2011-08-12 10:43:45

ድምጺ እግዚአብሔር ንምስማዕ ጽሞና የድሊ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ረፍዲ “እግዚአብሔር አብ ጽሞና ይዛረብ ኮይኑ ግን ከመይ ገቢርና ክንሰምዖ ከምዘሎና ክንፈልጥ አሎና” እንክብሉ ነቲ ካብ ንውሕ ዝበል ግዜ ዝጀመርዎ ብዛዕባ ጸሎት ዘስተምህር አርእስቲ ብምቅጻል አብ ገዳማውያንን ገዳማውያትን አተኲሮም አስተምሂሮም።።
ገዳማት ከም አብ ምድረ በዳ በረኻ ዝርከብ ልሙዕ ቦታ ወይ ኦአሲስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ብምዃን እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝዛረበሎም መጋበሪ ምዃኖም ገሊጾም፣
ቀንዲ መለለዪ ምልክት ገዳማት ጽሞና እዩ፣ እግዚአብሔር ከአ ከምቲ አብ ኦሪት ኤልያስ ነቢይ አብ እምባ ሆረብ ናይ ደብረሲና ዝገበሮ ክንገብር ማለት ከምቲ አብ 1ይ መጽሐፈ ነገሥት ምዕራፍ 19።11 ተጻሒፉ ዘሎ “ቃል አምላኽ ናብ ኤልያስ መጺኡ እንታይ ይገብር ከምዘሎ ምስ ሐተቶ፣ ኤልያስ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ነንፍሰይ ድማ ኪወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፤ በለ፣ ንሱ ኸኣ፤ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደው በል፤ በለ፣ እንሆ ድማ እግዚኣብሔር ሐለፈ፤ ቀቅድሚ እግዚኣብሔር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፤ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሔር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን፣ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፤ እግዚኣብሔር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፣ ደድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ድምጺ መጸ፣ ኰነ ድማ፤ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዔ፤ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፤ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፤ ድምጺ ናብኡ መጺኡ። ኣታ ኤልያስ፤ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ? በሎ።” ዝብል ነንብብ፣
ቅዱስነቶም አድላይነት ጽሞና እንክገልጹ። ኣብ ሕይወትና ሐቀኛ መንፈሳዊ ውኅደት ንክህልወናን ኩለንትናና ናብ እግዚአብሔር ንኽነወፍን ጽሞና የድልየና ኢዩ፣ ንጽሞናን ነስተንትኖን ዝኾኑ ከአ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ብጸሎት ብዘወፈዩ መነኮሳንን መነኮሳትን ዝተፈላለዩ ገዳማት ተሃኒጾም፣ እዚ ገዳማት እዚ ክልተ ነገር አጣሚሩ ይጐዓዝ፣ በቲ ሐደ ወገን ናብ ፈጣሪ ከም እተቅልብ ዝገብር ጽባቄ ፍጥረት በቲ ሐደ ወገን ንእግዚአብሔር ጽን ቢልካ ንክትሰምዕን ንክተስተንትንን ዝዕድም ጽሞና ሒዞም ይርከቡ፣ አብ ጽሞና ምህላውን ንጽሞና ምስትምቃርን ድሮ ንጸሎት ስንድው ይገብር፣ እግዚአብሔር አብ ጽሞና ይዛረብ ኮይኑ ግን ጽን ቢልካ ንምስማዑ ዚአክል ምስንዳው የድሊ፣ እንክብሉ አድላይነት ጽሞና አብ ሕይወት ጸሎትን መንፈሳውነትን ዓቢ ምዃኑ ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.