2011-08-06 15:28:51

ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ናይ ኬኒይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነቶም ብደርቅን ጥምየትን ዝተጠቕዑ ዜጋታት ንምድጋፍ ኩሉ ክተግህ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኬንያ በቲ ኣብ ሶማሊያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ዝተጠቕዑ ብጥምየትን ስእነት መግብን ዝሳቐዩ ዜጋታት ሶማል ኣብ ምእንጋድ እውን እንተሃለወት ንገዛእ ርእሳ ብደርቂ ዝተጠቕዔት ኮይና ብፍላይ ድማ ሰሜናዊ ምስራቕን ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ እዚዩ ዝተጠቕዔ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ነዚ ሕዝቢ ግቡእ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ክከኣል ኣብዚ ነዚ መደብ መሳለጢ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምእካብ ናይ ካቶሊክ ሕጹጽ ረድኤት ማኅበር ከምዘቖሙ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ቅድም ክብል እውን ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዛኪዮስ ኦኮዝን ምኽትሎም ብፁዕ ኣቡነ ኮርነሊዩስ ኮሪር ክታም ዝተነበረሉ መልእኽቲ እቲ ኣብ ኬንያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ዘስዕቦ ዘሎ ጥምይት ኣዚዩ ሓደገይና ከምዝኾነን ናይታ ሃገር መግባዊ ውሕስነት እዚዩ ከምዝሃሰየን እዚ ድማ ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሞት ሓደጋ ኣቃሊዑ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፣ መንግሥቲ መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክገብርን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ብፍላይ ድማ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘጠቓልሎ መሰል ውሕስነት መግቢ ዝብል ውሳኔ ኣብ ምርግጋጹ ክተግህ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ኣማእኪሉ ዘካይዶ ዘሎ ዘተ ናይ ሕይወት ባህልን ክብርን ሰብኣዊ ክብርን ዘነቓቕሕ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም ከዝምነበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.