2011-08-23 11:25:17

ምዝዛም መበል 26 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት


እቲ ዝሐለፈ ሰሙን አብ እስፓኛ አብ ማድሪድ ካክየድ ዝቀነየ መበል 26 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ቅድሚ ትማሊ ከም ዝተዛዘመ ዝዝከር ኢዩ፣ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይዚ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ተሳታፊ ኮይኖም ከም ዝቅነዩን ዝሐለፈ ሰንበት አማስይኦም ንሐዋርያዊ መንበሮም ከም ዝተመልሱን ይዝከር፣ ክልተ ሚልዮን ዝኾኑ መንእሰያት አብዚ ርክብ መንእሰያት ዓለም ከም ዝተረኽቡ ተፈሊጡ አሎ፣
እዚ አብ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዓመታት ዚካየድ ዕለተ መንእሰያት”ዚ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ይሰናዶን ይውህሃድን ድአምበር ካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ሰብ ጽቡቅ ድላይ ክሳተፍዎ ከም ዝክእሉ ይምልከት፣
አውራ ቁም ነገር ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት። ቅድሚ 26 ዓመታት ብ1985 ብብፁዕ ዮሐንስ ጵውሎስ ካልአይ ክጅመር ከሎ። ካቶሊካውያን መንእሰያት ምስ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ክቀራረቡ ምስ መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክተአሳሰሩ ወዲ ሰብ ሐላፊ ምድራዊ ሕይወት ከም ዘለዎ ተገንዚቡ ዘለዓለማዊ መንግስተ እግዚአብሔር ከም ዘሎ ንምዝኽካር ከም ዝኾነ ዝዝከር ኢዩ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ትማሊ ካብ ማድሪድ ክነቅሉ እንከለዉ ቤተ ክርስትያን እስፓኛ ህብን መንግስትን ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ስሉጥን ጽፉፍን ክኸውን ንዘገብርዎ ስራሕ ብልቢ አመሲጊኖም፣ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል አንቶንዮ ማሪያ ሮኾ ቫረላ እቲ ዕለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ርክብ ምስ ክርስቶስ ከም ዝነበረ ሐዋርያውነት መንፈሳውነት ሰብአውነት ኩሉ ዘማልኤ ግሩም ማራኺ ክብረ በዓል ከም ዝነበረ ገሊፆም፣
አብ ኩአትሮ ቪየንቶስ ቀዳም ምሸት ምሉእ ለይቲ ዝተኻየደ ዋዜማ ሥርዓተ አምልኾ ዝተራእየ መስርሕ መንፈሳውነት አዚዩ ዝማርኽ ከም ዝነበረ ቤተ ክርስትያን መንእሰይ ከም ዝኾነት ዘግሃደ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በሽሐት ዝቁጸሩ ካርዲናላት ሊቀ ጳጳሳት ጳጳሳት ካህናት ተሰንዮም ክልተ ሚልዮን መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዘዕረግዎ ሥርዓተ ቅዳሴ አብ ሕይወትካ ክትርስዖ ዘይትክአል ከም ዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል አንቶንዮ ማሪያ ሮኾ ሊቀ ጳጳስ ማድሪድ አገንዚቦም።።
ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ብ2013 አብ ብራዚል አብ ሪዮ ዲጃነሮ ክካየ ተመዲቡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ አሎ።።
ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አብ ብራዚል ምክያዱ ሠናይ ዜና ምዃኑ ናይ ሪዮ ዲ ጃነሮ ሊቀ ጳጳስ ብብጹዕ አቡነ ኦራኒ ጆዋው ተምፐስታ አብ ማድሪድ መግለጺ ሂቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.