዝሐለፈ ሐሙስ ፍርቂ መዓለቲ ማድሪድ ከም ዝአተዉ ዝዝከር ኢዩ፣ እቶም አብ ማድሪድ ነቲ ዕለተ መንእሰያት ዝከታተሉ ዘለዉ ልዑካነ ዜና ራድዮ ቫቲካን ዝሰድዎ ዘለዉ ዜናታት ከም ዘመልክቶ እቲ መደብ ብጽቡቅ ይሰላሰል አሎ፣
እዚ አብ ማድሪድ ዚካየድ ዘሎ ዓለም ለከ ዕልተ መንእሰያት መበል 26 ከም ዝኾነ ክዝከር ከሎ፡ አብ ክርስቶስ ተመስሪትና ብእምነትና ጸኒዕና ንጓዓዝ ዝተሰየመ መሪሕ ቃል ኣአቀዲሙ ይካየድ ከም ዘሎ ዝዝከር ኢዩ፣
ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በቲ መርሃ ዑደቶም መሠረት ትማሊ ምሸት ብናይ ማድሪድ ሰዓት አቆጻጽራ ሰኦኣት ሾሞንተን ፈረቃን አብቲ ኩአትሮ-ቪየንቶስ ዝጽዋዕ ዓቢ ሜዳ ልዕሊ ሐደ ሚልዮን አብ ዝተረኽብሉ ዋዜማ ሥርዓተ ጸሎት መሪሖም፣ በቶም አብ ማድሪድ ዝርከቡ ናይ ራድዮ ቫቲካን ወኪላት ዜና መሠረት ትማሊ ምሸት አብ ሜዳ ኩአትሮ ቪየንቶስን አከባብን ብድንገት ዝናብ ዝተሐወሶ ብርቱዕ ማይ ስለ ዝሀረመ እቲ መደብ ንሐጺር ግዜ ተቋሪጹ ኔሩ፣
ድሕሪ ብትዕግስቲ ምጽባይን ኩነታት አየር ምስ ሀድኤ ግን እቲ ሥርዓተ ጸሎት ብዝግባእ ተኻይዱ ቅዱስ ወንጌል ተነቢቡ በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ልዕሊ ክአ ብመንእሰያት ዝቅረበሎም ሕቶታት መሊሶም፣ ነቲ አብ ኩአትሮ ቪየንቶስ ዝተረኽቡ መንእሰያትን ምአመናን ሐውርያዊ ቡራኬ ሂቦም ምሸት ሰዓት ዓሰርተን ርብዕን ናብቲ አዕሪፎምሉ ዘለዉ መካነ ጳጳት ተመሊሶም፣ እዞም በማእት አሽሐት ዝቁጸሩ መንእሰያት አብኡ አብቲ ምሉእ ለይቲ ዚከየድ ሥርዓተ አምልኾ ቅዱሳን ሚሽጢራት ተሳቲፎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.