2011-08-06 15:26:55

መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት


በቢ ዓመቱ ብሓልዮት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ለብዘበን ኣብ ከተማ ማድሪድ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናብዚ ዓቢይን ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ በዓል ንምስታፍ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንሰያት ምድላዋት የሳልጡ ከምዘለዉን ሰበኻታትን RealAudioMP3 ቁምስናታት ዓበይትን ነኣሽቱ ከተማታት ተሳተፍቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብጸሎትን ብባህላውን መርሃ ግብርታትን ነቲ ጥልቂ ናይ እምነት ተመኵሮ ዝንበረሉ ኩነት የሰናድዋ ከምዘለዋ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እዚ ናይ ለብዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላሲያስ ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 7 “ኣብኡ ተሠሪትኩምን ተሓኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም ከምቲ ዝተመሃርኩምዎ ኣብ እምነት ጽንዑ” ዝብል ቃለ መርሕ ገይሩ ክካይድ ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ውሳኔ፣ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዝርከብ ምሉእ ሕይወት ዘቃልሕን መንሰይ ወለዶ ኣብቲ በዓል ምስ ክርስቶስ ክራኸበን ጥልቂ ናይ እምነት ተመክሮ ክነብር ዘተባብዕን ዘተሓሳብን ምዃኑ እውን እንክፍለጥ፣ ብፍላይ ምስ’ዚ ዓሚዩቕ መልእኽቲ እዚ ዝገራጨው ዓለም ዘቕርቦ መልእኽትን ዘቕርቦም ግዳማዊ መልክዕ ጥራሕ ዘንጸባርቕ መሠረት ኣልቦ ኣብነታት መንእሰይ ወለዶ ኣይፋል ክብል ነቲ ዘይበርስ ምልኣት ሕይወት ከተኩርን ዝዕድም ኢዩ።

መንእሰይ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምስክር በዚ ቃል ዝተመርሔን ኣብዚ ቃል ዝተሠርተን በቲ ዝተመሃሮ ኣብ እምነት ጸኒዑ መታን ክነብር፣ ነዚ ዘብቕዖን ኣብዚ ሕይወት’ዚ መታን ክተግህ ናይ ቅዱስ ኣቦና መርሕ ቃልን ምዕዳንን ሥልጣናዊ ትምህርትን ጽን ዝብለሉን ዝዕደለሉን እዋን ኢዩ። እምነት ናይ ግሊ ጉዳይ ኢዩ ዝብል ዓለም ካብ ሕይወት ሰብን ማኅበራዊ ሕይወት እግዚኣብሔር ዝንጽል ዘስፍሖ ባህሊ መንእሰይ ወለዶ ኣይፋል ክብል ናይ እምነት ትብዓት ክህልዎ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝንበረሉ እዋን ከምዝኸውን ብዙሓት ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንኽሳተፉ ኣብ ምድላዋት ዘለዉ መንእሰያት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ዘስመርሉ ሓሳብ ኢዩ።

መንእሰይ ዕለታዊ ሕይወቱ ካብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ብዝምንጭው ብርሃን ክመርሕን ካብ ተጎታቲ ምዃንን ነቲ ዓለም ዘቕርቦ በራሲ ኣብነት ኣይፋል ክብል ጸላይ ሕይወት ክህልዎ ዘተባብዖ ብሓልዮት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ክርስቶስ ንምንባርን ንምምስካርን ዝሓንጽ ቅዱስ እዋን ምዃኑ እውን ብዙሓት መንእሰያት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ዘረጋገጽዎ ሓሳብ ኢዩ።

ክርስትያን ምዃንን ሕይወት ክርስትና ዕለት ብዕለት ምንባር እዋናውን ናይ መጻእን ብድሆ ኢዩ። ስለዚህ እዚ ዓለም ሓቆፍ በዓል መንእሰይ ወለዶ ናብ ክርስቶስ ክቐርብ ዘነቓቕሕ ቅዱስ ኩነት ከምዝኾነ እንክፍለጥ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኤ ብቛንቋን ባህልን ዝተፈላለየ መንእሰይ ኣብ እምነቱ ሓቢሩ ነቲ ብኩላዊት ቤተ ክርስትያን ኣቢሉ ኣብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቐወም መሠረታዊ ኅብረት ዝነብረሉ እውን ምዃኑ መንእሰያት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ የመልክቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቶም ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ማዓልቲ መንእሰያት ዝሳተፉ 4 ሽሕ ኣካለ ስንኩላን መንእሰያት ብዘይ ሓደ ሽግር ነቲ በዓል ክከታተልዎ ዘብቕዖም መደብ ደገፍ ከምተሓንጸጸን ኣብዚ መደብ ዝዓዩ 600 ወለንተይናታት እውን ከምእተሰናደዉ ናይዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ነቶም ኣርባዕተ ሽሕ ኣካለ ስንኩላን ዝግበር ደገፍ ዘበለ ኵሉ ዘሳልጥ ኡኒታልሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ንህሙማንን ኣካለ ስንኩላንን ናብ ሉርድ ቅዱስ ማርያማዊ ሥፍራን ናብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ቅዱሳት ሥፍራ ዘጓዕዝ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ምዃኑ ናይዚ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ሊቀ መንበር ሳልቫቶረ ፓሊዩካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም። ነቶም ብኣውቶቡስ ክጓዓዙ ዘጸግሞም ኣካለ ስንኩላን ናብ ማድሪድ ብናይ ኢጣሊያ ኃይሊ ኣየርን ናይ ሓደጋ ብሔራው ምክልኻል ኢጣሊያ ምትሕብባር ናይ ነፋሪት ጉዕዞ መደብ ከምእተዳለወ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.