2011-08-18 16:57:03

መበል 26 ዓለም ለኸ ዕለተ መንእስያት ማድሪድ 2011


ዝሐለፈ ሰሉስ ነሐሰ 16 2011 ዓም። ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አብ እስፓኛ ርእሰ ከተማ ማድሪድ ከም ዝተጀመረ ክዝከር ከሎ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም በሽሐት ዝቁጸሩ መንእሰያት አብዚ ዕለተ መንእሰያት “ዚ ክሳተፉ ማድሪድ ከም ዝአተዉ ይፍለጥ፣
ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ማሪያ ሮኾ ቫረላ አብቲ ዓቢ ቅርዓት ሲበለስ 300 ሺሕ መንእሰያት አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ዕለተ መንእሰያት ከም ዝተጀመረ ተፈሊጡ አሎ፣
አብቲ ቦታ ዝርከቡ ናይ ራድዮ ቫቲካን ልኡካነ ዜና ከም ዘመልከትዎ አብቲ አብ ቅርዓት ሲበለስ ዝተኻየደ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ዝተፈላለዩ ሀገራት ዓለም ዝመጹ 800 ሊቀ ጳጳሳትን 8ሺሕ ካህናት ተሳቲፎም፣
ብፁዕ ካርዲናል አንቶንዮ ማሪያ ሮኾ ቫረላ ንመንእስያት ዓለም። ቤተ ክርስትያን እስፓኛ ልባ ማዕጾአ ከፊታ ትቅበለኩም ከም አብ ገዛኹም ዘለኹም ክስምዓኩም አለዎ፣ ብማለት ንመንእሰያት እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ከም ዝበሉ እቶም ልኡካን ዜና አገንዚቦም፣
ድሕሪ“ቲ ሥርዓተ ቅዳሴ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ምእመናን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበርን አወሃሃዲ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያትን። ብጹዕ አቡነ ስታንስላው ሪኤልኮ ማእከል ዕለተ መንእሰያት እምነተ ሃይማኖት ከም ዝኾነ ጠቂሶም ጽቡቅ ቅንያት ተመንዮም። እዚ ዕለተ መንእሰያት”ዚ ብ21 ነሐሰ ከም ዝፍጸመ ይዝከር፣
ብመሠረቱ ዓለም ለኸ መንእሰያት ብ1985 ብብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ አብ ሮማ ከም ዝተጀመረን አብ ክልተ ሰለሰተ ዓመት አብ ዝተፈላለየ ሀገራት ዓለም ከም ዝተኻየደን ዝዝከር ኢዩ፣
ዝሐለፈ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት አብ አውስትራልያ ከተማ ሲድኒ ከም ዝተኻየደ ክዝከር ከሎ ቅድሚኡ ዘሎ ዕለተ መንእሰያት አብ ኰልን ጀርመን ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኢዩ፣
ናይዚ አብ እስፓኛ ማድሪድ ዚካየ ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ መንሰያት”ዚ መሪሕ ቃል አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተመስሪትና ጽኑዓት አብ እምነት ዝተሰየመ ከም ዝኾነ ይዝከር፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብዚ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእስያት ክሳተፉ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ካብ ሐዋርያዊ መንበሮም ነቂሎም ፍርቂ መዓለቲ ባራኻስ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ማድሪድ አትዮም፣
ርእሰ ከተማ ማድሪድ 3 ሚልዮንን 500 ሺሕን ህዝቢ ዝነብራ ከም ዝኾነት ክዝከርከር ከሎ ቅድስነቶም ፡ ብናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብብጹዕ ካሪናል አንቶንዮ ማሪያ ሮኾ ተመሪሖም ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ እስፓኛ ንጉስ ካርሎስ ምስ ብዓልቲ ቤቶም ናይ ፖሊቲካ ሰበ ሥልጣናትን ድሙቅ አቀባብላ ጌሮምሎም፣
ናይ ቫቲካንን ናይ እስፓኛን ሃገራዊ መዝሙር ምስተሰምዔ ንጉስ ካርሎስ እንቋዕ ናይ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም፣
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም አብ መዕረፍ ነፍርቲ ድሙቅ አቀባበላ ንዝገበሩሎም ኩሎም ብፁዓን አበው ንጉሳውያን ቤተ ሰብ አመስጊኖም ቅድሚሎሚ አብአብ ሳንትያጎ ደ ኮፖስተላን ባርቸሎናን ሐዋርያዊ ዑደት አብ ዝገበርክሉ ግዜ ዝተገብረለይ ድሙቅ አቀባበል ክዝክሮ ከሎኹ ዓሚቅ ሐጎስ ይስምዓምኒ ቤተ ክርትስያን እስጳኛ ነዚ ዕለተ መንእሰያት ብምእንጋዳን ክአ ከየመስገንኩ አይሐልፍን ኢሎም፣
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም ሎሚ ክአ በዚ አጋጣሚ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ንማድሪድ ክመጽእ ዓሚቅው ሐጎስ ይስምዓኒ ናይ”ዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ እውራ ዓላማ ከምቲ ዝፍለጥ ምስ ካቶሊካውያን መንእሰያት ዓለምን ምስቶም ንኽርስቶስን ሐቂ ዝድለዩን መንእሰያት ትርጉም ምድራዊ ህልውና ክርድኡ ምስ ዝደልዩን መንእሰያት ንምርኻብ ኢዩ ብማለት ገሊጾም፣
ከም ወኪል ቅዱስ ጰጥሮስ አብ ምድሪ ንኹሎም አብ እምነት ንምእካብ ንቁሩብ መዓልታት ብሐባር ግብረ ኖልዋዊ ስራሕ ንምስራሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ሐቀይና መንገድን ንሱ ብርእሱ ሐቂን ሕይወትን ከም ዝኾነ እንደገና ንምብሳርን ንምዝካርን ማእከል ዝገበረ ሐውርያዊ ዑአት ከም ዝኾነ ክአ አረዲኦም፣
አብ ዓለም ንመንግስተ እግዚአብሔር ከሃሌ ኩሉ ዳግመ ቅስቀሳ ንምሃብ መንእሰያት ዓለም ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ንምጽናዕን መስኻክሩ ከም ዝኾኑ ዝረጋግጽሉ ሃውህው ንምፍጣርን ዱልዱል እምነት ንምርግጋጽን ከም ዝኾነ ቅድነቶም አብ መዕረፍ ነፈርቲ ባራኻስ ማድሪድ ነቶም ዝተቀበልዎም ናይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ገሊጾምሎም፣
ብሚልዮን ዝቁጸሩ መንእሰያት ዓለም ንማድሪድ ዝውሐዝሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ንሳቶቶም ባዕላቶም ዝምልስድዎ እኳ እነተኾነ ቃለ እግዚአብሔር ክሰምዑ ስለ ዝደለዩ ከም ዝኾነ ንምርዳእ ሽግር ከም ዘይኮነ ክአ አገንዚቦም፣
እቲ አብ ክርስቶስ ተመስሪትና ብእምነት ጸኒዕና ዝብል መሪሕ ቃል ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ክአ ነዚ አብ ማድሪድ ነካይዶ ርክብ ዘንጸባርቅ ኢዩ ኢሎም ቅድስነቶም ማድሪድ መዕረፍ ነፈረቲ ምስ አተዉ፣
ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ማድሪድ ዝአተዉ በነዲክቶስ መበል 16 ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ሰፍርቂ መዓልትን 45ተን ደቅቅን ናብቲ አብታ ከተማ ዝርከብ ቤተ ሐዋርያዊ ወኪል ቅድስት መንበር ተጋዒዞም ሥርዓተ ምሳሕ ተሳቲፎም፣
ድሕሪ ዕረፍቲ ብናይ እስጳኛ ሰዓት አቆጻጸር ሰዓት ሰውዓተ ናይ ምሸት ናብ ቅርዓት ኢንዲፐንደንሲያ ተጓዒዝም አብኡ ናይ ርእሰ ከተማ ማድሪድ ከንቲባን ካልኦት ሰበስልታናትን ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል አንቶንዮ ማሪያ ሮኾን ተቀቢሎሞም፣
ከንቲባ ማድሪድ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ህያብ አቅሪቦምሎም ንሐጺር ግዚ ሐሳብ ንሐሳብ ምስተለዋወጡ ካብኡ ብመኪና ናብቲ ዓቢ ቅርዓት ደ ሲበለስ ተጓዒዞም አብዚ ቅርዓት”ዚ ፓፓ ቦይስ ደቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተባሂሎም ዝጽውዑ በማእት አሽሐት ዝቁጸሩ መንእሰያት ብዉዕዉዕ መንፈስ ብሐጎን ፈንጠዚያን ተቀቢሎሞም፣
መዝሙር ዓለም ለኸ መንእሰያት ተሰሚዑ ። ብድሕሪኡ ናይ ማድሪድ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል አንቶንዮ ማሪያ ሮኾ ቫረላ ንቅዱስ አቦና ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ጌሮም፣
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት እንቋ ብድሐነ ሰላም ኣአራኸበና እግዚአብሔር ዝተባረከ ይኹን ብማለት ንመንእሰያት ሰላምታ አቅሪቦም፣
ሕጂ ኣብ ማድሪድ ሰዓት 7.30 መደብና እናተመሐላለፈ እንከሎ ካብ ሐሙሽተ ክፍለ ዓለማት ዝመጹ ሐሙሽተ መንእሰያት በብቋንቁኦም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላምታን ንሀገራቶም ዘንጸባርቅ ህያብን አቅሪቦም፣
ብድሕሪኡ ቅዱስ ኣአቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን መንእሰያትን ብሐባር ብቋንቋታት ፈረንሳ ስውሂሊ እስጳኛ ዓረብን ጣልያንን ሥርዓተ ጸሎት ተካይዱ።
ብድሕሪኡ ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ናብቲ ዘዕርፍሉ ንቤተ ሐዋርያዊ ወኪል አብ እስፓኛ ተመሊሶም አለዉ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.