2011-08-18 16:01:04

አብ ማድሪድ ምስ መንእሰያት ንክራኸብ ብሀንቀውታ እጽበ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ሮቡዕ ካብ ሐዋርያዊ አደራሽ ካስተል ጋንደልፎ አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሐፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ኩሉኹም ከም እትፈልጥዎ ጽባሕ አብ ማድሪድ ንመበል 26 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ካብ ኩሉ ኲርናዕ ዓለምና ምስ ዝተአከቡ መንእሰያት ክራኸብ ክኸይድ እየ፣ ብጸሎት ክተሰንዩኒ ብመንፈስ ከአ ምሳና ክትትሓባበሩ እምሕጸን” እንክብሉ ነዚ ከአ ብዓቢ ሀንቀውታ ከምዝጽበይዎ አመልኪቶም፣
ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጀመርዎ አርእስቲ ናይ ጸሎት ብምቅጻል ብዛዕባ ጸሎተ ኅልና ወይ ጸሎተ አስተንትኖ ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም፣
ብዛዕባ ጸሎት እንክገልጹ “ጸሎት ማለት አስተንትኖ እዩ፣ ብዙሕ ግዜ እነዘውትሮን እንፈልጦን ጸሎት ብቃላት አሰኒና ናብ እግዚአብሔር እነቅርቦ ልመና እንክኾን። ቀንዲ ዕላማኡ ምስ እግዚአብሔር ልቢ ንልቢ ምውህሃድ ሐሳብካ ናብ አምላኽ ምዕራግ እዩ፣ ነዙይ ዓቢይ አብነት እትኾነና እኖና እግዚእትነ ማርያም እያ፣ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ እኖና ማርያም እንክዛረብ። አብ ወንጌል ሉቃስ 1።45 “እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።” ይብላ፣ በዚኸስ ማርያም ብእግዚአብሔር ተአማሚና ብምሉእ ልባ ከምዝአመነት አብ ፍቃድ እግዚአብሔር ከምዝተጸንበረት ንግንዘብ፣ ቀጥተኛ መንገዲ መንግሥተ ሰማያት እዚ እዩ፣ ብካልእ ኣዘራርባ መሠረታዊ ይድረስታ መንግሥተ ሰማያት። እምነት- ንኩሉ ነገር አብ ኢድ አምላኽ ምሕዳግ- ወይ ብአኡ ምእማን - አብ ፍቃድ አምላኽ ምጥሓል ወይ ፍቃዱ ምፍጻም ኢዩ፣” እንክብሉ እኖና እግዚእተነ ማርያም መምህር እምነትን ትሕትናን ምዃና ገሊጾም፣
ቀጺሎም ቅዱስነቶም አብ ሕይወትና ንዘጋጥሙና ነገራትን ብኸመይ ከም ንዕዘቦምን ንቅበሎምን እንክገልጹ። “አብ ናብራና ብዙሕ ግዜ ነቲ አሉታዊ ነገራት ጥራይ ነስተውዕል። ኮይኑ ግን ነቲ አዎንታዊ ነገራት እውን ከነስተውዕለሎም ይግባእ፣ ማለት እግዚአብሔር ዝገበረልና ጽቡቅ ነገራት ክንዝክር አሎና፣ አብዚ እውን እኖና እግዚእትነ ማርያም እያ አብነት እትኾነና፣ ሕይወትና እንተተመልከትናዮ። ብግዝያዊ ጸገማትን ሥራሕን ስለዝተሐዝ ንጸሎት ዝኸውን ግዜ አይንረክብን፣ አብዚ እኖና እግዚእትነ ማርያም ንጸሎት - ነስተንትኖ ዝኸውን ግዜ ክንረክብ ከምዘሎና ተስተምህረና፣ ወንጌል ነዚ ተግባር ማርያም እንክገልጽ። ማርያም ንኩሉ ነገር አብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ይብለና፣ ነቲ እግዚአብሔር ዝገበረላ ሠናይ ነገራት ትዝክር ተስተንትን ምስ እግዚአብሔር ልቢ ንልቢ ተዕልል ነበረት ማለት ኢዩ፣ ስለዚ አብ ሕይወትና ንጸሎት ነስተንትኖ ዝኸውን ግዜን ቦታን ክንረክብ የድሊ፣ ካብ ኩሉ ናይ ኅልና ውሳጣዊ ግዜን ቦታን እንተረኸብና ቁሩብ ጠጠው ቢልና ክነስተንትን ንኽእል፣ ቅዱስ አጎስጢኖስን ቅዱስ ቦናቨንቱራን ምሥጢራት እግዚአብሔር ከም መጒስዕ ዝመልሳ ማል ደጋጊምና ክነዳቅቆ ከንስተንትኖ ዘሎና ጉዳያት ኢዮም፣ ነስተንትኖ ዝሕግዙና ብዙሕ መንገድታት አለው። ሐደ ክፍሊ ወይ ጥቅሲ ቅዱስ መጽሐፍ አንቢብካ ብአኡ ምስትንትና ጸሎተ መቁጸርያ እናስተንተንካ ምድጋም ወዘተ፣ ስለዚ ንእግዚአብሔር ዝከውን ግዜ ይሀልወና፣ እዚ ንመንፈሳዊ ዕብየት መሠረታዊ ኢዩ፣ ወሃቢ ምንጪ ናይ ኩሉ እግዚአብሔር እኳ እንተኾነ ንሕና ንሱ ክዛረበና ከሎ ጽን ቢልና እንተዘይሰሚዕናዮ ነቲ ዝበለና እንተዘይአስተንቲናዮ፣ እግዚአብሔር ካባና እንታይ ከምዝደሊ እንተዘይአስተውዒልና እንተዘይተረዲእናን ኩሉ ከንቱ ኢዩ፣ ዕላማ ጸሎተ ኅልና ወይ አስተንትኖ ከአ እዚ ኢዩ፣ ምስ እግዚአብሔር ምውሳእ።። ብተአማንነትን ብፍቅርን ንኩሉ ነገር አብ ኢድ አምላኽ ምውዳቅ ፍቃዱ ብምፍጻም ጥራሕ ብሐቂ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል፣” እንክሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.